Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብቶም ዝለዓሉ ሓለፍቲ ከይተረፈ ለውጢ ዝመጸሉ ግዜ ምንውሑ ዝፈጠረሎም ጭንቅት ብዕሊ ምግላጽ ይረአ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  March 14, 2017  /  Comments Off on ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብቶም ዝለዓሉ ሓለፍቲ ከይተረፈ ለውጢ ዝመጸሉ ግዜ ምንውሑ ዝፈጠረሎም ጭንቅት ብዕሊ ምግላጽ ይረአ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብቶም ዝለዓሉ ሓለፍቲ ከይተረፈ ለውጢ ዝመጸሉ ግዜ ምንውሑ ዝፈጠረሎም ጭንቅት ብዕሊ ምግላጽ ይረአ ምህላዉ ተሓቢሩ።
እቶም ሓለፍቲ ‘ ደንጉዮምና ሓዲኡ ዘይገብሩና’ ዝብል ለውጢ ምድንጓዩ ዝፈጠረሎም ዘይዕግበትን ዘይጽወር ኮይንዎም ዘሎ ኩነትን ይገልጹ እኳ እንተለዉ እቲ ለውጢ፤ ብመንን ብኸመይን ክመጽእ ይጽበይዎ ምህላዎም ግን ንንጹር ኣይኮነን።
እቲ ለውጢ ናይ ምህላው ግድነት ኩሎም ዝሰማምዑሉን ክግበር ከምዘለዉ ክሰርሑ ድልዋት ሙኻኖምን ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፤ እቶም ለውጢ ክገብሩ ዝግብኣ ንባዕሎም ለውጢ ደንጉዩ ካብዚ ንላዕሊ ምጽባይ ኣይከኣልን ኢዩ ምባሎም ንብዙሓት ሰብት ንምርድኡ ከምዘጸግሞም ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ካብ ዝለዓሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ክሳብ እቲ ንቡር ህይወቱ ዝመርሕ ዜጋ ለውጢ ክህሉ እዋኑ ሕጂ ሙኻኑ ዝረዳድኡ ሙኻኖም፥ ወላ እቶም ብደጊኦም ‘ተረርቲ ደገፍቲ’ ዝመስሉን፤ መስሲሎም ዝቐርቡን ከይተረፉ ‘ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰብኣይ ድላዩ ዝገብራ ሃገር ክንበር ኣይከኣልን ኢዩ’ ኢሎም ከምዝዛረቡ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፡ ነብሲ ወከፍ ሰብ  ኣብ ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ለውጢ ክመጽእ ይግባእ እንዳበለ ብዛዕባ እቲ ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ ግን መን ሙኻኑ ብድብዱቡ ከምዝሓልፍዎ ሓቢሮም።
ሎሚ ዳርጋ ነብሲወከፍ ሰብ መምስ ዝቐርቦ ጉጅለ ይኹን መቕርብ፤ ሃገር ከምዘብቀዐትን ለውጢ እንተደንጉዩ ብቐንዱ ከም ህዝብን ሃገርን ናይ ህላወ ሓደጋታት ይረአ ከምዘሎ ብጋህዲ ዝዛረበሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ እዚ ዝፈጠሮ ሃዋህው ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጥሪ ብቐሊሉ ዝኾነ ሰብ ክዕዘቡ ዝኽእል ኮይኑ ምህላዎም ሓቢሮም።
ማዕረ ማዕረ እዚ ንለውጢ ናይ ምድላው ምንቅስቓስ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲን ኣዘዝቲ ሰራዊትን  ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈለየ ኣገባብ፤ ትሕተ ሃገራዊ ምትእኽኻብን ምድግጋፍን ርኡይ ኮይኑ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ናብ ስግረዶብ ዝግበር ምህዳም ሰባትን፤ ኣብ ኢሚግረሽን ዝግበር ምስላጥ ቪዛታትን ከይተረፈ ትሕተ ሃገራዊ መልክዕን ምትሕግጋዝን ሒዙ ምህላዉ ሓቢሮም።
    Print       Email

You might also like...

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ወተሃደራዊ ግጭት ይቕጽል ኣሎ።

Read More →