Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ኩሎም ከባቢታት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ናይ ውግእ ምድላዋት ዝመስል ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ይረአ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም።

By   /  March 20, 2017  /  Comments Off on ኣብ ኩሎም ከባቢታት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ናይ ውግእ ምድላዋት ዝመስል ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ይረአ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም።

    Print       Email

ኣብ ኩሎም ከባቢታት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ናይ ውግእ ምድላዋት ዝመስል ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ይረአ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ዓሰብን ጸሮናን ካብ ዕለት 13 ጀሚሩ ክሳብ እዚ ዜና ዝሰናደኣሉ ዘሎ ዕለት (ሰኑይ 20 መጋቢት)  ድፋዓት ምድልዳል፤ ከበድቲን ማእከላይን ኣጽዋር ቦታ ምትሓዝ ፤ ሓደስቲ ድፋዓት ብዶዘራት ሙኽዓት፤ ምንቅስቓስ ሰራዊት፤ ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ይረአ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ምስዚ ምድላዋት ብዝተኣሳሰር ኢዩ ተባሂሉ ብዝግመት ኩነት፤ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤትማእሰርቲ ሚዒጥር ብጥርጥራ ስግረዶብን ‘ፎኮስቲ ገበንን’ ዝበሃል ጉዳያትን ተኣሲሮም ዝጸንሑ ዜጋታት፤ ብዕለት 15 መጋቢት ነጻ ድሕሪ ምልቃቖም፤  እቶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይገበሩ ናብ ታዕሊም ፤እቶም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ድማ ናብ ኣሃዱታቶም ከምዝተላእኩ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ምኽንያት  ብዕለት 15 መጋቢት ካብ እንዳኬዝ  ቀሊል ገበን ዝበሃል ጨናፍር ቤትማእሰርቲ ዓዲኣቤቶ 4 በጣሕ  ዝመልኡ እሱራት ካ ነጻ ተለቒቖም ናብ ኣሃዱታቶም ከምዝተላእኩ  ተሓቢሩ። እቶም እሱራት ቅድሚ ምፍናዎም ፎርም ፎኪስ ገበን ዝበሃል ቅጥዒ ከምዝመልኡ ድሕሪ ምግባር፤ ዋሕስ ከምዘምጽኡ ከምዝተገበረ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ እቲ መስርሕ ምፍናው ብተብተብ ብኣላይነት ወዲከበደ ዝተገበረ ምንባሩ ገሊጾም።

ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብዕለት 11 መጋቢት ኣብ ከባቢ መለኽሰይቶ ካብ ዝነበሩ  ኣሃዱታት ምክልኻል ኤርትራ፤ 13 ኣባላት ስለያ እዚ ግንባር ብጥሙር ናብ ኢትዮጲያ ኢዶም ከም ዝሃቡ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ካብ በለዛ ሓቢሮም።

 

    Print       Email

You might also like...

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ወተሃደራዊ ግጭት ይቕጽል ኣሎ።

Read More →