Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሕድሩ ተጠሊሙ ብጓሂ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ

By   /  February 7, 2017  /  Comments Off on ሕድሩ ተጠሊሙ ብጓሂ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ

    Print       Email

ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብህሉው ኩነታት ሃገሩ ሕጉስ ኣይኮነን። እቲ ዝበዝሐን ዝኸኣለን ብጋህዲ ዘይዕግበቱ ይገልጽ ኣሎ። እቲ ዘይዕጉብ ክንሱ ክገልጾ ዘይከኣለ ድማ ጓሂኡ ንውሽጡ እንዳፍሰሰ ብስቕታ ይሓልፎ ኣሎ። ገለ ክፋል ድማ ምሉእ ደገፉ ንኣካይዳ ናይቲ መንግስቲ ሙኻኑ ይገልጽ ኣሎ።

ኣበየናይ ምድብ ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ይሃሉ ብዘየገድስ ህዝቢ ኤርትራ ብሙሉኡ ከቢድ ጓሂ ኣለዎ። እቶም ንኣካይዳ መንግስቲ ዝድግፉ እውን እንተኾኑ፤ ሽግራት ምህላዉ ኣይክሕዱን ኢዮም። የግዳስ ‘ኣብ መንጎ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ህላወ መንግስቲ ኤርትራን ፍልልይ የሎን፤ ስለዝኾነ ዓመጻት ውን እንዳተራእየና ንመንግስቲ ክንድግፍ ኣሎና’ ዝብል መርገጺ ኣለዎም። እቶም ብረብሓን ትሕተ ሃገራዊ መለክዒታትን ንመንግስቲ ዕዉር ደገፍ ዝህቡ ውሑዳት ናብቲ ዘተ ዝውስክዎ ዋጋ ስለዘየሎ፥ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣብ ግምት ዝኣተዉ ኣይኮኑን።

ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዘሎ ፍልልያት ሓሳባት ብዘየገድስ፤ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝወደቐቶ ኩነት ጉሁይ ኢዩ። ምኽንያት ናይ እዚ ከቢድ ጓሂ ድማ ንኹሉ ህዝቢ ሓደ ዓይነት መልሲ ዘለዎ ኢዩ። ንሱ ድማ እታ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለላ ሃገሩ ከምቲ እቶም ዝወደቑላን እቶም ክርእይዋ ዝበቕዑን ዝተመነይዋ ብዘይሙኻና ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እታ ዝወደቐላ ባንዴራ፤ ነቲ ዝተቓለሶ ዕላማ ዝገልጽ ትርጉም ኢዩ ነይርዋ። ቀይሕ ነቲ ዝፈሰሰ ደም፤ ቀጠለያ ንልምዓት፤ ሰማያዊ ንባሕሪ፤ ብጫ ሕብሪ ኮኾብ ምስ ማዕርነት፤ ሓድነት፤ ናጽነት፤ ፍትሒ፤ ብልጽግና ዝትርጉሙ ሓሙሽተ ጫፋት ድማ ንማዕድናዊ ሃብቲ ይገልጽ።

እቶም ብቐይሕ ዝተወከሉ ኣብታ ባንዴራ ዘለዉ ሰማእታት፤ ብመንግስቲ ኤርትራ ሕድሮም ስለዝተጠልመ ኢዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ጓሂ ዝርከብ። እቶም ዝሓለፉ፤ ንሶምን ዝወደቑሉ ዕላማን ኣብ ድሕሪ ናጽነት ብእዋኑ ኢዮም ተኻሒዶም። እቶም ድሕሪ ስዉኣት ዝስርዑ ውጻእ መዓት ኣካለስንኩላን ድማ፤ ኣብ ዚንጎታትን ኮንተይነራትን ተደርብዮም ይነብሩ ኣለዉ። ስዉኣቱ ስለዘይተኸበሩን ስንኩላቱ ስለዝተደርበዩን ኢዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ጓሂ ዘለዎ።

እቲ ኣብታ ባንዴራ ብሰማያዊ ሕብሪ ዝተወከለ ባሕሪ፤ ሎሚ ዋናታቱ እቶም ንዕኡ ዝተቓለሱ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮኑን። ከም ኣቐሓ ዕዳጋ፤ ባሕርታት ኤርትራ ምስ ወደባቶም ንባዕዲ ተሸይጦም ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣብ ገዛእ ባሕርታቱ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ውን ክንገሮ ናብ ዘይግባእ ጓና ተቐይሩ ኣሎ። ደም ከፊሉ ሓራ ዝገበሮ ባሕሪ መናውሒ ዕምሪ ስልጣን ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ጓሂ ዘለዎ።

እቲ ኣብታ ባንዴራ ብቀጠልያ ዝተወከለ ልምዓት ከምቲ ዝተመነዮ ኣይረኣዮን ህዝቢ ኤርትራ። ለሚዑን ጸጊቡን ከንብሮ ዘኽእል መሬት እንከለዎ፤ ኣብ ጥሙይ ከብዱ ዘይሓድር ዝደኸየ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። መሬት ናይ መንግስቲ ኢዩ ተባሂሉ ስለዝተመንዘዐ፤ መዓስ እንታይ ከምዝሓርሶ ከም ወተሃደራዊ ትእዛዝ ብመንግስቲ ኢዩ ዝንገሮ። እቲ ዝተመነዮ ልምዓት ተጎናጺፉ ኣብ ክንዲ ዝነብር፤ ነዛ ማይ ህይወት በብእብረ ዝሰቲ ተጸባዩ ኮይኑ ኣሎ። መግቢ ብኩፖን ዝወሃብ ሕሱም ስርዓት ምስ ኮኖ ኢዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብኸቢድ ጓሂ ዝሕመስ ዘሎ።

እቲ ኣብታ ባንዴራ ብብጫ ሕብሪ ተወኪሉ ዘሎ ማዕድን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሙኻን ተሓሪሙስ ናይ ውልቀሰባት ኮይኑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ንጸጋታቱ ክቋደሶ ኣይከኣለን። ምሕልፎ ወርቂ ምስተሓፍሰ መሊሱ ክጠሚ ጀሚሩ። ካብቲ ማዕድን ተባሂሉ ዘሎ ጸጋታት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዕሊ 55 ቢልዮን ናቕፋ እኳ እንተኣተወ፤ ናብ ሕሳባት ሓለፍቲ ናብ ቀጠርን ስዊዝን ስለዝሰገረ ናይ ውልቀሰባት ሃብቲ እምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ መነባብሮ ኣየመሓየሸን። መንእሰያትን ተጋደልትን ገና ብስማዊ ደሞዝ ይነብሩ ኣለዉ። ምስ ወርቁ ጨርቂ ምስኮነ ኢዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብኸቢድ ጓሂ ዝሕመስ ዘሎ።

ቀዳማይ ትርጉም ናይተን ሓሙሽተ ጫፋት ከዋኽብቲ ናጽነትን ሓርነትን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንዕላማ ወፊሩ ልዕሊ 85 ሽሕ ሰማእታት ዝኸፈለሉ ናጽነቱን ሓርነቱን ኣይረኸቦን። ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን  ኣብ ትሕቲ ግዝኣትና ኢኻ ትነብር ስለዝበልዎ ኢዩ ‘እምቢ ኣይግዛእን’ ኢሉ ንናጽነቱ ተቓሊሱ ዝጨበጠ። የግዳስ መንግስቲ ኤርትራ እታ ህዝቢ ብሉጻት ደቁ ዝኸፈለላ ናጽነት ኣብ ክንዲ ዝህቦ ስቅያትን ሕሰምን ኢዩ ፈድይዎ። ናብ ዝደለዮ ዘይንቀሳቐስ፤ ናብ ዝደለዮ ዘየምልኽ፤ ናብ ዝደለዮ ዘየውፍር ግዙእ ህዝቢ ጌርዎ። እዚ ምስኣን ናጽነትን ሓርነትን ኢዩ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ እዚ ኣይኮናን ተቓሊስና ብምባል ብኸቢድ ዘጉሃዮ።

ካልኣይ ጫፍ ናይታ ኮኾብ ንፍትሕን ሕግን ዝውክል ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንዕላማ ወፊሩ ልዕሊ 85 ሽሕ ሰማእታት ዝኸፈለሉ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ኣይረኸቦን። ስርዓታት ደርግን ሃይለስላሰን ፍትሒ ኣይንህበካን ኢሎም ስለዝጓዕጸጽዎ ኢዩ ‘ብፍትሒ ዝመጸኒ ኣይፈትውን’ ኢሉ ንቓልሲ ዝተበገሰ። የግዳስ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ እታ ኣሽሓት ዝኸፈለላ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ኣብ ክንዲ ዝህቦ፥ ግህሰት መሰረታዊ ፍትሓዊ መሰላቱን፤ ግህሰት ልዕልና ሕግን ኣውሪዱሉ። ኤርትራ ብሕግን ልዕልና ፍትሕን ዘይኮነ፤ ኣብ ትሕቲ ራዕድን ምቕጥቓጥን ከም እትነብር ጌርዋ። ሰብ ብዘይ ዝኾነ ፍትሓዊ መስርሕ ይስወር፤ ይእሰር፤ ኣብ ጎዳጉዲ ይበሊ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ፍትሒ ምስኣን ኢዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ እዚ ዓመጽ ኣይኮናን ተቓሊስናን ጀጋኑ ከፊልናን ኢሉ ዝጉሂ ዘሎ።

እቲ ሳልሳይ ጫፍ ናይታ ኾኾብ ንዴሞክራሲ ዝውክል ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንዕላማ ወፊሩ ልዕሊ 85 ሽሕ ሰማእታት ዝኸፈለሉ ዴሞክራሲ ኣይረኸቦን ዘሎ። ስርዓታት ደርግን ሃይለስላሰን ሓሳብካ ኣይትግለጽ፤ ቋንቋኻ ኣይትዛረብ፤ መራሕትኻ ኣይትምረጽ ስለዝበልዎ ኢዩ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ዴሞክራስያዊ መሰላተይ ምንባር ትርጉም የብሉን ኢሉ ንቃልሲ ወፊሩ። የግዳስ ድሕሪ ናጽነቱ ብዝገደደ ህዝቢ ኣፉ ተዓቢሱ ኣሎ። ሰለይትን ኣሰርትን ኣብ መንጉኡ ስለዝተነዝሑ ሓውን ሓፍትን፤ ጎረቤትን መሓዛን፤ ኣቦን ውላድን ዘይተኣማመኑሉ ህይወት ተፈጢሩ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣፉ ተዓቢሱ፤ ከብዱ ብጥሜት ተጠልቂዑ፥ ብእኩብ ስለዝተዓፈነ ኢዩ ድማ ኣብ ከቢድ ጓሂ ዝነብር ዘሎ።

እቲ ራብዓይ ጫፍ ናይታ ኮኾብ ንማዕርነት ዝገልጽ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ሓላፍ ዘላፍ ህይወት ዝነብር፥ ወዲ ውሽጥን ወዲ ደገን፤ ወዲ ማእከልን ወዲ ወሰንን ኮይኑ፤ ሰብ ዘመን የጋይጹ፤ ዜጋታት ድማ ይውገኑ ኣለዉ። መንግስቲ ኤርትራ ስልጣኑ ንምንዋሕ ህዝቢ ብቋንቋ፤ ሃይማኖት፤ ዓሌት፤ ከምዝተፋነን ጌርዎ ኣሎ። ህዝቢ መታን ከይተኣማመን፤ መንግስቲ ኤርትራ ንሓደ ክፋል ኣቕሪቡ ንሓደ ከርሕቕ ይረአ ኣሎ። እተን ንማዕርነት ልዕሊ ሰበን ዝተቓለሳ ደቂንስትዮ ኤርትራ፤ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ናይ ፓርኪንግ ሓለውቲ ኮይነን ተጠሊመን ኢየን። ህዝቢ ኤርትራ ማዕርነት ዘይብሉ ገለን ኣብ ባንክታት ቢልዮናት ዘቐምጡ፤ ገለን ድማ ኣብ ሳልስቲ ጥራይ ዝድረሩ ኮይኖም ኣለዉ። እቶም ኣካላቶም ንሃገር ዝኸፈሉ ኣብ ዚንጎታት መዓስከር ቃኘው እንዳነበሩ እቶም ቅንጣብ ዘየበርከቱ ድማ ኣብ ማዕደኦም ቦንድ ዝበሃል ቪላታቶም ክሃንጹ ምስረኣየ ኢዩ  ህዝቢ ኤርትራ ብኸቢድ ጓሂ ዝሳቐ ዘሎ።

እቲ ሓምሻይ ጫፍ ናይታ ኣብ ባንዴራ ዘላ ኮኾብ ብልጽግና ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዘይከምቲ ተቓለሰሉ፤ ሰላሙ ተኸሊኡ ብልጽግና ከይረኣየ ኣብ ሕሰምን ድኽነትን ዝነብር በተኽ ኮይኑ ኣሎ። ሃገሩ ኣብ ዓለም ብስደትን ምልክን ጥራይ እትጥቀስ፤ ተሐብኖ ዘይኮነትሲ ተሕንኾ ሃገር ኮይናቶ ኣሎ። ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ጓሂ ዝነብር ዘሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ስለምንታይ ኢዩ ኣብ ከቢድ ጓሂ ዝርከብ ዘይርድኡ እንተልዮም፤ እቲ ምኽንያት እቲ ኣብ መእተዊ ናይዚ ጽሑፍ ዝተገለጸ ኢዩ። ህዝቢ ኣሽሓት ብሉጻት ዝኸፈሉሉ ናጽነትን ሓርነትን፤ ፍትሒ፤ ማዕርነት፤ ብልጽግናን ሰላምን ስለዝተነፍገን ስለዝተመንዝዐን ኢዩ ኣብ ጓሂ ዝነብር ዘሎ። ናጽነት ደልዩ ዝወፈረ ህዝቢ ናጽነት ረኺበ ኣብ ዝበለሉ እዋን ኣብ ባርነት ክነብር ፍቓደኛ እንተዘይኮነ እምበኣር ዝገርም ኣይኮነን። ፍትሒ ደልዩ ዝወፈረን ብሉጻት ደቁ ዝኸፈለን ህዝቢ፤ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣልቦ ዓመጽን ንፍትሒ ዝጉዕጽጽ ስርዓትን ክነብር ኣይደልን ኢየ ኢሉ እንተነደረ እምበኣር ትጽቢት ዘይግበረሉ ኣይኮነን።

ጓሂ ንበይኑ ግን ፍታሕ ኣየምጽእን ኢዩ። ፍትሕን ሕግን ዓምጺጹ፤ ህዝቢ እንዳጨፍለቐ ንመዋእል ክነብር ዝኽእል ምልኪ የሎን። እዚ ስርዓት እውን ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቐዩ ስርዓታት በቲ ንሶም ዝተኣልዩሉ መንገዲ ጥራይ ኢዩ ዝእለ። ህዝቢ ኤርትራ ኣሽሓት ብሉጻት ከፊሉ ክንሱ እቲ ንሶም ዝወደቑሉ ዕላማ እንተዘይረኺብዎ፤ ክልተ ከቢድ ክሳራ ኢዩ። ስዉኣቱን ዕላምኦምን። ስለዚ ኢዩ ድማ ብዝኾነ ዋጋ ሕድሪ ናይ ሰማእታት ክምለስ ይግባእ።

 

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →