Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ናብ ስግረዶብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ ከባቢ ማህሚመት ምስ በጽሑ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተኸፈት ቶኽሲ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ሓደ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓን ሞይቶም 9 ቆሲሎም ።

By   /  March 25, 2017  /  Comments Off on ናብ ስግረዶብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ ከባቢ ማህሚመት ምስ በጽሑ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተኸፈት ቶኽሲ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ሓደ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓን ሞይቶም 9 ቆሲሎም ።

    Print       Email

ናብ ስግረዶብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ ከባቢ ማህሚመት ምስ በጽሑ ብስለያ ምክትታል ዶባት ሰሜናዊ እዚ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተኸፈት ቶኽሲ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ሓደ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓን ሞይቶም።

ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፤ እቶም ንስግረ ዶብ ዝኸዱ ዝነበሩ ጉጅለ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ቶዮታ መኪና ኣብ ልዒልኣ ቶኽሲ ምስተኸፈተ ከምእተገምጠለት፤ ብኡ ንብኡ ድማ ሓንቲ ጓለንስተይቲን ሓደ ቆልዓን ክሞቱ ከለዉ ካልኦት 9 ሰባት ድማ ሞቕሰልቲ ኣጋጢምዎም ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብዛዕባ እቶም 2 ምውታት ንስድራቤቶም ከይሕብሩ መጠንቀቕታ ዝተዋህቡ ንባዕሎም ቆሲሎም ዘለዉ 9 ዝኾኑ መጓዕዝቶም፤ ኣብ ሕክምና ተዓቒቦም ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣሰጋጋሪ ናይቶም ሰባት ኮይኑ ነቶም ሰባት ሒዙ ዝጓዓዝ ዝነበረ ነጋዲ ደቂሰብ ፤  ሽዑ ንሽዑ ማለት ብዕለት 13 መጋቢት 2017 እኳ እንተተታሕዘን ‘እንተተኣኣስረን’፤ ብትእዛዝ ናይቲ ዘስረሖ ዝበሃል ሓደ ጀነራል  ኣብ ሳልስቲ ማለት ብዕለት 16 መጋቢት 2017 ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከፊሉ ከምዝተለቐቐ ተገሊጹ። እቲ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰብ ምስ ስለያ ምክትታል ዶባት፤ ብፍላይ ድማ ምስ ኣዛዚ ናይቲ ከባቢ ኣሃዱታት ስለያ  መጀር ታደሰ ገብረስላሰ (ወዲከረን) ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮ ብመንገዱ ድማ ምስ ዝለዓሉ ጀነራላት ርክብ ከምዝጸንሖ ይሕበር።

ስለያ ምክትታል ዶባት ቀንዲ ስርሑ ካብ ኣሰጋገርቲ ገዚፍ ገንዘብ እንዳተቐበልካ ገንዘብ ምኽዕባት ኮይኑ ምህላዉ፤ ብዙሓት ዜጋታት በቲ ምክትታል ዶባት ዝኣልዮ መርበብ እንተዘይከይዶም ብቶኽስን ፈንጅን ከምዝቕዘፉ ተገሊጹ። ብኣንጻሩ  ኣሰጋገርቲ ወላ እውን እንተተታሕዙ ብትእዛዝ ናይ ዋናታቶም ጀነራላት ኣብ ውሽጢ ሰሙን ከምዝፍነዉ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብዚ ቅንያት እዚ ሓንቲ ምስ 5 ደቃ ናብ ሱዳን እትጓዓዝ ዝነበረት ጓለንስተይቲ፤ ኣብ መንገዲ ብኣባላት ጸጥታ እኳ እንተተታሕዘት፤ ምስ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ብዘለዋ ትሕተ ሃገራዊ ምትእስሳር፤ ብትእዛዝ ናይ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ኣብ ሳልስታ ከምዝተፈነወትን ኣብ ሰሙና ዳግማይ ብትዮታ ተሰኒያ ምስ ሓሙሽተ ደቃ ካርቱም ከምዝኣተወተን ተገሊጹ።

    Print       Email

You might also like...

ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ግዱሳት ደሃይ ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ባሕርን ሳሃራን ዝሞቱ ኤርትራውያን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ኮሚቴ ኣውጺኦም ናብ ኤርትራውያን ናይ ደቆም ደሃይ ዕረፍቲ ይልእኩ ኣለዉ። 

Read More →