Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

56 ስንኩላን ኩናት ስሞምን ክታሞምን ብምስፋር ናብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቤቱታ ኣቕሪቦም።

By   /  February 25, 2017  /  Comments Off on 56 ስንኩላን ኩናት ስሞምን ክታሞምን ብምስፋር ናብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቤቱታ ኣቕሪቦም።

    Print       Email

መነባብሮ ስንኩላን ኩናት ተጋደልቲ ኤርትራ ኣዚዩ እንዳመረረ ይመጽእ ምህላዉ፤ ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ መዓስከር ደንደን ዝርከቡ ስንኩላን ብእኩብ ዘይዕግበቶም ይገልጹ ምህላዉ ተሓቢሩ። በዚ መሰረት 56 ስንኩላን ኩናት ስሞምን ክታሞምን ብምስፋር ናብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቤቱታ ኣቕሪቦም።

ብሰንኪ እቲ ንስንኩላን ኩናት ዘነኣእስን ዝንዕቅን ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ዝተቖጥዑ 56 ስንኩላን ኩናት ተጋደልቲ ኤርትራ፤ ኣብ ልዕሊኦም የጋጥም ዘሎ ኣድልዎን በደልን ዝምልከት  ዝርዝር ጽሑፍ ዝሓዘ ኣቤቱታ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፤ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ፤ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሚኒስትሪ ምክልኻል ከምዝለኣኹ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ እቲ ደብዳበ ናይ ነብሲወከፎም ኣስማትን ፌርማን ከምዘሎዎ ሓቢሮም።

እቲ ደብዳበ ቀንዲ ትሕዝቱኡ ብዛዕባ ዘለዎም ከቢድ ህይወትን መነባብሮን ዝገልጽ ኮይኑ፤ እቲ ንስንኩላን ተባሂሉ ኣብ ከባቢ ቲቲኣይ ዝተሰርሐ ገዛውቲ ስለምንታይ ንኻልኦት እሞ ድማ ብዝኾነ መለክዒ ዘይግበኦም ሰባት ተዋሂቡ ዝሓትትን ቅሬትኡ ዝገልጽን ጽሑፍ ኢዩ።

ብዘይካ እዚ እቲ ደብዳበ እቲ ንስንኩላን ተባሂሉ ዝተሰረሐ ገዛውቲ ንካልኦት ተዋሂቡ ከብቕዕ ምስቶም ዝተረፉ ዝውገነሎም ዘሎ ተጋደልትን ሓለፍቲን ስለምንታይ ገዛውቲ ዘይተወገነልና ዝብል ሕቶ ከምዘቕረቡ፤ ሓደ ካብቶም ክታሙ ዘንበረ ኣባላት ኣካለ ስንኩላን ኩናት ንሬድዮ መድረኽ ሓቢሩ። እቲ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ምእንቲ ሓርነት ኤርትራ ኣካሉ ዝጎደለ ተጋዳላይ ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ኩናት ኤርትራ ዝወርድ ጉድኣትን ዓመጽን ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳኸፍአ ይኸይድ ምህላዉ፤ መንግስቲ ኤርትራ ስንኩላን ኣብ መዓስከር ቃኘው ደርቢዩ ብመስተን ብስጭትን ክሞቱ ከምዝደልዮም ናይ ኩላቶም ስንኩላን መረዳእታ ሙኻኑ ሓቢሩ። ብዙሓት ሓለፍቲ ብዘጋጠሞም ሕማም ተባሂሎም ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት እንዳተላእኩ፤ ስንኩና ኩናት ተጋደልቲ ሓደ መዓልቲ እውን ትኹን ናይ ሕክምና ዕድል ተዋሂብዎም ከምዘይፈልጥ ፤ኣብቲ መዓስከር ዘሎ ሕክምና እውን ኣገልግሎቱ ትሑት ሙኻኑን ካብ ናይ ሕክምና ኣገልግሎቱ ንላዕሊ ካልእ ሕቡእ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ተልእኾ ከምዘለዎን ሓቢሩ።

እቲ ደብዳበ ኣብ ድሮ ፈንቅል ማለት ብ6 ለካቲት 2017 ዝተላእከ ኮይኑ፤ ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ናይ ፈንቅል ኣጋጣሚ ነቲ ደብዳበ ‘ዓመት ዓመት ዝግበር ናይ ስንኩላን ምኒን’ ክብል ከምዘነኣኣሶ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

ዛጊት መልሲ ናይቲ ደብዳበ ካብ ዝኾነ ኣካል መንግስቲ ከምዘይተላእከ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ብኣንጻሩ ነቶም ስንኩላን ንምክፍፋሎምን ኣብ መንጎኦም ዘይምስናይ ንምእታውን፤ እዞም 56 ኣይትውኩሉናን ኢኹም  በሉ ዝብል ብሃገራዊ ድሕነት ብዝተወደቡ ውሑዳት ሰባት  ዘመተ ተጀሚሩ ምህላዉ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንዝኾነ ሰብ ክርደኦ ንዘይክእል ምኽንያት፤ ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ኩናት ኤርትራ ኣዚዩ ከቢድ ንዕቀትን ጽልእን ከምዘለዎ ዝገለጸ እቲ ስንኩል፤ ብዙሓት ሓለፍትን ተጋደልትን ብውልቆም ነዚ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት  ከምዝቃወሙ ብብሕቲ ከምዝገልጹሎም፤ ይኹን ግን ኣብ ፈታኒ እዋን ምስኦም ደው ዝበለ ዝኾነ ወገን ብዘይምህላዉ ቅሬታ ከምዝስመዖም እቲ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ኣካለ ስንኩል ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመት ኣብ ልዕሊ እዞም ናጽነት ሃገር ንምውሓስ ህይወቶም ዝኸፈሉ ምንኣስ ስዉኣት  ዝኾኑ ጀጋኑ ዝግበር ዘሎ ዓመጽ ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ሰብ ኣግሁዩ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

    Print       Email

You might also like...

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ንቓነው ስተሽን ዝመስል ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይዘራረብ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →