Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ደረስቲ፥ ዳይረክተራት ፊልም፤ ስኣልቲ ፥ ኣዳለውቲን  ዝርክብብዎም ስነጥበባዊያን  ካብ 6 ጥሪ ጀሚሮም ብሃገራዊ ድሕነት ይቅየዱ ከምዘለዎ ተፈሊጡ።

By   /  January 14, 2017  /  Comments Off on ደረስቲ፥ ዳይረክተራት ፊልም፤ ስኣልቲ ፥ ኣዳለውቲን  ዝርክብብዎም ስነጥበባዊያን  ካብ 6 ጥሪ ጀሚሮም ብሃገራዊ ድሕነት ይቅየዱ ከምዘለዎ ተፈሊጡ።

    Print       Email

ደረስቲ፥ ዳይረክተራት ፊልም፤ ስኣልቲ ፥ ኣዳለውቲን  ዝርክብብዎም ስነጥበባዊያን  ካብ 6 ጥሪ ጀሚሮም ብሃገራዊ ድሕነት ይቅየዱ ከምዘለዎ ተፈሊጡ ። ገለ ካብቶም ዛጊድ ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ተቐይዶም ዘለዉ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ዋና lye  ናይ መረበብ ሓበሬታ youtube   መንእስይ ዮናስ ደባስ ካብ ጀርመን:  ኤፍሪም መንግስትኣብ ካብ ጀርመን፤ ካልእ  ስማ ብንጹር ዘይተፈልጠት ኣካያዲት ትካል Lye TV ኣብቲ ዓውዲ እትነጥፍ  ካብ ጀርመን  ሓቢራቶም ዝመጸት  ጓል ኣንስተይቲን

ደራሲን ተዋሳኣይን  ዳይረክተርን ፊልም  መርሃዊ መለስ

ደራሲን ተዋሳእን ዳይረኽተርን ፊልም ዳኒኤል  ኣብርሃም

ዮናስ ስለሙን ሳኣላይን ዳይረክተር ስእልንዮናን ፕሮዳክሽን

ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ደራሲን ስኣላይን ዳይረክተር ፊል ተስፊት ኣብርሃ

ካብ ክርስቲላ ሆቴል ካልኦት  ስሞም ብንጹር ዘይተገልጹ  ካብ ሳንሻይን ሆቴልን ክሪስታልን ተለቒሞም።

ካልኦት ስሞም ብንጹር ዘይተገልጹ  ብርክት ዝበሉ ስነጥበባዊያን ብሃገራዊ ድሕነት ተለቂሞም  ዛጊት  ኣብ ዘይፈልጥ ተታሒዞም ከምዝተወስዱ   ኣብ ቲ ዓውዲ ዝነጥፎ ወገናት  ንሬድዮ መድረኽ ኣብ ዝሃበዎ ሓበሬታ ኣረዲኦም።

ካልኦት ምስዞም ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉን ምስዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ  ናይ ሃገራዊ ድሕነትን ተቀይዶም ዘለዎ ቅርበት ዘለዎም ስነጥበባዊያን  እውን በዚ ጉዳይ ርዒዶም ከምዘለዎም ኣብቲ ዝስደዱልና ሓበሬታ ኣረዲኦም

    Print       Email

You might also like...

 ምውጻእ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስን ዝነበረ መስርሕን

Read More →