Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተኽእሎ ምስፍሕፋሕ ጥሩፋት ጉጅለታትን

By   /  March 26, 2017  /  Comments Off on ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተኽእሎ ምስፍሕፋሕ ጥሩፋት ጉጅለታትን

    Print       Email

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስታት ፍርቂ ዘመን ዘቚጸሩ ጸጥታዊ ዘይምርግጋኣት ጠንቂ መመሊሶም ዝተሓላለዂ ማሕበረ-ቊጠባዊ ፡ ፖለቲካውን ልምዓታውን ድኻማት ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ክንድዚ ዝኣክል ዓመታት ኣብ ተሃዋሲ ኩነት ወዲቚ ዝርከብ ዞባ ድማ ኪንዮ’ቲ ብኹሉ መለኪዕታት ዝኸስሮም ኣገስገስቲ ዕድላት – ስቡሕ መሬት ንግዳማዊ ምትእትታውን  መጫጭሒ ጥሩፋውያን ጉጅለታትን’ዉን ስለዝኸውን ጸገማት እዚ ዞባ ሰንሰላታዊ ስሩዕነት ከምዝፈጥር ጌሩ ኣሎ።

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት እዚ ዞባ ሰሪቱ ዘሎ ዘይደልደለ ጸጥታዊ ትሕተ ቅርጺ ፥ ብኹሉ ሸነኻቱ ከም ንቡር ፖለቲካዊ ከይዲ ተወሲዱ ዝርከብ ብልሽውና፥ ንሓባራዊ ስግኣታትን ብድሆታትን ኣብ ምፍታሕ ዘየድህብ ብኣንጻሩ ናብ ሓድሕዳዊ ምትፍናን ናይ ውክልና ኩናትን ዜቶኮረ ዞባዊ ውዳቤ ኢዩ። ኣብ ማሕበራዊን ልምዓታዊን መዳይ ውን ተኽነ፥  ንዝበዝሐ ሓፋሽ ተመዝማዚን ተሰዳዲን ዝገብር ዘይምዕሩይ ዝርገሐ ምዕባለ እዚ ውን ምዕበለ እንተልዩዩ) ፥  ንባህለ-ልምዲ ህዝብታት ዘይዕቅብን መርሓታት ሃገራዊ መንነት ፡ውዱቕ ስርዓታት ትምህርቲ፥ ሕንጻጻት ቊጠባ ፤ዳርጋ ተደጋጋሚ ባህርያት ምሕደራ ሃገራት እዚ ዞባዮም።  ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ብስርዕ ምርጫን ደረት ግዚኡ ዝሓለወ ክፍለግዜ መራሕቲ ሃገራት ዘይብሉ ምሕደራ ተተኺሎም ከይኣክል ተሓታትነትን ክፉትነትን ዝነጽግ  ፥ ኩሉንትናዊ ሓርነት ህዝብታት ዝእግድ ናይ ምለኽን ግሃስን ስርዓት  ፡ ንሃገራት እዚ ዞባ  ሓባርዊ ርግኣተን በሪዞም ኣብ ቀጻሊ ሕንፍሽፍሽ ክነብራ ጌሮም ዘለዉ ረቛሒታት’ዮም።

ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ ትካላውነት፥ ተዓፊኑ ዘሎ ሰብኣዊ ልምዓት ፥ ተሰሪቖም ዘለው ሲቪላዊ፡ ፖለቲካውን ቊጠባውን ናጽነታት ፡ ካብ ሓለዋ ሃገር  ተኣልዩ  ድሕነት ናይ ሓደ ጉጅለ ጥራይ ዘውሕስ ጸጥታዊ ትሕተ ቅርጺ፤ ኣብ ሊብያ ዘቤታዊ ምግምማዓትን ጉጅለኣዊ ምትፍናናትን ብዝጠንቊ ወሪዱ ዘሎ ኩሉንትናዊ ጸጥታዊ ውድቀት፤ ኣብ ግብጺ ድሕሪ 2011 ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ዘንቀዶም ክርፍሳት ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ፖለቲካውያን ሓይልታት ፤ ደቡብ ሱዳን ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2011 ብወግዒ ናጽነታ ካብ ትእውጅ ዝርብሽዋ ዘለዉ ናይ ቅድምን ድሕርን ቀቢላዊ ሰረት ዘለዎም ሓድሕዳዊ ግርጭታት፤ ኣብ ሶማል ምጽሓይ ሓንጊዱ ዘሎ ቀቢላውን ጥሩፋውን ፍልልያት ዝደፍኦ ውድቀት ሃገር፥ ኣብ ኬንያ ኢትዮጵያን ሱዳንን  ነዊሕ ዘቚጸረ ሕቶ መሬት፥ ምቕርሐ ጸጋታት፡ ከምኡ’ውን ዋሕዲ ድሞክራስያዊ ጽፈት ዝውክሎም ኣብ ወቕቲ ዝነትጒ ምትፍናናት ወዘተ – እዚኦም ካልኦትን ነዚ ዞባ ኩሉንትናዊ ዓቕሙ ጸንቂቖም ንግዳማውን ሓድሽን ስግኣታት ኣቃሊዖሞ’ዮም ዝርከቡ።

ኣመጻጽኣ ጥሩፋዊ ምንቅስቓሳት ምስ ህጒፍ ፖለቲካውን ባህላውን ኩነታት ቀጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎ’ዮም ተንተንቲ ዝሕብሩ። እዚ ከም ውህብ ተወሲዱ ግና እተን ጥሩፋት ጉጅለታት ኣብ ከመይን ንኸመይን ዝኣመሰላ ሃገራትን ከባቢታትን ይዕስክራን ይመርጻን ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰሪቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ድኻማት በዘን ጉጅለታት እዚአን ከም ምርቓ እንተተወስደ ካብ ሓቂ ኣይርሕቕን እዩ። ኣብ’ዚ ዞባ ዝነበረ ስሑው ዝርጋሔ ጥሩፋት ጉጅለታት ካብ ምዝዛም 1990ታት ጀሚሩ ብዝተዓጻጸፈ ዓይነትን ብዝሕን እዩ ክዓርግ ተራኣዩ።

ኣብ’ዚ እዋን እዚ ውድቑ ስርዓተ ምሕደራን ጸጥታዊ ትሕተ-ቅርጽን ዝውንና ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጥን ካብ ደገን ዘለዉ ጥሩፋት ጉጅለታት ከም መዋፈሪ፡ መዐስከሪን ምንጪ እቶትን ክጥቀሙለን ይረኣዩ። ናይ ሎሚ መደብ ዞባዊ ጉዳያት ኣትኲሩሉ ዘሎ ኣርእስቲ እምበኣር ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ኣህጉራዊ ሽበራ መሪሕ ተራ ሒዙ ምህላዉ ዝንገረሉን ንህልው ኩነታት ከባቢና ኣንቢቡ ድማ ህላዌኡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምድልዳል ዝጽዕት ዘሎ ዝበዝሐ እዋን ብ “ዳዒሽ ወይ ኣይሲል” ዝጽዋዕ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ዝምልከት እዩ ክኸውን። እዚ ጉጅለ ኣብ’ዚ ዞባ መሳርዑ ከደልድል ክሳዕ ክንደይ ርሒብ ባይታ ኣሎ፧ ኣብ ሃገራት እዚ ዞባ ንዝጸንሓ ንኡሳን ጥሩፋት ጉጅለታት  ብኸመይ እዩ ክጸልወን ፧ ንዋሕዚ ስደት እዚ ከባቢ ከም ምንጪ እቶት ወሲዱ ምስ’ቶም ኣብ መርበብ ንግዲ ደቂ-ሰብ ኢዶም ዝሕውሱ  መንግስታት  ሃገራት እዚ ዞባ ብኸመይ ክጻጋዕ እዩ፧ ምስፍሕፋ እዚ ጥሩፍ ጉጅለ ንጽጥታዊ ዘይምርግጋእ ዞባና ክሳብ ክንደይ ከብእሶ ይኽእል፧ን ዝብሉ ማእከሎት ሕቶታት ክምልስ ድማ እዩ ክፍትን ዝቅጽል ጽሑፍ ።

 ንመረዳእታ ፥ እዚ ጉጅለ ኣብ 1999 “ጃምዓት ኣልተውሒድ  ወል-ጂሃድ” ዝብል ስምሕ ሒዙ’ዩ ተመስሪቱ ። ኣብ’ቲ ኣብ 2003 ኣብ ዒራቕ ዝተኻየደ ወራር ኣንጻር’ቶም ናብ’ታ ሃገር ኣትዮም ዝነበሩ ሓይልታት ምዕራብ ንምቅላስ ድማ ምስ መርበብ ኣልቃዒዳ ተጻጊዑ ቀጺሉ። ኣብ 2006 ምስቲ ብ ተኸተልቲ ሱና ዝምራሕ ብ “ ሹራ ሙጃሂዲን” ማለት ሓጋጊ ባይቶ ሙጃሂዲን ዝጽዋዕ ዝነበረ ዒራቓዊ ጥሩፍ ጉጅለ ተላፊኑ ድማ  “እስላማዊት ሃገር ዒራቕ” (ISI) ኣዊጁ። ኣብ 2011 ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ድሕሪ ምፍላሙ ከኣ እቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ኣል-ባቕዳዲ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ’ቲ ዓመት ናብ ሶርያ ልእዂ። እቲ ልኡክ ነዊሕ ከይጸንሐ  ምስ ሶርያውያን ተኸተልቲ ሱና ተማሓዚዩ “ኣልኑስራ” ዝተባህለ ግንባር ከፈተ። እዚ ግንባር  ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሶርያ ህላወኡ ከመስክር’ውን ተራእየ። ኣልባቕዳዲ ኣብ ሚያዝያ 2013  “ኣልኑስራ”ን “እስላማዊት ሃገር ዒራቕ” (ISIS)ን ኣብ ትሕቲ “ኣይሲል” ISIL Islamic State od Iraq and Levant  ዝብል ስም ነጻ እስላማዊት ሃገር ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት ሻምን ንምምስራት  ከምዝሓበራ ብወግዒ ኣዊጁ።

ውህሉል ንጥፈታት እዚ ጥሩፍ ጉጅለን ኣሉታዊ ጽልዋኡን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ምዕራባዊ ዓለምን ኣህጉራዊ መድረኽ ወኒኑ ከምዘሎ ንጹር እዩ።  ማዕከናት ዜና ዓለም  ን ሽበራዊ ንጥፈታት እዚ ጉጅለ ዕለታዊ ከይጠቐሳ ኣይሓልፋን  ዘለዋ።

እዚ ጉጅለ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክቀላቐል ካብ ዝጅምር ነዊሕ እኳ እንተዘይተባህለ ሓጺር’ውን ኣይገብረን። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ኣብ ከም ሊብያን  ግብጺን  ዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፋት፥  እቲ ጉጅለ ኣብተን ሃገራት እግሩ ከደልድል ጥራይ ዘይኮነ ናብ ደቡባዊ ሸነኽ እዚ ዞባ’ውን እዩ ከአንፍት ጌሩ ዘሎ። ብፍላይ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሊብያን ምድረበዳታት ሲናይን ዘሎ ባዶሽ ጸጥታዊ ትሕተ ቅርጺ ነቲ ጉጅለ ህላዌኡ ኣብ’ዚ ከባቢ ከራብሕ ሰፊሕ ባይታ እዩ ፈጢሩ ። እዚ ባይታ እዚ  ምስ ስንኩፍ ህላወ ናይ ምክልኻል ሓይሊ’ቲ ንገፊሕ መሬት ሰሜን ሱዳን ዝመርሕ መንግስቲ ኻርቱምን ዶባቱ ክሕሉ’ስ ይትረፍ ካብ ሰራዊቱ’ውን ተነጺሉ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራን ተደሚሩ ን ምስፍሕፋሕ ናይ’ቲ ጥሩፍ ጉጅለ ተወሳኺ ዕድል ክፈጥር’ዩ – እዩ ዝበሃል ዘሎ።

ዝተፈላለዩ ወገናት ከምዘረጋገጽዎ “ኣይሲል” ልዑል መጠን ገንዘብ ኣብ ኻዝና ኣዋህሊሉ ከምዘሎ’ዩ። ብመሰረት ሓበሬታ ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣመሪካ ፥ ኣብ ሶርያ ብዕቚር ነዳዲ ካብ ዝፍለጣ 9 ከባቢታት እተን 6 ኣብ ትሕቲ እቲ ጉጅለ ከምዝርከባ፤ ኣብ ሊብያን ዒራቕን’ውን ብተመሳሳሊ ምንጪ ልዑል መጠን ገንዘብ ኮይነሞ ዘለዉ ናይ ነዳዲ ጎዳጒድን ትሕተ-ቅርጽን ተቖጻጺሩ ይርከብ ። እቲ ጥሩፍ ጉጅለ ካብ 1 ክሳብ 2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝኸውን ጥረ ገንዘብን ብኣማኢት ሚልዮናት ዝምጠን ንዋትን ወኒኑ ከምዘሎ’ውን እዩ ሓበሬታ ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣመሪካ ዘረድእ። እዚ ጉጅለ ንኽንድዚ ዝኣክል መጠን ገንዘብ ኣብ ምምዋልን ምዕኳኽን ዞባውያን ጥሩፋት የውፍሮ ኣሎ’ዩ ዝበሃል። እዚ እንተኾይኑ እቲ ሓቂ ፥ “ኣይሲል” ኣብ ምርባሕ ሓደስቲ ጥሩፋት ጉጅለታትን ነተን ዝጸንሓ ድማ ኣብ ምትርናዕን ልዑል ናይ ምግባር ዓቕሚ ወኒኑ ኣሎ ማለት ይኸውን። ኣብ ቤንቓዚ ናይ ሊብያ፥ ኣብ ምድረበዳታት ሲናይ ናይ ግብጺ፥ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ናይ ሶማል፥ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኻት ኒጀር፡ ማሊን ጫድን ብምወላ እቲ ጉጅለ ዝዓኲ ዘለዉ ጨናፍራትን ተኸታልነቶም ምስቲ ጉጅለ ዘመስክሩ ዘለዉ ነባራት  ጉጅለታትን ድማ ናይ’ዚ ዝንባለ ኣብነት እዩ።

“ኣይሲል” ብፍላይ ኣብ ምድረበዳታት ሳሃራን ሲናይን ዘራብሐን ብዘሎ ንኡሳን ጉጅለታት ጌሩ ዝተሃደሰ መርበብ ንግዲ ደቂ-ሰብ ኣብ ምስፋሕ’ውን ይጽዕት’ዩ ዘሎ። ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ዝረአ ዘሎ ልዑል ዋሕዚ ስደት ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዕላማ ሒዙ ድማ ስደተኛታት ኣብ ምጭዋይ፥ ሃይማኖታዊ ተኸታልነት ኣብ ምስግዳድ ነዚ ዘይተቐበሉ ድማ ኣብ ምስያፍን ብብረት ምቕንጻልን ዝኣመሰሉ ወፍርታት ተተሓሒዝዎም ይርከብ ። ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ በቲ ጉጅለ ዝተጨውዩ’ሞ ኣብ ገማግም ማያት ሊብያ ዝተሰየፉ  ዓሰርተታት ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን ግብጻውያንን ቀጥታዊ ኣብነት እዩ። እቲ ጉጅለ ኣብ’ዚ ልዑል ኢድ ወኒኑሉ ከምዘሎ ዝንገረሉ ዘይሕጋዊ መርበብ ንግዲ ደቂ-ሰብ ተጫሪቱና ዝብሉ ገለ መንግስታት እዚ ዞባ፡  ንዝተወስደሎም ገዚፍ ምቅሊት ዳግም ክውንኑ ምስቲ ጉጅለ ክደናገጹ ከምዝኽሉ ዘተንብሁ ወገናት’ውን ፥ እዚ ነቲ ጥሩፍ መሳፍሒ ባይታ ከምዝኾኖ ይዛረቡ። መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ኣብ መርበብ ንግዲ ደቂ ሰብ ዝተራቐቐ ሱታፌ ኣለዎም እዩ ዝበሃል።

እዞም ውሁባት ሓቅታት እምበኣር ነዚ ጥሩፍ ጉጅለ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተዋሕሰ ቀጻልነት ከይህብዎዩ እዩ እቲ ስክፍታ። እዚ ዞባ እዚ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣብ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእን ሕሰምን ዝበለየ ዞባ ኮይኑ፡ ከም “ኣይሲል” ዝኣመሰሉ ኣህጉራዊ ሽበራ ዘማሕድሩ ጉጅላታት ከልሕቕ እንተፈቲኑ ክመጽእ ዝኽእል ዕንወት ሚዛን ኣይህልዎን። እዚ ስለዝኾነ መንግስታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ፥ እዚ ዞባ ተኣፋፍነቱ ኣውሒሱ ክቕጽል ጌሩ ዘሎ ግጉይ ምሕደራኦም ኣዐርዮም ኣብ ድልዱልን ሓባራውን ዞባዊ ርድኢት ክዓልቡ የድሊ።

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →