Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ረጽሚ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ተኻይዱ፤ ህዝቢ ዓዲታቱ ለቒቑ

By   /  March 9, 2017  /  Comments Off on ረጽሚ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ተኻይዱ፤ ህዝቢ ዓዲታቱ ለቒቑ

    Print       Email

ኣብ ከባቢ ራማ ካብ 8 መጋቢት ናይ ሰዓታት 5 ናይ ኣጋ ምሸት  ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ ሰለያን ምልሻን  ሰራዊት ኢትዮጲያን ኤርትራን ረጽሚ ተኽይዱ። እዚ ኣብ ሰዓታት 5 ናይ ድሕሪ ቀትሪ  ዝጀመረ ረጽሚ፤ ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ማለት ኣብ ሰዓታት 8.25 ናይ ምሸት ናይ ሞርታር ቶኽሲ ሓዊሱ ከምዝቐጸለ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ እዚ ረጽሚ ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ዓድታት ገዛ ከረን ፣ዓድሽ ዓዲ፣ገዛ ኣብርሃ፣ዓዲ ከተዮን በቲ ተኩሲ ከም ተናወጻ፤ ገለ ህድሞታትን ገዛውትን እውን ከም ዝፈረሰ፤ ህዝቢ ናብ ዓዲ ኻላ ከም ዝሃደመን ተፈሊጡ።

እቲ ረጽሚ ሰዓታት 11.30 ናይ ምሸት እኳ ደው ተበለ፤ ብኻልእ ወገን ናይቲ ዶባት ማለት ኣብ ከባቢታት  ጾሮና፤  ናይ ሞርታርን ፎኮስቲ ብረት ተኩሲ ይስማዕ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ። እዚ ናይ ከባቢታት ጾሮና ክሳብ ኣጋ ወጋሕታ ዝቐጸለ ምንባሩ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ሓሙስ 9 መጋቢት ኣጋምሸት ኣብቲ ናይ ከባቢ ራማ ዶባት ክልቲኦም ሰራዊታት ማለት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን  ከበድቲ ኣጽዋር ኣብ ምጽጋዕ  ከም ዝርከቡ  ምንጭታት  ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ክሳብ ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ሓሙስ ዕለት 9 መጋቢት ናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ ብክልቲኡ ወገን ዝነበረ ኮይኑ፤  ልክዕ ሰሰዓት 10፡20 ደው ከም ዝበለ ተገሊጹ።

እዚ ብርክት ዝበለ ጉድኣት ኣውሪዱ ምህላዉ ዝተገለጸ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተኻየደ ረጽሚ፤ ብወገን  ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ብፍላይ ኣብቲ ናይ 8 መጋቢት ረጽሚ ብርክት ዝበሉ ህይወቶም ዝሓለፉን ውጉኣትን  ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ኣብ ከባቢ ኣስመራን ፍልፍልን ዝነበራ ኣሃዱታት ካብቲ ቦታ ኣብ ዕለት 9 መጋቢት ሰዓታት ረፍዲ ከም ዝለቀቓ ተፈሊጡ። ብጂካ ውሱናት ክፍልታት መብዛሕትኡ ኣሃዱታት ኤርትራ ናብ ግንባርታ ከም ዝጋዓዘ ዝሓበሩ ምንጭታት፤ ኣቅድም ኣቢሉ ወን ኣብ ከባቢ መረብ ብብዝሒ ነተጉቲ ምኽላል ይካየድ ምንባሩን ተፈሊጡ።

መበገሲ ናይዚ ረጽሚ ብንኡስ ግጭት ኣብ መንጎ ሃንደሳን ስለያን ናይ ክልቲኡ ሰራዊት ኣብ ዕለት 6 7 መጋቢት ዝጀመረ ምንባሩ ደሓር ኣብ 8 መጋቢት ግን ናብ ከቢዽ ረጽሚ ምዕራጉ ይፍለጥ።

    Print       Email

You might also like...

ኣብ ዞባታት ዓንሰባ ደቡብን ማእከልን ገዛውቲ ምፍራስ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

Read More →