Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ዛንታ ኮኾብ ኤርትራዊ ተጻዋታይ ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ ናይ ሕጂ ስደተኛ ሳምሶም ኣረፋይነ ካብ ጋዜጣ ኒዩዮርክ ዝተተርጎመ

By   /  February 2, 2017  /  Comments Off on ዛንታ ኮኾብ ኤርትራዊ ተጻዋታይ ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ ናይ ሕጂ ስደተኛ ሳምሶም ኣረፋይነ ካብ ጋዜጣ ኒዩዮርክ ዝተተርጎመ

    Print       Email

ኣብ ዘ ኒዩ ዮርከር ብኣሌክስ ኦኬወዮ ካብ ዝተጻሕፈ ሓርፋፍ ትርጉም

ኣብ ሰዓታት 11 ረፋድ 10 ጥቅምቲ 2015 ሳምሶም ኣረፋይነ ንሃገራዊ ጋንታ ወኪሉ ናብ ቦትስዋና ኪኸይድ ሙኻኑ ምስተሓበረ ብሓጎስ ኢዩ ተፈንጪሑ፤ ምኽንያቱ ካብ ማሕዩር ናብ ጩራ ሓርነት ናይ ምኻድ ዕድል ስለዝተዋህቦ። ተቐላጢፉ ኣጋ ምሸት ክዳውንቱ ክጥርንፍ ናብታ ክፍሉ ጎየየ የግዳስ ከምቲ ልሙድ ኣብ ኣስመራ መብራህቲ ስለዘይነበረ ኣብቲ ጸልማት ሃሰውሰው እንዳበለ ዝርካበን ካምቻታቱ፥ ስረታቱ ሳንደሉ ጠርነፈ።

በዛ መገሽኡ፤ ኣረፋይነ ንመጀመርታ ግዚኡ ኢዩ ወጻኢ ክርእይ ወይ ውን ነፋሪት ክስቀል። ምኽንያቱ ኤርትራ እትበሃል ሃገሩ ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ኣብ ዓለም ንዜጋታተን ቪዛ ዝሓታ ሃገራት ኢየን። ንጡፍ ኣባል ምንቅስቓስ ሰብኣዊ መሰላት ኣዳነ ገብረመስቀል ከምዝገልጾ፤  ‘ብሰንኪ ጨፍላቒ ስርዓት ኤርትራ ዜጋታታ ሰብኣዊ ሓርነት ዘይብሎም ናይ ምውዳብን ምዝራብን ሓርነት ዝተነፈጎም’ ኢዮም ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝደለዮ እዋን ዝደለዮ ነገር ክገብር ይክእል ኣብ ልዕሊ ህዝቡ። እቶም እዚ ጭቆና መሪርዎም ናብ ስደት ዘምርሑ ኤርትራውያን ድማ ኣብ ጉዕዞኦም መከራን ምጥሓልን ኢዩ ዘጋጠሞም። ካብቶም ኣብ 2016 ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ 3800 ስባት፤ ብዙሓት ኤርትራውያን ሙኻኖም ድማ ናይዚ ምስክር ኢዩ።

ኣረፋይነ ዝነበራ ሃገራዊት ጋንታ ብምልእታ ዑቕባ ምስሓተተት፤ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ወጻኢ ብዝነብሩ ኤርትራውያን ኢዩ ጋንታ ከቕውም ወሲኑ፤ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩሞ ናበይ ክሃድሙ ኢሎም ኢዩ እቲ ጥቛ ናይቲ ምህዞ። ነቲ መሰረታዊ ሽግር ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ነቲ ሳዕቤን ምሕካም ብዝመስል ስጉምታት።

ኣረፋይነ ነቲ ዑቕባ ናይ ምሕታት ውሳነ ብሓባር ምስ ሙሉኣት ጋንትኡ ኢዩ ክወስዶ መሪጹ። ይኹን ግን ነንሕድሕድካ ምትእምማን ኣዚዩ ከቢድ ኢዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣባላት ጋንታ ኤርትራ ነንሕድሕዶም ክሰላለዩን ሓበሬታ ከሕልፉን ሓቢሮም ኢዮም ኣበጊሶሞም። ሓደ ለይቲ ግን ኣኽሊሉ ኣባላት ጋንትኡ ኣብ ሆቴሎም ኣዕሪፎምሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣኪቡ፤ ድፍር ኢሉ ንኹሎም ብዛዕባ እቲ ናይ ምትራፍ ሓሳብ ኣማኸሮም፤ ኩሎም ድማ ብዓቢ ሓጎስ ተቐበልዎ።

ኣነ ከም ጋዜጠኛ ኣብ መበል 25 ዓመት በዓል ናጽነት ተሳቲፈ ነይረ፤ ኣብታ ሃገር ድማ ናይ ታንክታት መቓብር ዝብል ጽፍጻፍ ዝዓነዋ ታንክታት ርእየ።

ድሕሪ 2001 ህዝቢ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ጨካን ክብሎ ጀሚሩ። ፕረዚደንት ብወገኑ ህዝቢ ኤርትራ ማለት ህግደፍ ኢዩ፤ ኣነ ድማ ህግደፍ ኢየ ክብል ኣዊጁ። ኣብ 2010 ሓንቲ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ብሕቶታታ ምስበደሃቶ፤ ሕቶታትኪ ጃምላ ሓሶት ኢዩ ክብል መሊሱላ። ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ጋዜጠኛ ኣብረሃም ዘርአ ከም ዝሓበረኒ ፤ እቲ ፕረዚደንት ናብ ቤትጽሕፈቱ ምስተመለሰ ሽዑ ሚኒስተር ዜና ንዝነበረ ዓሊ ዓብዱ ኣብ ቅድሚ ኣባላቱ ጸፋፊዕዎ።

ኣረፋይነ ኣብ ሳንታኣና ዝተባህለ ቤትምህርቲ ኢዩ ተማሂሩ። ኣብ ቤትትምህርቱ ንግሆ ንግሆ፤ ኤርትራ ሓበን ናይ ውጹዕ ህዝባ፤ ሓቂ ከምዝስዕር ኣመስኪሩ፤ ዝትሕዝቱኡ ሃገራዊ መዝሙር እንዳዘመረ ዓብዩ። ጸኒሑ ግን ኣረፋይነ ናብ ቤትትምህርቲ እንዳመጹ ዓቢኹም ኢኹም ናብ ሳዋ ክትከዱ ኣለኩም ኢሎም ዝገፉ ወተሃደራት ክርእይ ጀሚሩ።

12 ክፍሊ ዝወድኡ መንእሰያት ናብ ሳዋ ኪኸዱ ሕጊ ይግድዶም ኢዩ። ኣብ ሳዋ ዘጋጥመካ ከከም እቲ ዝበጽሓካ ሓላፊ እኳ እንተኾነ ‘ሓደ ናይ ሓባር ዕጫኻ ግን ዘለፋን ዓመጽን ኢዩ’ ይብል ዮሃንስ ወልደማርያም ኣብ ፎርት ልዊስ ኮለጅ መምህር ኣህጉራዊ ዝምድናታት።

ኣብ 2012 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ዝርከብዎም ዜጋታት ናብ ካልእ ሃገራት ዑቅባ ምስሓተቱ መንግስቲ ኤርትራ ቁጽጽሩ ከኽርሮ ጀሚሩ። ዘርኢት ዮሃንስ እተባህለ ምስ ኣረፋይነ ዝጻወት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ኣቋረጸ፤ ኣደ ዓርኩ ናብ መንግስቲ ከይዳ ሓሲያትሉ ጥራይ ዘይኮነስ፤ መጸዋዕታ ብኢዳ ኣምጺኣ ሂባቶ። ዘርኢት ስለምንታ ከምዚ ትገብሪ ኣሎኺ ሙሽ ወድኺ ባዕልኺ ናብ ሱዳን ኣስጊርኪ ምስበላ፤ ኣነ ተላኣኺት ጥራይ ኢየ ኢላቶ።  መንግስቲ ኤርትራ ወላ ኣብ መንጎ ፈተውትን ስድራቤትን ዘይምትእምማን ዘሪኡ ኢዩ።

ኣረፋይነ ክእለት ስለዝነበሮ ኮምሽን ስፖርትን ባህልን ናብ ዊዓ ኬድካ 6 ወርሒ ተተዓሊምካ ናብ ኣስመራ ተመሊስካ ተጻዋታይ ሓንቲ ክለብ ክትከውን ኢኻ ዝብል ውዕል ገበሩሉ። ዊዓ ኣዚዩ ከቢድ ኢዩ ነይሩ ይብል ኣረፋይነ። እቲ ናይ ዊዓ መዓልቲ ብመምርሒ ናይ ጀማል እተባህለ ኣዛዚ ኢዩ ዝጅምር፥ ንሱ ኣብዚ ዝተባሃልኩሞ ትእዛዝ ክትቅበሉ ግዴታኹም ኢዩ፤ ክሃድም ዝፈተነ ድማ ኪቕተል ኢዩ ኢሉና ብሓጺሩ ካብ ናይ እንስሳ ዝከፍእ ኣተሓሕዛ ኢዩ፤ ይብል ኣረፋይነ።

ኣረፋይነ ከምቲ ኣብ ምብጋስ ዝተዋህቦ መብጸዓ ናብ ክለባት ኣይተመደበን፥ ኩለን እተን ክለባት ብሰራዊትን ህግደፍን ኢየን ዝውነና። ሰለስተ ዓመት ከርተት ምስበለ ብሰበሰብ ኣንፊት ዝብል ናይ ጥዕና መንቀሳቐሲ ወረቐት ገንዘብ ከፊሉ ኣውጺኡ ናብ ኣሰመራ መጺኡ።

ሓደ መዓልቲ ብንግሁኡ ኣረፋይነ ደቂሱሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ፤ኣቦኡ ንኣረፋይነ ወተሃደራት መጹኻ ኢሉ ወጨጨ። እንተራኣየ እቶም ናይ ዊዓ ወተሃደራት መእሰሪ ሓጺኖም ሒዞም ረኣዮምዎም። ኣረፋይነ ነቲ ኩነታት ብኸምዚ ይዝክሮ። ኮይኑ ድማ ሓፍተይን ኣደይን እንዳበኸያ ኣሲሮም ወሲዶምኒ። ምስ 60 ዝኾኑ ሰባት ኮብኪቦም ናብ ሓደ ጸልማት ቤትማሰርቲ ኣእተዉና። ምሻን ኣይፍቀደካን ኢዩ፤ ኣብቲ ዘለኻዮ ገዛ ኢኻ ትሸይን ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ግን ገፊፎም ኣብ ቅድሚ ስድራኻ ክወስዱኻ ከለዉ ኣዴኻን ሓፍትኻን ክበኽያ ከለዋ ኢዩ ዝረኣየካ።

ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ኣረፋይነ ተጻዋታይ ናይ ሓንቲ ናይ ሰራዊት ጋንታ ክትከውን ኢኻ ተባሂሉ ተመዲቡ። ጽንሕ ኢሉ ድማ ኣባል ሃገራዊ ጋንታ ከምተሓጸየ ተበሲሩ። ከምቲ ዝተመነዮ ድማ ብመንገዲ ኬንያ ቦትስዋና በጺሑ። ኣረፋይነ ጋንታ ምልእቲ ሒዙ ናብ ፖሊስ ኢዱ ምስሃበ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣቶ ሳልሕ ዑመር ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ምፍርራህ ድሕሪ ምግባር ናብ ዓድኹም ተመለሱ ክብል ኣግባዕባዓሎም። ፊልሞን በርሀ ኣከፋፋሊ ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ ዝነበረ ኮይኑ፤ ዘረባ ዘይፈቱ ስቕ በሃሊ ሰብ ኢዩ። ኣምባሳደር ሳልሕ ዑመር ከፈራርሆም ከሎ ስቕ ኢሉ ክሰምዕ ድሕሪ ምጽናሕ፤ስማዕ እንዶ ኣምባሳደር ሳልሕ ደቅኻ ኣበይ ኣለዉ ክብል ሓተቶ። እቲ ኣምባሳደር ምሳይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይቕመጡ ምስበሎ፤ፊልሞን ህድእ ኢሉ ስለዚ ኢኻ ናይ ሰብ ስቓይ ዘይስመዓካ፤ መንእሰያት በየናይ ስቓይ ይሓልፉ ኣለዉ ትፈልጦ ኣይመስለንን በሎ። እቲ ኣምባሳደር ኣንጸርጺሩ ነቲ ፓስፖርቶም ቀዳዲ ደምሰሶ።

ምትራፍ ናይዛ ሃገራዊት ጋንታ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣንጸርጺርዎም ኢዩ። እዞም ሰባት ናብ ኣሜሪካ ክትከዱ ኢኹም ኢሎም ስለዘስለልዎም ኢዮም ተሪፎም እምበር እዞም ኩሎም ሳይክሊስትን ጎየይትን ደኣ ዘይሃድሙ ይብል ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ።

ኣብ ኤርትራ ዜጋታት ንመንግስቲ ክነቕፉ ወይ ሓሳባቶም ክገልጹ ውን ኣይክእሉን ኢዮም። እታ ሃገር እዉጅ ባጀት የብላን። ባጀትና ሕቡእ እንገብሮ መንግስቲ ኢትዮጲያን ካልኦትን ቁጠባዊ ሸርሒ ከይገብሩልና መታን ኢዩ ይብል ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት። ኣቶ ሓጎስ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ሕርሻ ማዕድን፤ ናይ ባሕሪ ሃብቲ ኣለዋ ይኹን ግን ብሰንኪ እኹል ሰብ ምስኣንና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ኣይከኣልናን ኢሉኒ።

 

    Print       Email

You might also like...

20 ዝኾኑ ኣባላት ዕደና ቢሻን ዛራን ካብ ስራሕ ተሶጊጎም፤ ስረሖም ብቻይናውያን ተተኪኡ። 

Read More →