Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ካብቶም ቀዳሞት ፍቕርን ሰላምን ዝግበኦም ህዝብታት ኢዮም። 

By   /  March 14, 2017  /  Comments Off on ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ካብቶም ቀዳሞት ፍቕርን ሰላምን ዝግበኦም ህዝብታት ኢዮም። 

    Print       Email

ጆን ሌኖን እተባህለ ጸሓፊ፤ ‘እቶም ፍቕርን ሰላምን ዝብል ኣበሃህላ ናይ ሱሳታት ስለዝኾነ ንድሕሪት ተሪፉዩ ዝብሉ፤ እቶም ንባዕሎም ንድሕሪት ክተርፉ ዝግበኦም ኢዮም፤ ምኽንያቱ ፍቕርን ሰላምን ዘመን ዘይቡሕጉጎም ዘልኣለማውያን ኢዮም’ ክብል ጽሒፉ ነይሩ። ብሓቂ ድማ ፍቕርን ሰላምን ናይ ሓዋሩ ባህጊ ኪኾኑ ይግባእ።

ኣብ ዞባና፤ ብፍላይ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ግን ውግእን ወሪኡን ኢዩ ዘንጸላሉ ዘሎ። ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከምዝሓበርዎ ኣብከባቢ ራማ ብ8 መጋቢት ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጲያን ኤርትራን ረጽሚ ተኻይዱ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ረጽሚ ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ዓድታትገዛ ከረን፣ ዓድሽ ዓዲ፣ ገዛ ኣብርሃ፣ ዓዲ ከተዮን ዝርከብ ህዝቢ ናብ ዓዲ ዃላ ከም ዝሃደመ ውን ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ ነይሩ።

እዚ ብርክት ዝበለ ጉድኣት ከምዘውረደ ዝተገለጸ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተኻየደ ረጽሚ፤ ብፍላይ ኣብቲ ናይ 8 መጋቢት ውግእ፤ ብወገን ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን፤ ህይወቶም ዝሓለፉን መውጋእቲ ዘጋጠሞምን ሰባት ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ ኣሎ።

ሕመረት ናይዚ ሓተታ፤ ሓደ ጽኑዕ ጻውዒት ንምግባር ኢዩ።ጻውዒት ፍቕርን ሰላምን።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣቐዲሞም ን30 ዓመት ብሓባር ንናጽነቶምን ማዕርነቶምን ኣብ ዘካየድዎ ኩናት፥ ጸኒሖም ብምኽንያት ዶባዊ ግጭት (ወይ ዶባዊ ግጭት ንዝተሰየመ ኩናት) ኣብ ነንሕድሕዶም ኣብ ዝተኻየደ ውግኣት፤ ህይወት ኣእላፍ መንእሰያት ደቆም ሃሊቑሞም’ዮም። ሕጂ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን፤ ዝሓለፎም ዕድላት ዝመልሱሉ፤ ዝርካቦም ዓቕሚ ሰብን ጸጋታትን ናብ ልምዓትን ህንጸትን ዘቕንዑሉ እዋን ኢዩ ኪኸውን ዝግባእ። ከምኡ ንኪኸውን ድማ ክልቲኦም መንግስታት ህዝባዊ ሓላፍነትን ፖለቲካዊ ድልየትን ከርእዩ ይሕተቱ።

ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብ ኩሉ ጉዳያቱ፤ ብዛዕባ እዚ ህይወት ደቁ ዝወሰደ፤ መጻኢኡ ዝውስን ሉዓላዊ ጉዳይ፤ ዝኾነ ሓበሬታ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ኣይተዋህቦን። እዚ ተግባር እዚ ኣካል ናይቲ ‘ህዝቢ ኤርትራ ኣበይ ከይበጽሕ’ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊኡ ተኣዊጁ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ብደዐን ንዕቀትን ኢዩ።

ረጽሚ ስለምንታይ ኣጋጢሙ፥ ክንደይ ህይወት ተኸፊሉ፤ ንመጻኢ ከየጋጥም እንታይ ክግበር ኣለዎ፤ ህዝቢ ኤርትራ ክሕበር ይግባእ። ኣብ ካልኦት ብቕዋም ዝመሓደራ ሃገራት፤ መንግስታት፤ ይትረፍ ኣብ ከም ናይ ኩናትን ሰላምን ዝኣመሰለ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት፥ ኣብ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ እውን ብሓደጋ ህይወት ሰብ ተሓሊፉ፤ እቲ ንህዝቢ ተሓታትነት ዘለዎ መንግስቲ፤ ስለምንታይ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ፤ ክውገድ ይከኣል ዶ ነይሩ፤  በቲ ዝሕተተሉ መዳይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ ይምልስ። ኣብተን መንግስቲ ኤርትራ ከካፍአንን ከነኣእሰንን ዝውዕል ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ከይተረፈ፤ መንግስታት ንህዝቦም ብመንገዲ ባይቶታትን፤ ናይ ምክልኻልን ጸጥታን ኮሚቴትታን፤ ንህዝቢ ብዛዕባ ዘጋጠሙ ጉዳያት መዓልታዊ ሓበሬታ ይህብ።

ኣብ ኤርትራ ግን ኣብ ለይቲ ናይ 8 መጋቢት ሰብ ዝበልዕ ውግእ ኣጋጢሙ ከሎ፤ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ስዊድን ዝርከባ ደገፍቲ መንግስቲ፤ ከመይ ኢለን ኪቆጸጸያን ክስዕሳዓን ኣምስየን ዘርኢ ‘ዜናን ስእልን’ እየን ኣመሓላሊፈን፤ ምኽንያቱ ‘እዚ ህዝቢ ኣበይ ከይበጽሕ’ ተባሂሉ ዝተናዕቀ ንምጭፍላቕ ዝተፈረደ ህዝቢ ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ።

ይትረፍ ኣብ ናይ ኩናትን ሰላምን ዓበይቲ ጉዳያት፤ ኣብ ጉዳይ ደቁን ነብሱን ውን ጋና ኮይኑ ዘሎ መዓስ ዕጠቕ ይበሃል መዓስ ማይ ቡንባ ትመጾ መዓስ መብራህቲ ትኸዶ ዘይፈልጥ ኮይን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ።

ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዕለት 8 መጋቢት ዘጋጠመ ውግእ ይኹን ተመሳሳሊ ፍጻመታት ጋሻ ዝኸውን ዘሎ ግን እቲ ተራ ህዝቢ ጥራይ ኣይኮነን። እቶም ‘ላዕለዎት’ ሓለፍቲ ግንባርን መንግስትን ውን እንተኾኑ፤ ብዛዕባቲ ዝካየድ ዘሎ ኩነታት ሓበሬታ ዝረኽቡ ካብ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ኢዮም።

ከም ግቡእ፤ ንእሽቶ ይኹን ዓቢ ረጽሚ፤ ንሱ ዝህልዎ ሰሓብን ደራኽን ረቓሒታት፤ ቅድምን ልዕልን ኩሉ ዝምልከቶ ንህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ስለዝኾነ ዝኾነ ኣብ ዶባት ይኹን ካልእ ከባቢታት ንሉዓላዊ ጉዳያት ዝምልከት ክስተት ወይ ውን ምስ ስዑድያን ኢማራትን ወይ ዝኾነት ካልእ ሃገር ዝግበር ኪዳናትን ውዕላትን፤ ንህዝቢ ኤርትራ ብግልጺ ክሕበሮ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ዝኾነ ሓዲሽ ምዕባሌታት ብዝርዝር ክፈልጥን ክንገርን ይግባእ። ክንገር ጥራይ ዘይኮነ ኣብዚ ንሉዓላውነቱን መጻኢኡን ዝውስን ክስተት ድምጹን ድልየቱን ክስማዕ የድሊ።

ዘይከምቲ ኣጀማምርኡ፤ ተሓቢኡ ዝተጠንሰ ጸኒሑ ግን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተሓርሰ ጉዳይ መዓስከራት ኢማራት ናይዚ ኣብነት ኢዩ።  ኣብ ዓሰብ ኤርትራ መሬታ፥ባሕራን ክሊ-ኣየራን ናይ ባዕዳውያን ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከር ኪትከውን ብዘይፍቓዱ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ከቲሙ ዘሎ መን’ዩ። ወደብ ዓሰብ መናሃርያ ወራር፤ መንቀሊት ህልቂት ሰባት ኣብ የመን ክትከውን ፍቓድ ዝሃበ መስርሕ ከመይ ይመስል። እዚ ሓደገኛ ውሳነ ንህዝቢ ኤርትራን መጻእቲ ወለዶታትን ብኸመይ ክጸልዎም’ዩ። ኤርትራ ናይ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይሊ መደበር ክትከውን ፍቓደኛ ከምዘይከውን ብተደጋጋሚ ዝገልጽ ዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብዚ እዋን ስለምንታይ ኤርትራ መሳሰዩት ባዕዳዊ ሓይሊ ኮይና ከም ሕስርቲ ህያብ ክትምጦ ወሲኑ ኣሎ። በየናይ ሕጋዊ ውዕል፤ ንናይ መን ረብሓ፥ እቲ ዝርከብ ዘሎ ገንዘብ ናበይ ይኸይድ ኣሎ፤ ናብ ናይ ወጻኢ ናይ ውልቂ ኣካውንት ዝሰግር ዘሎ ገንዘብ ስለምንታይ፤ ህዝቢ ኤርትራ መልሲ ዝጽብየሎም ዘለዉ ሕቶታት’ዮም።

ኣብ ካልኦት ብልዕልና ሕጊ ዝመሓደራ ሃገራት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጽሕፍቶ ሃገርን ህዝብን ዝውስኑ ብይናት ዝውሰዱ፤ ብናይ ደገፍን ተቓውሞን ድምጺ ሓጋጊ ኣካል፥ ብምጽዳቕ ወይ ምንጻግ ናይ ፈራዲ ኣካል፥ ብትግባረን ተሓታትነትን ናይ ፈጻሚ ኣካል’ዩ። ኣብ ኤርትራ መንዩ እቲ ሓጋጊ ኣካል፥ መንዩ እቲ ፈራዲ ኣካል፤ መንዩኸ እቲ ፈጻሚ  ኣካል። ልክዕ ከምቲ ፕረዚደንት መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ እዋን ዕርበቱ ፈላሻ ምሻጥ ዝጀመሮ፥ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እዋን ዕርበቱ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ፊናንሳዊ ሓይሊ ስድራቤቱ ንምኽዕባትን፤ ሉዓላውነት ሃገር ኣብ ዝሸጠሉ ዘሎ እዋን፤ እቶም ኣሽሓት ብጾቶም ከፊሎም ዝመጹ ተጋደልትን ካድራትን ጽባሕ ንግሆ ብታሪኽ ከይሕተቱ ኪገብርዎ ዝግባእ ነገር ብእዋኑ ከስተንትንዎ ይግባእ።

ኣብዚ ናይዚ ቅንያት ረጽሚ ንምምላስ፤ ከምቲ ደጋጊሙ ዝተገለጸ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ውግእ ተጠቢሶም ገንሸል ኪኾኑ ኣይግባእን። እቲ ኣብ ዓለም ዝበለጸ ወተሃደራዊ መራሒን ስትራተጂስትን ተባሂሉ ዝፍለጥ ቻይናዊ ጀነራላ ሳን ጹ፤ ‘እቲ ዝዓበየ ዓወት እቲ ብዘይ ውግእን ኩናትን ዝርከብ ዓወት ኢዩ’ ክብል ገሊጹ ነይሩ። ኩናት ብልሒ ከምዘይኮነ እቶም ናይ ኩናት ፈላስፋታት ውን ከይተረፉ ሓቢሮም ኣለዉ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እውን ዝተገለጸ፤ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝሓለፈ ዕንወት ከይድገም ጉዳያት ብሓላፍነታዊ መንገዲ ክሕዝዎ ምዝኽኻር ባህጊ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ምድጋም ኢዩ።

እዞም ክልተ ህዝብታት ናብ ኩናት ዘምሩሑሉ ዝኾነ ምኽንያት የሎን። እዞም ክልተ መንግስታት እውን ናብ ኩናት ዘምሩሑሉ ዝኾነ ምኽንያት የብሎምን። ናብ ተደጋጋጋሚ ረጽምታት ዘምርሕ ዘሎ ጉዳይ ዶብ እንተኾይኑ፥ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ብዝመዘዞ ኮሚሺን ብመሰረት ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ሚያዝያ 12 2012 ፈጽሚ ክግበረሉን መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ መሬት ኤርትራ ብሰላም ኪወጽእን ይግባእ።

መበገሲ ናይቲ ረጽሚ ካልእ እቶም መንግስታት ጥራይ ዝፈልጥዎ ሕቡእ ጉዳይ ተኾይኑ ድማ፤ ክልቲኦም መንግስታት ካብ ዶብ ወጻኢ ንዝምጠጥ ነናይ ባዕሎም ሽግራት ንምድቕቓስ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ገንሸል ክርፍሳቶምን ፖለቲካዊ ህርፋናቶምን ከይገብርዎ መድረኽ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንመንግስታት ኢትዮጲያን ኤርትራን ኣጥቢቑ የተሓሳስብ።

    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ብሰደድ (Export) ዝልእኮ ሓደ ነገር ጥራይ ኢዮ – ስደተኛታትን ሕሰሞምን።

Read More →