Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣፍንጫ ተተሃሪማ ዓይኒስ ትብከ ደኣ – ሓደራ!

By   /  February 6, 2017  /  Comments Off on ኣፍንጫ ተተሃሪማ ዓይኒስ ትብከ ደኣ – ሓደራ!

    Print       Email

‘መጀመርታ ምስ መጹ’ ማለት First they came እትብል ግጥሚ ብማርቲን ኒሙለር እተባህለ ጀርመናዊ ቀሺ እትገጥመት ኮይና ጀርመናውያን ብፍላይ’ኳ ምሁራት ኣብ እዋን ናይ ናዚ ሂትለር፤ ኣብ ነብሰይ እንቋዕ ኣይበጽሓኒ ኢሎም ብዝፈጠርዎ ኣመለ-ስቕታ፤ ንዝሰዓበ ህልቂት ህዝቢ ብነቐፌታዊ ዓይኒ እትትርኽ ህብብቲ ግጥሚ እያ። መንፈሳ ክትርጎም ከሎ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።

መጀመርታ ማሕበርነታውያን ኣህሊቖም

ብጩቕ ኣይበልኩን

ምኽንያቱ ማሕበርነታዊ ስለዘይነበርኩ

ደሓር ናብ ቅትለት ሰራሕተኛታት ሰጊሮም

ሕጂ ውን እሕሕ ኣይበልኩን

ምኽንያቱ ሰራሕተኛ ስለዘይኮንኩ

ደሓር ኣይሁድ ብእያድ ቀንጺሎም

ሽዑ ውን ቃል ኣየውጻእኩን

ምኽንያቱ ይሁድ ኣይኮንኩን

ደሓር ናብ ነብሰይ መጺኦም ዝከላኸለይ ድማ ኣይረኸብኩን

ምኽንያቱ ኩሎም ጸኒቶም እንድዮም ኣብ ጥቓይ እኳ ኣይነበሩን

እዚ ሓቅ’ዚ ኣብ ኤርትራ እንዳበዝሐ ዝመጽእ ዘሎ ነገርዩ። እቲ ሰንሰለት ንምሕጻሩ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጥራይ እንተጀመርናዮ እኳ እቲ ህቡብ ግጥሚ በዚ ዝስዕብ ክርዕም ይኽእል።

መጀመርታ ስንኩላን ማይሓባር ኣህሊቖም

ብጩቕ ኣይበልኩን

ምኽንያቱ ስንኩል ኣይነበርኩን

ደሓር ናብ ቅትለት ኣገልግሎት ሰጊሮም

ሕጂ ውን እሕሕ ነይበልኩ

ምኽንያቱ ኣገልግሎት ስለዘይኮንኩ

ደሓር መራሕቲን ጋዜጤኛታትን ሓይሮም

ሽዑ ውን ሓንቲ ኣይበልኩን

መራሕን ጋዜጠኛን ኣይኮንኩን

ደሓር ናብ ነብሰይ መጺኦም ዝከላኸለለይ ድማ ኣይረኸብኩን

ምኽንያቱ ኩሎም ጸኒቶም እዮም ኣብ ጥቓይ ከማን ኣይነበሩን።

ኣብ ኤርትራ ስቓይ ንምንዋሕ ጠንቂ ኮይኖም ዘለዉ ናይ ካልኦት ስቅያት ከም ስቅያትካ ዘይምርኣይ፤ ንናይ ካልእ ሽግር ከም ልሙድ ርኢኻ ናብ ነብስኻ ክሳብ ዘይመጻካ ምስ ውስጠ ሕልናኻ ዘይምዝታይ ስለዘሎ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣፍንጫ ተተሃሪማ ኣፍንጫ ንበይና እያ ክትሳቐ ትግደፍ ዘላ። እታ ጥቓኣ ዘላ ዓይኒ ኣይተልቅስን – እታ ጥቓኣ ዘላ ልሳን ውን ኣይተድምጽን ኣላ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ናብዚ ስቕታ ዝደፍኦ ዘሎ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘንጸላሉ ሹቕሮራን ራዕድን እዩ። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኤርትራ ኣፍንጫ ተሃሪማ ኢላ ዓይኑ እንተነቢዓ ስለምንታይ ነቢዕኪ ተባሂላ እታ ዓይኒ ውን ስለትደሃኽ ወላ እውን እንዳነብዐ፤ ንብዓቱ ንውሽቲ ከዛሪ ተገዲዱ ይርከብ። ሰባት ምስተኣስሩ ክንደይ ኢዩ ፍርዶም እንታይ ጌሮም ኢሉ ንዝሓተተ ንባዕሉ ናብታ ጉድጓድ ስለዝድርበ ሕልንኡ ሓይኹ እንዳበልዕ ናይ ዝፈትዎ ስድርኡ ደሃይ ውን ከይገበረ ብውሽጡ እህህ እንዳበለ ይነብር ኣሎ። ከምፈለ እንተሓቲቱ ድማ ንባዕሉ ኣብታ ጸልማት ሼላ ይድርበ። ብሰንኪዚ ድማ ማእሰርቲ ምጥፋእን ምስዋርን ንቡር ኣካል ህይወቱ ክሓሰቦ ቀሪቡ ኣሎ።

እቲ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝገርም ናይቶም ኣብ ጥቓ ሓዊ ዘየለዉ ግን እቲ ሰብ ዝበልዕ ሓዊ መመሊሱ ክሳወር ዝጽውዑን ዝዝምሩን ሰባት እዮም። ንነብሶም ኣብ ምቾትን ማሙቕን ኮይኖም ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቕጽል ኣለዎ ዘብሉ፥ 7 ወይ 8 ኣሕዋት ብኹሎም ኣብ ወጻኢ እንዳተቐመጡ ነታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘላ ኣደ ሓደ ውላድ ወዳ ይኺድ እምበር ንዓዱ የገልግል እናበሉ ዝወራዘዩ ብዙሓት ኢዮም።  ኣብ ዘለዉዎ ሃገር ወጻኢ ገዛ ኣጥርዮም ኣብ ውሽጢ ሃገር ክራማት ጥራይ ዝኸፍትዎ መረባዓት ኣስሪሖም ብኣንጻር እቶም ነታ ሃገር ዝኸፈሉን ዝደመዩን ግዳም ሓደር ኪኽኑ ዘይስመዖም ሕልና ኣልቦ ሰባት ረብሐኦም እምበር ስቓይ ካልኦት ዘይዓጦም እዮም።

ኣብዝሓለፉ ኣዋርሕ ሓንቲ ኣደ ምስ 3 ደቃ እትርከቦም ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከለዉ፤ ኣብታ ወተሃደራት ኢጣልያ ነዞም ሬሳታት ካብ ባሕሪ የውጽኡሉ ዝነበሩላ ለይቲ ክስዕስዑ ዝሓደሩ ኤርትራውያን ናይዚ ዝለዓለ ጫፍ ነብሰ ፍትወት ኣብነት ኢዮም። ነዞም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ዜጋታት ካልእ ይትረፍ ብልቦም ንዐኦም መንግስተሰማይ የዋርሶም ንስድረኦም ድማ ጽንዓት ይሃቦም ኢሎም ኣኽብሮቶም ክገልጹን ንኽብሪ እዞም ሰባት ብዉሑዱ ነታ ቅነ ጥራይ ሳዕስዒታቶም ደው ከብሉ ምተገበአ። ንኸብዱ ጥራይ ዝነብር ሰብ ግን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ሕልና ስምዒታት የብሉን።

‘መጀመርታ ምስመጹ’ ወይ First they came  እትብል ሓረግ ነዞም ሰቦም ክሳብ ዘይኮነ ካልእ ሰብ ተሳቕዩ ዘይስመዖም፥ ውላድ ካልኦት ኣብ ባሕርታት እንዳጠሓሉ ወይ ውን ኣብ ማእሰርቲ ንእስነቶም እንዳበለዩ ንባዕሎም ውሉዶም ሓቂፎም ብሕንቃቐ እንዳዕበዩን እንዳምሃሩን ንኻልኦት ባዕሎም ይፈልጡ ንዝብሉ ሰባት ትምህርቲ ዝህብ ጽሑፍ’ዩ።

ኤርትራዊ ኣብ ባህሉ ሰቡ እንዳተሳቐየ ንዘይስመዖ ሰብ ዝኹንን ያታ ኣለዎ። ኣደ ንጉሰ ኣዴና ኣይኹና ወደን ክሕረድ ንሰን ይቑነና ዝብል ኣፈታሪኽ ቃንዛ ወገኑ ዘይስመዖ ተኾይኑ ዘይሰብ ስለዝኾነ ዝውገዝ ምንባሩ ዘረድእ፤ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ዝቕንዞ ብሓባር ዝሕጎስ ሙኻኑ ዝነግር ዛንታ እዩ። መንእሰያት ኣብ ባሕርታትን ምድረበዳታትን እንዳተቐዝፉ ግልብጭ ተቖኒነን ዝስዕሳዓ ፥ወይ ውን ቆልዑት ኣብ ሃገረን ተስፈአን ምስተመንዘዐ ኣብ ካልእ ሃገር ተስፋ ከናድያ ኣብ ጉዕዞታት ሲናያት ኩሊተን ተጠቢሐን እንዳተመንዘዓ እታ ዝነኣሰት ምድንጋጽ ዘየርእዩ ሰብኣዊ ባህርያቶም ዘሰክፍ ኢዩ።

ደቂ 8 ሕንጫላት ኣብ መዓስከራት ሱዳንን ኢትዮጲያን ዕለታዊ ድራር ክቕበሉ መስርዕ ሒዞም እንዳተሰርዑ፥ እታ ብኩርዓታን ክብረታን እትፍለጥ ኤርትራ ደቃ ብውርደትን ሕሰርን እንዳተመሰሉ፥ ደቂ ደቆም ዝኾና ብበደዊን እንዳተጋሰሳ ኣብ ግንባሮም ጋማ ጨርቂ ኣሲሮም ኣብ ፌስቲቫላት እምብልታ ዝነፍሑን ሰበስልጣን ህግደፍ ከሳዕስዑ ዘዳኽሩን ኣቦታት እምበርዶ ንሶም እቶም ናይ ቀደም ኤርትራውያን ኢዮም ዘብል ኢዩ።

ሞራል ናይዚ ከም ኣብነት ኣብ መእተዊ ናይዚ ጽሑፍ ዝተጠቐሰ ግጥሚ ድማ ሓደ ንጹር መልእኽቲ እዩ ዘለዎ። ናብ ነብሰይ ኣይበጽሓትንን ኢሉ ወገኑ፥ ደቁ፥ ደቂ ደቁ፣ ሃገሩ፥ ብዓቢኡ ሕድሪ ሰማእታቱ እንዳተጎ-ዘየ ሓላፍነት ዘይስመዖ ሰብ፤ ንግዚኡ እኳ ብምቾት እንተነበረ ዘይሰድድን ዘይምሕርን ስቓያት ካልኦት ውዒሉ ሓዲሩ እንተስ ብሕልና እንተስ ብመዓልቱ  ክሓቶ ሙኻኑ ርዱእ እዩ። ሓደራ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቀደምና ኣፍንጫ ተተወቒዓ ዓይኒስ  ትንባዕ ደኣ።

    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ብሰደድ (Export) ዝልእኮ ሓደ ነገር ጥራይ ኢዮ – ስደተኛታትን ሕሰሞምን።

Read More →