Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

በስገዳድ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኪኾኑ ዝተመዘዙ መንእሰያት ኣብ የኦም ይገልጹ

By   /  February 9, 2017  /  Comments Off on በስገዳድ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኪኾኑ ዝተመዘዙ መንእሰያት ኣብ የኦም ይገልጹ

    Print       Email

ኣብ ከባቢ ኩርሙድ ሞያዊ ትምህርቲ ክወሃቡ ዝጸንሑ  160 ዝኮኑ  ተማሃሮ መበል 29ዙር በስገዳድ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኪኾኑ ድሕሪ ምእዛዞም ልዕሊ 70 % ካብኦም ኣብየኦም ገሊጾም።

እቶም ተመሃሮ ንሞያዊ ትምህርቲ ተባሂሎም ኣብ ከባቢ ኩርሙድ ከምዝመጹ ዝሓበሩ ምንጭታትና ክሳብ  እታ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኣቶ ኣብረሃም ካሳ ብዕለት 30 ጥሪ ኣኪቡ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኢኹም ዝብሎም ኣፍልጦ ከምዘይነበሮም ሓቢሮም። ኣቶ ኣብረሃም ነቶም ኣባላት መበል 29 ዙርያ ካብዛ ዕለት እዚኣ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብሙኻንኩም ንነብስኹም ንዓቢ ክብርን ምስጢራዊ ስራሕን ከተዳልውዋ ይግባእ ክብል ከምዝገለጸሎም ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ እቶም ተመሃሮ ብዘይ ድሌትና ከመይ ኣቢልኩም ኣባላት ስለያ ክንከውን ትምድቡና፥ ናይ ምስጢር ስራሕ ክንሰርሕ ድሌት የብልናን ክብሉ መሊሶምሉ። እቶም ኣባላት 29 ዙርያ ናይ ሞያ ትምህርቲ ኣለኩም ተባሂልና ተሓሪና መጺና ክንስና መንዩ ኣብ ዘይንደልዮ ስራሕ ከእትወና ወሲኑ ዝብልን ካልእ ሃገራዊ ህልው ኩነታት ዝምልከት ከበድቲ ሕቶታትን ድሕሪ ምልዓሎም  ብዘይካ 43 ሰባት እቶም ካልኦት 117 ነቲ ስራሕ ፍቓደኛኘቶም ከምዘይፍርሙ ገሊጾም።

ኣቶ ኣብረሃም ካሳ እዚ ምደባ እዚ ንዓኹም ዝዓበየ ዕድል ኢዩ ዝኾነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድማ ኣብቲ መንግስቲ ዝመደቦ ስራሕ ተቀቢሉ ክሰርሕ ሓላፍነትን ግዴታን ኣለዎ ድሕሪ ምባል  ነዚ ዝተመደብኩምሉ ስራሕ ምእባይ ከም ኣድማ ኣንጻር ሃገራዊ ድሕነት ኢዩ ዝረአ፤  ክብል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉሎም።እዞም ምፍራም ኣቢኹም ዘለኹም ግዴታ ሙኻኑ ፈሊጥኩም ክትፍርሙ ማዕዳይ ይህበኩም ኣለኹ ብምባል መጠንቀቅታ እንዳሃበ  ድማ ነቲ ኣኼባ ኣቋሪጹ ገዲፍዎም ከምዝኸደ ተሓቢሩ።

ንጽባሒቱ 31 ጥሪ እቶም 117 ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ሙኻን ዝኣበዩ ልዕሊ 9 ሰዓታት ኣድካሚ ናይ እግሪ ጉዕዞ ክገብሩ ብምእዛዝ መቕጻዕቲ ናይቲ ዘይራእይዎ ኣብያ ከምዝወረዶም እቶም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኪኾኑ ዝፈረሙ 43 ግን ካብቲ ኣድካሚ ጉዕዞ ነጻ ከም እተባህሉ ተሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ዓበይቲ ተጋደልቲ ስንኩላን ኣዴታት ወዘተ ኣብ ስራሓት ሃገራዊ ድሕነት ብፍላይ ድማ ምምእራር ሓበሬታ ኣብ ነንሕድሕድ ተዋፊሮም ምህላዎም ይሕበር። ኣብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብፍላይ ምምሕዳራት ዞባ፤ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ፤ ኣብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፤ ሓይሊ ባሕሪ፤ ሚኒስትሪ ዜና ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ዘወሃህድዎም ሰለይቲ ተዋፊሮም ምህላዎም ይሕበር።

ኣብ ሃገራት ወጻኢ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሓት ተጋደልቲ ዝነበሩ ኣብ ዘለዉዎ ዓዲ ኣብ ሓበሬታ ምምሕልላፍ፥ ኣባላት ስድራን ዓርከ መሓዛ ፤ ከምኡ ውን ኣባላት ቤተክርስትያንን እምነታትን ተመሲልካን ሓበሬታ ምእካብ፥ ብመንገዲ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ሓበሬታ ምምሕልላፍ፥ ብብዝሒ ይረአ ምህላዉ ተሓቢሩ። ከምዚ ዓይነት ስራሕ  ኣብ ለንደን፥ ዋሺንግተን፥ ስቶክሆልም፥ ላስቬጋስ፤ ኦክላንድ፥ ፍራንክፈርት፥ ጁባ፥ ዱበይ፥ ብብዝሒ ንጥፈታት ይረአ ምህላዉ ተሓቢሩ።

 

    Print       Email

You might also like...

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት መደብ ከምዘለዎ ይሕበር ኣሎ፡ ዛጊት እንታይ ተገይሩ ኣሎ፤ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ናበይ ገጹ ኪቐንዕ ይኽእል።(1ይ ክፋል)

Read More →