Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ወዱ ንፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኣብርሃም ኢሰያስ ኣፍወርቂ፤ ብክልተ ናይ ፕሮፊሰር ማዓርግ ዘለዎም መምህራን ዝወሃብ ናይ ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን ምሕደራን ትምህርቲ ይወሃቦ ከምዘሎ ምንጭታት መድረኽ ገሊጾም።

By   /  January 22, 2017  /  Comments Off on ወዱ ንፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኣብርሃም ኢሰያስ ኣፍወርቂ፤ ብክልተ ናይ ፕሮፊሰር ማዓርግ ዘለዎም መምህራን ዝወሃብ ናይ ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን ምሕደራን ትምህርቲ ይወሃቦ ከምዘሎ ምንጭታት መድረኽ ገሊጾም።

    Print       Email

ወዱ ንፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኣብርሃም ኢሳያስ ኣፍወርቂ ካብ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ብክልተ ናይ ፕሮፊሰር ማዓርግ ዘለዎም መምህራን ዝወሃብ ናይ ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን ምሕደራን ትምህርቲ ይወሃቦ ከምዘሎ ምንጭታት መድረኽ ገሊጾም።

እቲ ብሓደ እንግሊዛውን ሓደ ቤልጂካውን ፕሮፌሰራት ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ኣብ ከባቢ እስፕይስ 2001 ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝካየድ ዘሎ ሙኻኑ ዝሓበሩ ምንጭታት መድረኽ፤ ምስቶም ክልተ ወጻእተኛታት ፕሮፈሰራት፤ ክልተ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝመጹ ተሓጋገዝቲ ኤርትራውያን እውን ኣብቲ ናይ ምምሃር መስርሕ ይሳተፉ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ኣቐድም ኣቢሉ ማለት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016 ኣቶ ኣብረሃም ኢሳያስ፤ ካብ ሩስያን ሕቡራት ኢማራትን ብዝመጹ መመህራን ኣብ ወተሃደራዊ ስልትን ፖለቲካዊ ምሕደራን ዘተኮረ ፍሉይ ስልጠና ተዋሂቡ  ምንባሩ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዝርከቡ ሓለፍቲ፤እዚ ንኣብረሃም ኢሳያስ ንትምህርቱ ተባሂሉ ብቐጻሊ ዝግበር ወጻኢታት ‘ንሓደ ምሉእ ዲፓርትመንት ናይ ዩኒቨርሲቲ ዝሽፍን ባጀት ኢዩ’ ዝብል ስምዒት ብምሕዳር ቅሬታን መረረን የስምዑ ምህላዎም ዝገለጹ ምንጭታት መድረኽ ፤ ካብዚ ስግኣት ብዝነቅል ምኽንያት ኣቶ ኣብረሃም ኣብ ግዜ ትምህርቲ ሲቪላዊ ክዳን ብዝለበሱ  ኣባላት ጸጥታ ብስዉር ይሕሎ ምህላዉ ገሊጾም።

ኣብ መንጎቶም ናይ ፕረሲደንት ቤተሰብን ኣብ መንጎቶም ንኸርተትን ሕሰምን ዝፍረዱ ዘለዉ ካልኦት መንእሰያትን ዘሎ ጋግ ከም ኩሎም ኣፍሪቃውያን ንጉሳዊያን  ቤተሰብ  ዘርእይዎ ባህሪ ይሕዝ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ናይ ዓይኒ ተዓዘብቲ ብምጥቃስ ገሊጾም።

    Print       Email

You might also like...

HvdS-0051

ኩባንያ ሓራትን ምኒስትሪ ሞጎዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ ናብ መንግስቲ ሱዳን ዘቕረቦ ፍቓድ ናይ ህዝቢ ሞጓዓዝያ ከምእተነጸገ ተሓቢሩ።

Read More →