Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኩባንያ ሓራትን ምኒስትሪ ሞጎዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ ናብ መንግስቲ ሱዳን ዘቕረቦ ፍቓድ ናይ ህዝቢ ሞጓዓዝያ ከምእተነጸገ ተሓቢሩ።

By   /  March 28, 2017  /  Comments Off on ኩባንያ ሓራትን ምኒስትሪ ሞጎዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ ናብ መንግስቲ ሱዳን ዘቕረቦ ፍቓድ ናይ ህዝቢ ሞጓዓዝያ ከምእተነጸገ ተሓቢሩ።

    Print       Email

ኩባንያ ሓራትን ምኒስትሪ ሞጎዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ ብጥሪ 12 2017 ናብ መንግስቲ ሱዳን ዘቕረቦ ፍቓድ ናይ ህዝቢ ሞጓዓዝያ ከምእተነጸገ ተሓቢሩ።

እቲ ብሚንስትሪ መጓዕዝያን መራኸቢታትን  ኤርትራ ዝቐረበ ፍቓድ ናይ ሓባር ስራሕ ካብ ኤርትራ  ናብ ካብ ውሽጢ ሱዳን ናይ ምጉዕዓዝ መስርሕ ኮይኑ፤ መንግስቲ ሱዳን መልሲ ምሃብ ኣብዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 5 መጋቢት ናይ ኣብያ መልሲ ከምዝሃበ ተገሊጹ።

ብኣንጻር እዚ መንግስቲ ሱዳን ካብ ዕለት 17  መጋቢት ጀሚሩ  ምስ ኢትዮጽያ ናጻ ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት  ከም ዝጀመረን ተፈሊጡ። እዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጲያን ሱዳንን ዝተገበረ ስምምዕ ካብ ሱዳን ማለት ካርቱም ኣዲስ ኣበባ ብናይ ኢትዮብያ ኩባንያ መጋዓዝያ ሰላም  ዝካየድ ኮይኑ መንግስቲ ሱዳን ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ኣውዲቕ ናብ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝወገነሉ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን።

ብአዚ ናይ መንግስቲ ሱዳን መልሰ ተግባራት ዝተቖጠዐ ብቐሊሉ ክትል ክትል ዝብሎ ፕረዚደንት ኤርትራ፤ ኩለን ኣብ ግርማይካን ኣዲባርን ቃሩራን ተሰነይን ብነጻ ዝሰርሓ ዝነበራ ናይ ሱዳናውያን ሎሪ ዝዓይነተን ናይ ጽእነት መካይን ብቕጽበት ማዓልታዊ ግብሪ ርግጫን ኺኸፍላ ለምዝኣዘዘ ተሓቢሩ።

 ኣምሳዩ ናይዚ ሓድሽ መምርሒ 18 ዝኾና መካይን ሎሪ ኣብ ግርማይካ ተኣሲረን ከም ዘለዋ ዝሓበሩ ምንጫት ሬድዮ መድረክ ፣ርክባት ሱዳን ኤርትራን ከምቲ ዝድለ ከም ዘየለን ብፍላይ ኣብ ለካቲትን መጋቢትን ኣብ ከባቢ ኣርባዓተ ዓሸርን ባረንቱን ብጉዳይ ጸጥታ ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ ትርከቦም 7 ሱዳናውያን  ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።ብወገን መንግስቲ ሱዳን እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታ ኤርትራ ኣብዚ ቅንያት ክኣስርዎም ጀሚሮም ምህላዎም ተሓቢሩ።

    Print       Email

You might also like...

    ምእንቲ ስልጡንን ሉዓላዊን ተቓውሞ

Read More →