Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ጸጥታ፤ ብዕለት 14 ለካቲት ክልተ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ስግረ ዶብ ንምኻድ ሓሲብኩም ብምባል  ኣሲሩ። 

By   /  February 21, 2017  /  Comments Off on ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ጸጥታ፤ ብዕለት 14 ለካቲት ክልተ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜና ስግረ ዶብ ንምኻድ ሓሲብኩም ብምባል  ኣሲሩ። 

    Print       Email

እቶም ተኣሲሮም ናብ ዓዲ ኣቤቶ ዝተወሰዱ ክልተ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ኣብርሃም ይትባርክ ከምኡ ውን ሰናይት ዑቕባይ ዝተባህሉ ኮይኖም ክልቲኦም ካብ መንበሪ ገዘኦም ንስራሕ ትድለዩ ኣለኹም ብዝብል ምኽንያት ተጸዊዖም ተወሲዶም።

ኣብርሃም ይትባርክ ከምኡ ውን ሰናይት ዑቕባይ ብዕለት 14 ለካቲቲ ብመርማሪ ሚኪኤል ምስ ኣርባዕተ ርእሱ ካብ ገዘኦም ድሕሪ ምውሳዶም ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ከቢድ መርመራ ከምዝተጀመረሎም ተገሊጽ። እቲ መርመራ ብዝያዳ ናብ ስግረ ዶብ ክትከዱ ሃሲብኩም ነይርኩም ኣብ ቴሌፎናትኩም ዘሎ ቁጽሪ ናይ መን ኢዩ፥ መን ኢዩ ዝራኸበኩም፥ በየን ክትከዱ ሃሲብኩም፥ ዝብል ኮይኑ እቶም ሰባት ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ብዘለዉ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ተሓስዩሎም ከምዝተኣስሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን እዚ ብፍላይ ብስግረ ዶብ ከይዱ ብሰላም ኣትዩ ኢልካ ምዝራብ ንስግረ ዶብ ምትብባዕ ተቖጺሩ ብዙሓት ሰባት ይኽሰሱ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኣብ ኤርትራ  ስግረዶብ ሓሲብኩም  ብዛዕባ ስግረዶብ ተዛሪብኩም ብምባል ብኣማኢት ዝቁጸሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝርከቡን ብዘይ ፍርዲ ክም ዝእሰሩን ንምእማኖም ኣብ ዝግበረ ማህረምትን ግፍዕን ከም ዝሞቱን ይፍለጥ።

    Print       Email

You might also like...

    ምእንቲ ስልጡንን ሉዓላዊን ተቓውሞ

Read More →