Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል መጀር ጀነራል ሮመዳን ኣውሊያይን ኣብ ዓዲ’ቀ’ ንኡስ ዞባ ጋላ ነፍሒ ንኣሰያይማ ጽላት እታ ዓዲ ዝምልከት ዘካየዶ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ

By   /  March 2, 2017  /  Comments Off on ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል መጀር ጀነራል ሮመዳን ኣውሊያይን ኣብ ዓዲ’ቀ’ ንኡስ ዞባ ጋላ ነፍሒ ንኣሰያይማ ጽላት እታ ዓዲ ዝምልከት ዘካየዶ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ

    Print       Email

ብሰንበት 26 ለካቲት 2017 ረፋድ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል መጀር ጀነራል ሮመዳን ኣውሊያይን ሓለፍቲ ህግደፍን ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ዓዲ’ቀ’ ንኡስ ዞባ ጋላ ነፍሒ ንኣሰያይማ ጽላት እታ ዓዲ ዝምልከት ዘካየድዎ  ኣኼባ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።

እቲ ናይ ዓዲ ቀ ጉዳይ ብልምድን ያታን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብምብህሃልን ምዝታይን ደቂ ዓዲ ክፍታሕ ዝግበኦ እንዳሃለወ፤ እቲ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ህዝቢ ክኣቱን ብሓይሊ ክፈትሕን ዝፍትን ኣካይዳ ናይ መንግስቲ ኤርትራ፤ ኣብቲ ጉዳይ ብትእዛዝ ውሳነ ክህብ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ካብ ገለ ክፋል ናይቲ ህዝቢ ከቢድ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ንህዝቢ ዓዲቀ ኣኪቡ ታቦት ጽላት ተኣልዩ ብኻልእ ጽላት ክትካእ ዝብል ትእዛዝ ስለዘቕረበ፤  ነዚ ሓሳብ ኪቕበሉ ዘአገሞም ኣቦ ብድድ ኢሎም ‘ወደይሺ ኣውልያይ ይብሉኻ፤ ስምካ ከምዚ ናተይ ብርሃነ ቀይራ ኢለ እንተኣዘዝኩኻ ምቐየርካዶ’ ዝብል ሕቶ ሓቲቶም ምላሹ ከይተቐበሉ ንኣኼባ ረጊጾም ከምዝወጹ ምንጭታትና ካብ ዓዲቀ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ሓንቲ ኣደ እቲ ኣተሓሕዛ ናይቲ ጉዳይ ልቦና ከምዝጎደሎ ድሕሪ ምሕባር ‘ሓለፍትን ስርዓትን ኪቕየሩ ይኽእሉ ኢዮም ሰረትን መሰረትን ግን ከቶ ኪቕየር ነይረኣና’ ክብላ ርእይቶአን ሂበን።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል መጀር ጀነራል ሮመዳን ኣውሊያይ፤ ‘እዚ ትእዛዝ ናይ መንግስቲ ኢዩ “ብመሰረት  ኣዋጅ  መንግስቲኤርትራ 1994’  ኩለን  ኣብያተ ክርስትያናት፣ ካብቲ ዝጸንሐን  ኣስማት  ውልቀ ሰባት  ወይ  እንዳ  ዓልየት  ወጼአን  ብስም ዓዲ   ኪጽውዓ  ይእዝዝ!”ዝብል ዓንቀጽ ኣሎሞ ነዚ ናይ መንግስቲ ሕጊ ትሰግርዎ ዶ ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን ፡ ሓደ  ኣቦ  ብድድ  ኢሎም ፣     ‘እዚ  ኩሉ  ዓመታት መንግስቲ  ኣበይ  ነይሩ  ኣብ ሕጂ በጺሑ ስም ኪቅየረሉ ዝደሊ ዘሎ ?   በል  እስከ  ወለድና  ዘጽንሑልና ማዕተብ ኣይንበትኽን ፤መንግስቲ ማዕተብና  ኪብተኽ  እንተኾይኑ  ድማ   ክሳድና ወን ምሰኣ ብተካ በሎ’ ክብሉ መሊሶምሉ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል መጀር ጀነራል ሮመዳን ኣውሊያይ ከምዝሓበሮ “ብመሰረት  ኣዋጅ  መንግስቲ ኤርትራ  1994 ኩለን  ኣብያተ ክርስትያናት፣ ካብቲ ዝጸንሐን  ኣስማት  ውልቀ ሰባት  ወይ  እንዳ  ዓልየት  ወጼአን  ብስም ዓዲ   ኪጽውዓ’  ዝሕብር ሙኻኑ ልክዕ እኳ እንተኾነ፤ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ዓድታት ጉዳይ ብሙሉእ ውህደትን ርድየትን ዓበይቲ ዓዲን ያታዊ ዝርርባትን እምበር ብሓይሊ ክፍታሕ ከምዘይክእል ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ካብ ዓዲቀ ሓቢሮም።

    Print       Email

You might also like...

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት መደብ ከምዘለዎ ይሕበር ኣሎ፡ ዛጊት እንታይ ተገይሩ ኣሎ፤ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ናበይ ገጹ ኪቐንዕ ይኽእል።(1ይ ክፋል)

Read More →