Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣባል ስለያ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሌ/ኮ ምስግና ፋሲል{ወዲ ማማ} ምስ በዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ምጽላል ሳህለ ተኣሲሩ

By   /  March 22, 2017  /  Comments Off on ኣባል ስለያ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሌ/ኮ ምስግና ፋሲል{ወዲ ማማ} ምስ በዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ምጽላል ሳህለ ተኣሲሩ

    Print       Email

ኣባል ስለያ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሌ/ኮ ምስግና ፋሲል{ወዲ ማማ}  ብዕለት 07 መጋቢት ብስራሕ ትድለ ኣለካ ዝብል ተሊፎን ተደዊልዎ ምስከደ  ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ሃለዋቱ ከም ዘጥፈአ ተፈሊጡ።

ኣብ ስርሑ ዝርከቡ ብጾቱን  ሓለፍቱን ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘይብሎም  ድሕሪ ምፍላጣ፤ በዓልቲ ቤቱ ናብ ፖሊስን ሃገራዊ ድሕነትን ከም ዘመልከተት ዝሓበሩ ምንጭታት  መድረኽ ኮይኑ ግን ብኣንጻሩ ብዕለት 17 መጋቢት ምሸት  ሰዓት 11 በዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ምጽላል ሳህለ ውን  ንባዕላ ከም ተኣሰረት ምንጭታት ይሕብሩ። 

 ሌ/ኮ ምስግና ኣብ ስለያ ምክልካል ኣብ ምጥላፍ ርክባትን ፍሉይ ዋህዮታትን ብምዃን ክሰርሕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ መብዛሕትኡ ስራሑ ንቡዙሓት ግሁድ ዘይኮነ ስለያዊ ወፍርታት ዘጠቓለለ ምንባሩ ምንጭታት ሓቢሮም።  

ምክንያት መእሰሪ ሌ/ኮ ምስግና ፋሲል {ወዲ ማማ} ብንጹር እካ  እንተዘይፈለጠ፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሱዳን ክሕከም ከይዱ ድሕሪ ምምላሱ፤ ኩሉ ምንቅስቓሳቱ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ ምንባሩን፤ ቴሌፎናቱ ተጠሊፉ ስድራቤቱ እውን ምክትታል ኪካየደሎም ምጽንሑን ተገሊጹ። 

    Print       Email

You might also like...

‘ካብ ሃገር ከይወጹ ብጥብቂ ምክትታል ዝግበረሎም ሰባት’ ዝብል ሊስታ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ናብ ሃገራዊ ድሕነትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሚኒስትሪ ጥዕናን ተላኢኹ

Read More →