Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ 2016 ጥራይ ብዘይኣሰር ናይ ዝተሰወሩ ዜጋታት ብዝሒ 896 ኣብ ዶባት ሞይቶም ዝተረኸቡ ድማ 58 በጺሑ። 

By   /  February 14, 2017  /  Comments Off on ኣብ 2016 ጥራይ ብዘይኣሰር ናይ ዝተሰወሩ ዜጋታት ብዝሒ 896 ኣብ ዶባት ሞይቶም ዝተረኸቡ ድማ 58 በጺሑ። 

    Print       Email

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ኣፍልጦ ቤት ፍርድን ኣኽባር ሕግን ምእሳር ፣ምጭዋይ፣ብዘይ በደል ምእሳር፣ናብ ፍርዲ ዘይ ምቅራብ፣ሃለዋት ምጥፋእ ብዝለዓለ ደረጃ ይቕጽል ምህላዉ ተፈሊጡ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኩነታት ማእሰርትን ምጥፋእ ዜጋታትን ነቕርቦ ዘሎና ጸብጻባት ኣብ ናይ ሎሚ ዜና ኣብ 2016ን ብዘይ ኣሰር ናይ ዝተሰወሩ ዜጋታት ኩነታት ክንሕብር ኢና።

ኣብ 2016 ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘጋጠሙ ምእሳር መብዛሕተኦም ኣብ ክልተ ተግባራት ዝተፈጸሙ ሙኻኖም ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ኣብ ጸብጻቦም ገሊጾም። እቶም ምስዋር ኣብዞም ዝስዕቡ ማለት፡ ቀዳማይ  ኣብ እዋን ስግረ ዶብ ዝተሰውሩ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ብሓይልታት ጸጥታን ምክልኻልን ኤርትራ ብዝውሰዱ ናይ ጭውያን ምጥፋእን ስጉምታት ዝፍጸሙ ኢዮም ።

በዚ መሰረት ኣብ 2016 ጥራይ ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ዜጋታት ብዝሖም 896 ኮይኖም፤  ካልኦት ብርክት ዝበሉ ስድራቤቶም ዘየመልከቱ ወይ ድማ ብስም ዘይምዝጉባት ዝፍለጡ ዓሰርተታ ዜጋታት ምህላዎም እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። እዞም ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ዜጋታት ስድራቤቶም ብቐጻሊ ናብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርትን መደበር ፖሊስን እኳ እንተሓተቱ ፤ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣብያተ ማእሰርቲ ከከም እቲ ዝኣሰረካ ሓላፊ ዝተፈላለዩ ስለዝኾኑ ደሃይ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ሓቢሮም።

ብዘይካ እዞም ዝተሰወሩ ዜጋታት ካልኦት ኣስታት 58 ሰባት ኣብ ከባቢ ዶብ ሞይቶም ከምዝተረኸቡ ዝሓበሩ እቶም ዜጋታት፤ ዝበዝሑ ካብኦም ምስ ምንዋሕ ግዜን ብኣራዊት ገዳም ስለዝተበልዑን መንነቶም ክፍለጡ ከምዘይተኻእሉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ብዘይካ  እዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ 2016 ጥራይ 23 ዜጋታት ኣብ ኣርባዕቲአን ስርሒታት እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ከምዝተረሸኑ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ብዘይተፈለጡ ሰባት ኣብ ኣስመራን ዞባ ደቡብን ዝተጨውዩ 16 ሰባት፤ ኣብ ጸብጻባት ሃገራዊ ድሕነት ኣበየናይ ምድብ ከምዝኣትዉ ዘይተፈልጡ ተባሂሎም ተታሒዞም ምህላዎም ዝገለጹ እቶም ምንጭታት መድረኽ ፤ ድሮ ኣብዛ ሓዳሽ ዓመተ 2017 ቁጽሪ ናይቶም ብዘይ ሃለዋት ዝጠፍኡ ዘለዉ ሰባት ብብርኩቱ ይቕጽል ምህላዎም ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፉ ዜናታት ከምዝገለጽናዮ ኣብ 2016 ኣብ ኤርትራ ኣዚዩ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎ ብዘይ በደል ናይ ምእሳር  ስጉምቲ ዝተወስደ ምንባሩ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ታት ጥሪ፣ሚያዝያን፣ ግንቦትን 2016  እቲ ናይ ምእሳር ተግባራት ናብ ዝለዓለ ጫፉ ከምዝበጽሐ ይፍለጥ።

በዚ መሰረት  ኣብ 2016 ጥራይ ልዕሊ 2200 ሰባት ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ከምዝተኣስሩ ዝተዘርዘረ ኮይኑ  እዚ ማእሰርቲ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኢሳያስ፥ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፥ ብሪጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፤ ኮለነል ተስፋልደት፤ ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ክሳ፥ ጀነራል ፍሊጶስ፥ ኮለነል ወልደዝጊ፤ ኮለነል የማነ ኣፍወርቂ ዝተኣዘዘ ኮይኑ ክሳብ እቲ ዝተሓተ መርማሪን ወተሃደርን ኣጸዊዑ ዝቐይዶም እሱራት ውን ኣብ መንጎ እዞም ቅዩዳት ይርከቡ።

ኣብዚ ተግባራት እዚ እቲ ዝበዝሑ ሰባት ዘእሰረን ዝኣሰረን ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ሙኻኑን በቲ ጀነራል ፍሊጶስ ብውልቃዊ ጽልኢ፤ ሓላፍነቱ ንምርኣይን ንምርግጋጽን ዝውሰድ ስጉምቲ፤ ወይ ውን ግቦ ምሃብ ዝኣበይዎ ሰባት ንምፍርራህ፤ደቀንስትዮ ኣፈራሪሑ ቀረብቱ ንምግባር፤ ከምኡ ውን  ውልቃዊ ሃብቲ ናይ ሰባት ንምዝማት ዘካየዶም ማእሰርታት ዝርከብዎም ሙኻኑ ተሓቢሩ ነይሩ።

    Print       Email

You might also like...

‘ካብ ሃገር ከይወጹ ብጥብቂ ምክትታል ዝግበረሎም ሰባት’ ዝብል ሊስታ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ናብ ሃገራዊ ድሕነትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ሚኒስትሪ ጥዕናን ተላኢኹ

Read More →