Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ዕድልን ንብርቲ ሃገርን እንተዝነብሮም!

By   /  March 4, 2017  /  Comments Off on ዕድልን ንብርቲ ሃገርን እንተዝነብሮም!

    Print       Email

ኣብዚ ቅንያትዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ኣብ ዝተኻየዱ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራውያን ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ተቐዳደምቲ ነቲ ውድድራት ብብቕዓት ብጋንታን ውልቀን ዓብሊሎም ኣዚዩ ዕዉት ውጽኢት ኣመዝጊቦም ኣለዉ። ሬድዮ መድረኽ ነዞም ሳላ ብቕዓቶም ስም ሃገሮም ዘጸውዑ፥ ባንዴራ ሃገሮም ልዕሊ ካልኦት በሪኻ ከተንበልብል ዝገበሩ ተቐዳደምቲን ደገፉ ዘይፈሊ ህዝቢን ብፍላይ ድማ ኣፍቃሪ ስፖርት ዮሃና ይብል።

ዓወት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብዓቢኡ ድማ ነታ ኣህጉር ዓቢ ዓወት እዩ። ቅድሚ ሕጂ ውን ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝተዓትረ ዓወት ዓቕሚ ኤርትራውያን መንእሰያት ብድሙቕ ዘመስከረ እዩ።

ኤርትራውያን ኣብ ስፖርታዊ ዓውዲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልእ ዓውድታት ውን ጽብለል ዝብሉ ዕዉታት እዮም። ምስናይ እዚ ኩሉ መከራ ዶባት ሰጊሮም ባሕርታት ጥሒሮም ኣብ ስደት ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ እዞም ድሒሮም ዝመጹ ዘለዉ መንእሰያት ናይ ስራሕ ባህሎም፥ ህርኩትነኦም፥ ናይ ትምህርቲን ፍልጠትን ጽምኣቶምን ጻዕሮምን፤ ንቡዙሓት ዘገረመ እዩ። ለይትን መዓልትን ጽዒሮም ድማ ድሕሪት ዝገደፍዎ ህዝቦም ንምሕጋዝ ሰለም ከየበሉ ይሓድሩ።

ተራን ሓይልን መንእሰያት ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተገለጸ ሓያልነቱ መስካሪ ዝሓትት ኣይኮነን። እዚ ግን ኣብቲ ኪኾኖ ዝግባእ በጺሑ ማለት ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ ኩሉ ዕድላቱ ኩሉ መሰላቱ ተገፊፉ’ዩ ጸኒሑ። መንእሰይ ኤርትራ እዚ ከሰላስሎ ዝጸንሐ ዓወት እዞም ኩሎም ዕድላቱ ውን ተኸሊኡ ከሎ እዩ። መንእሰያት ዝግባኦም ዕድል እንተዝረኽቡ፥ ናጽነቶምን ሓርነቶምን ተጎናጺፎም ክእለቶም ዝብርብሩሉ፥ ዓቕሞም መሊሶም ዝነድቁሉ ዕድል እንተተረኺቡ፥ ክገብርዎ ዝኽእሉ ልዑል ውጽኢት ንምግማቱ ዝከኣል እዩ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ዛጊት ከይሓስቡን ከይምርምሩን ሓንጎሎም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ተቐይዱ፥ ከይመሃሩን ከይሙኮሩን ምንቅስቓስን ሓርነትን ተነፊጎም ኣብ ፍልጠትን ክእለትን ከየድህቡ ናቶምን ናይ ስድራቤቶምን ቅሳነትን ሰላምን ተሓሮሞም ኣለዉ። ስለዝኾነ ዕቑር ክእለቶም ከውጽኡን ክወጹን ኣይከኣሉን። ኣብ ሰሃራታት ኣሞራ ዝበልዖ ሬሳታት መንእሰያት፥ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተዋሕጠ ህይወት መንእሰያት፥  ኣብ ሲናያት ዝተዘልዘሉ ውልዶታት ክንደይ ካብኦም ስፖርተኛታት፥ ክንደይ ጥበበኛታት፥  ክንደይ ተመራመርቲ፥  ክንደይ ሳይንቲስት፥ ክንደይ ሓረስቶት፥ ክንደይ ሰራሕተኛታት፥ ክንደይ መራሕቲ፥ ክንደይ ፍላስፈታት፥ ክንደይ ሙሁራት፥ ኪኾኑ ዝኽእሉ ከምዝነበሮም ርዱእዩ። ስለዝኾነ ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ብስደትን ጥሜትን፥ ብጭቆናን ፋሕብትንን ዘይኮነ፥  ብዓወትን ፍልጠትን፥ ብትምህርትን ምህዞታትን ክትልለ መታን እቲ ነዚ ጠንቂታት ዘበግስ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ክእለ ኣለዎ።

ደጊምና ዮሃና ንድሙቕ ዓወታት ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ኣብ ዜሽያን ማእከላይ ምብራቕን ካልኦት ከባቢታትን  !

    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ብሰደድ (Export) ዝልእኮ ሓደ ነገር ጥራይ ኢዮ – ስደተኛታትን ሕሰሞምን።

Read More →