Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ዘሎ ብልሽውና ኣዚዩ ገኒኑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  March 17, 2017  /  Comments Off on ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ዘሎ ብልሽውና ኣዚዩ ገኒኑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email

ቀንዲ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ብዘለዎም ሓይሊ ተጠቂሞም፥ እሱራት ኣብ ምውጻእ፡ መውጽኢ ቪዛ ኣብ ምውሃብ፥ ምስ ደቆም ስግረዶብ ኣብ ምኻድ ንዝተታሕዙ ስድራቤት  ነጻ ኣውጺእካ ዳግማይ ናብ ስግረ ዶብ ምፍናው ዝኣመሰሉ ተግባራት ገኒኖም ምህላዎም ተሓቢሩ።

እቶም ዝፍጸሙ ‘ምድግጋፍ’  ብቐንዱ ብትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳራትን፤ ምቕባል ገንዘብ ብልሽውናን ዝሳለጡ ሙኻኖም እቶም  ምንጭታት ኣብነት ናይ ሓንቲ ምስ ሓሙሽተ ደቃ ብመኪና ዶብ ክትሰግር ዝተታሕዘት እሞ ብፍሉይ ትእዛዝ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ነጻ ተለቒቓ ኣብ ሰሙና ክሳብ ካርቱም ብላንድክሩዘር ዝተላእከት ስድራቤት ብምጥቃስ ገሊጾም። እቲ ብሪጋደር ጀነራል ካብ ኣዚዮም ውሑዳት ዝኣምኖም ወሃብቲ ብላዕ፤  ግን ከኣ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከምዝቕበል ይሕበር።

ኣብቲ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተዋህበ ሚልዮናት ዶላራት እውን ብስም ጨረታን ምስ ኩባንያታት ወጻኢ ዝግበር ትሕተ ትሕተ ስምምዓትን ድሮ ገለ ሓለፍቲ ኣዚዩ ብርክት ዝበለ ረብሓ ኣውሒሶም ምህላዎም፥ እቲ ርክባት ናይቶም ሰባት ናብ ዝተፈላለየ መኣዝን ይቐንዕ ምህላዉ ተሓቢሩ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ሓላፍነት ካብቲ ብልሽውና ዝተራእዮ ናይ ጨረታ ኮሜቴ ተወሲዱ ናብ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ተሰጋጊሩ ምህላዉ ውን ይሕበር።

ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ፤ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ሓለፍቱን ዘሎ ብልሽውና፤ ኣብ ታሪኽ ሃገርና  – እንተላይ ኣብ መግዛእታዊ ታሪኽ ኤርትራ – ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ጽፍሒ በጺሑ ኣሎ ክብሉ ገዝገለጹ ምንጭታት፤ ኣብ ኩሉ መዳያት ድኻን ትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳር ዘይብሉን ክፋል ግዳይ ኪኸውን ከሎ፤ ሃብታምምን ሰብ ግዜን ዝደለይዎ ጉዳይ ኣብ ዝደለዮ እዋን የፈጽሙ ምህላዉ ይጥቀስ።

ብዘይካ ኣዚዮም ውሑዳት ብሕልና ዝምእዘዙ ደያኑ፤ እቶም ዝበዝሑ ‘ሞያውያን ፍትሒ’ ንፍርድን ዳንነትን ብገንዘብ ይሸጡ ምህላዎም፤ ብዙሓት መሰኻኽር የረድኡ ምህላዎምን፤ ፍርዲ ብገንዘብ ምግዛእ ልሙድ ኮይኑ ከምዘሎን ዝዘርዘሩ ምንጭታት መድረኽ፤  ኣብ ካልኦት ትካላት መንግስቲ እውን እንተኾነ፤ ዝኾነ ኣብ መንግስታዊ ቤትጽሕፈት ዝካየድ ጉዳይ ብብላዕን ቅርበትን ኮይኑ ምህላዉ ሓቢሮም።

ኣብ ኮሚሽን ስፖርትን ባህልን ዘሎ ዝመሽመሸ ብልሽውና፤ ከምኡውን ብስም ኢጣልያውያን ዝመሓደራ ‘ዘይረኣያ ግን ገበርቲ ኩሉ ኩባንያታት’ ብኣዚዮም ላዕለዎት ሓለፍትን፤ ኣምባሳደራትን፤ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ዝግበር ዘሎ ስርቅን ሃነፍነፍን፤ ናይቲ ኣብ ጫፍ በጺሑ ዘሎ ምብልሻው መርኣያ ኢዩ ክብሉ እቶም ምንጭታት ናብ ሬድዮ መድረኽ ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ልዕሊ መላእ ኤርትራዊ ተጻዒኑ ዘሎ ብልሽውና ከይኣኽሎ፤ ነቲ ሕሰም ካብኡ ናብኡ ብትሕተ ሃገራዊ ምርኽኻብን ብጉቦን፤ ካልእ ኣደራዕ ሌላ ጉሌላ በጺሕዎ ምህላዉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፤ ገለ ዝያዳ ክውጻዕን ክሳቐይን ከሎ፤ ገለ ድማ ብደገፍ ናይቶም ብብልሽውና ዝተቕማጥዑ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ካብ ማእሰርቲ ነጻ ይወጹ፤ ናብ ስግረዶብ ክሳብ ናብ ካርቱም ብቐጥታ ይለኣኹ ምህላዎም ተፈሊጡ። 

ብሰንኪ እዚ ደረቱ ዝሓለፈ ብልሽውና ኤርትራ፤ ናብ ጸድፊ ተምርሕ ምህላዋ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤  ሎሚ ኣብ ኤርትራ ምሃብን ምቕባልን ብላዕ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑን ንቡር ተርእዮ ኮይኑ ምህላዉን ገሊጾም።  

    Print       Email

You might also like...

ኩሎም ናይ ጣዕሳ ወረቐትን 2%ን ከፊሎም ዝመላለሱ ዝነበሩ ዜጋታት ክወሃቦም ዝጸንሐ ሓለፋታት ካብ 7 መስከረም 2017ጀሚሩ ከምዝተሰረዘ ተሓቢሩ። 

Read More →