Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ኤርትራ: ብልሽውና ኣብ ክእረመሉ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  March 19, 2017  /  Comments Off on ኣብ ኤርትራ: ብልሽውና ኣብ ክእረመሉ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email

ኣብ ኤርትራ: ብልሽውና  ኣብ ክእረመሉ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ናይዚ መርኣያ ብርክት ዝበሉ ወነንቲ ትካላት ብንግዲ ይኹን ካልእ ውልቃዊ ቅርሕንቲ ንዝተጻብእዎም ሰባት ብዘለዎም ምትእስሳር፡ ኣብ ዝደለይዎ እዋን ብዝደለይዎ መልክዕ የእስሩ ምህላዎም፤ በቲ ኻልእ ወገን ድማ ገለ ሰባት ብዘለዎም ምትእስሳር ካብቲ ናይ ምእሳር ሓደጋ ይድሕኑ ምህላዎ ኢዩ።

ከም ኣብነት ናይዚ ናይ ብልሽውና ተርእዮ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ወናኒ ናይ ሓንቲ ህብብቲ ባር፤ ምስ ካልእ ዜጋ ብዝፈጠርዎ ምግርጫው፤ እቲ ወናኒ ትካል ምስ ሓዉ ንፕረዚደንት ብዘለዎ ቅርበት ነቲ መባእስቱ ከምዝእሰሮን፤ ተኣሲሩ ኢሎም ናይ ሓጎስ ድግስ ከምዝገበሩን  እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ካብኡ ንላዕሊ ዝገርም ግን፤ እቲ ዝተኣስረ ዜጋ ናይ ባዕሉ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምትእስሳር ስለዝጸንሖ፤ እቶም ዘእሰርዎ ድግስ ይገብሩሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፤ ንባዕሉ ርክባቱ ተጠቒሙ ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ ተመሊሱ ነቶም ዘእሰርዎ  ንምእሳሮም ከምዝፈተነ ተገሊጹ።

እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ክሳብ ክንደይ ሎሚ ሰብ ኣብ ኤርትራ ነንሕድሕዱ ይጠላለም ምህላዉ በቲ ሓደ ወገን፤ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብልሽውና ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንወት ሃገር የምርሕ ምህላዉ ዘርኢ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

 

    Print       Email

You might also like...

    ምእንቲ ስልጡንን ሉዓላዊን ተቓውሞ

Read More →