Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

‘እዚ እውን ክሓልፍ ኢዩ!’

By   /  January 28, 2017  /  Comments Off on ‘እዚ እውን ክሓልፍ ኢዩ!’

    Print       Email

ኣብ ዜናታት ሬድዮ መድረኽ ከምእተገለጸ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ዜጋ ብዘይፍቓዱ መርዓ ከይገብር ከልኪሉ ኣሎ። ከም ልሙድ እዚ ሓድሽ ሕጊ እዚ እውን ከም ወተሃደራዊ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዱብ ዝበለ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንገዛእ ህይወቱ ዋንኣ ካብ ዘይከውን ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ዜጋ መንግስቲ ናብ ዝኣዘዘሉ ኣማልኽቲ ጥራይ ከምልኽ፥ መንግስቲ ናብ ዝበሎ ገዛውቲ ጥራይ ክነብር፥ መንግስቲ ናብ ዝኣዘዞ ትምህርቲ ጥራይ ኪኸይድ፥ መንግስቲ ናብ ዝኣዘዞ ሕርሻ ጥራይ ኪኹዕት፥ መንግስቲ ዝኣዘዞ ንግዲ ጥራይ ክገብር፤ መንግስቲ ኣብ ዝደለዮ እዋን ጥራይ መብራህቲ ክረክብ፤ መንግስቲ ናብ ዝበሎ ወገን ጥራይ ክጥምት ክግደድ ጸኒሑ ኣሎ። ህዝቢ ነብሱን ስግኡን ናጽነት የብለንን፥ ብህይወቱ ከሎ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ሞተ እውን፤ መን ኣብ ዓዲ ይቕበር፤ መን ኣብ መቓብር ሰማእታት ይቕበር፤ መን ገፊሕ ዳስን ብዙሕ ዋጭዋጭታን ይግበረሉ፤ መንከ ትሑት ስነስርዓት ይወሃቦ ዝውስን መንግስቲ እዩ። መንግስቲ ይዛረብ: ህዝቢ ይሰምዕ፥ መንግስቲ ይእዝዝ፥ ህዝቢ የተግብር፥ መንግስቲ ይቕጥቅጥ፤ ህዝቢ ይቕጥቀጥ።

ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ዓቐን ማይ ክሰቲ ኣለዎ መንግስቲ ስለዝውስነሉ በቲ ዝተዋህቦ ሞቕነን ሓንሳብ ወጋሕታ ሓንሳብ ለይቲ ማይ ይፍንወሉ። ኤሌትሪክ ዘይብለይ ኢልካ ቁሪምሪም ምባል ሕንቃቐ ስለዝቑጸር ሎሚ ህዝቢ ኤሌትሪክ ከይዳ ኢሉ ምምራር ገዲፍዎ ኢዩ።

ገንዘብ ምሓዝ እውን ናብ ገበን ካብ ዝቕየር እነሆ ዓመቱ ኣሕሊፉ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ገንዘብካ ከመይ ተማሓድር ዘይትፈልጥ ኣብዲ ስለዝኾንካ፤ ገንዘብካ ባዕለይ ከመሓድሮ ኢየ፥ ኣብ ወርሒ ድማ እንዳዓቀንኩ ክህበካ ኢየ ኢልዎ እቲ ‘ኩሉ ዝፈልጥ!’ መንግስቲ።

ዶላር እውን ማዕረ ሓሺሽ ገበን ኢዩ። መንግስቲ ኢዩ ንህዝቢ ክንደይ ዶላር ክሕዝ ከምዝፍቀዶ፤ ኣበይ ከሽርፎ ከምዘለዎ፤ ብክንደይ ከሽርፎ ከምዝግባእ ዝነግሮ። እቶም ዘይሕጋውያን ኣሽረፍቲ እውን መንግስቲ ኢዩ ዝውስኖም። መንግስቲ ነቲ ሕጋዊ ጥራይ ኣይኮነን ዝውስን፤ ነቲ ዘይሕጋዊ ነገር እውን ባዕሉ ኢዩ ዝውስኖ።መን ክሰርቕ ይግበኦ፤ መን ክጸንሕ ኣለዎ፤ መን ዝኣኽሎ ምስ ሰረቐ ክእሰር ኣለዎ፤ መንግስቲ ይውስን። ስለዚ ኣብ ጎደናታት ዘወን እንዳበሉ ወይ ኣብ ድሕሪ ትካላት ዘሽርፉ ዘይሕጋውያን ንባዕሎም ናይቲ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ኢዮም። ብኸምዚ ድማ መንግስቲ ይዛረብ ህዝቢ ይሰምዕ፥ መንግስቲ የርዕድ፥ ህዝቢ ይሹቕረር፥ መንግስቲ ይዛረብ ህዝቢ ይሰምዕ፥ መንግስቲ ይእዝዝ፥ ህዝቢ የተግብር፥ መንግስቲ ይጭፍጭፍ ህዝቢ ይጭፍጨፍ።

እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት እውን መንግስቲ ኢዩ ዝውስኖም። መዓስ ከዝልቕዎ መዓስ ከትርርዎ ከምዘለዎም ብምንጋር፤ ብንግዲ ደቂሰባት ዶላር ይኻዕበት። ባህ ኣብ ዝበሎ እዋን ዶባት ከፉኩስ፥ ቅጭ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ድማ ህጻናት ቶኪሱ ዝቐትል ወይ ውን ድራር ኣዛብእ በረኻታት ዝገብር መምርሒ ቶኪስካ ቅተል የመሕሓላልፍ፤ እዚ መዓስን ካብ መንን ይመጽእን ይካየድን ዘይፍለጥ ዘይሕጋዊ ትእዛዛት ናይቲ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ኢዩ።

ሓርጭን ባኒን ውን ናይ መንግስቲ ስራሕ ኢዩ። ኣብ ፎርኖታት እንዳኸደ ዝቆጻጸር ገዚፍ ክፍሊ ናይ መንግስቲ ተመዲቡሉስ፤ ዋናታት ፎርኖ  ሓርጮም ከምዝለወስዎ ከረጋግጹ እቶም ‘ዓበይቲ ሰበስልጣን’ ኣብ ቅድሚኦም ግትር ይብሉ። ዋናታት ፎርኖ ድማ ነቲ ሓርጭ ምስ ማይ ብምድዋስ ‘ዝኸበርኩም ሰበስልጣን ምቁጽጻር ምልዋስ ሓርጫት፡ እነሆ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ኩሉ ዝሃብኩምና ሓርጭ ከምዝለወስናዮ ኣብ ቅድሚ ህላወኹም ነረጋግጽ’ ክብሉ ቃሎም ይህቡ። ኣስዒቦም እቶም ሰበስልጣን ምቁጽጻር ሓርጭ፡ ሚዛን ባኒኦም ግራሙ ከምቲ ዝግባእ ሙኻኑ ክመዝኑ ነቶም ዋናታት ፎርኖ የግደዱ። በዚ መንገዲ ድማ እቶም ምልዋስ ብሑቕ ምርግጋጽ ዝስረሖም ሰበስልጣን፡ ‘ሃገራዊ ዕዮ ምቁጽጻር ምልዋስ ሓርጭን ምምዛን ባንን’ ብዝግባእ ብምፍጻሞም ልዑል ክብረት ይስመዖም።

ህዝቢ በየናይ መንገዲ ይራኸብ ዝውስን ውን መንግስቲ ኢዩ፥ መን ሞባይል ክሕዝ ይግባእ መን ክሕዝ ኣይፍቀደሉን መንግስቲ ኢዩ ዝውስን፥ ሞባይል ንዘይብሎም ሰባት ንዘደወሉ ሰብ ዱኳን እውን ኣብ ስራሕ ናይ መንግስቲ ኢዶም ብምእታዎምን ብዘይፍቓድ ናይ መንግስቲ ዝፍጽምዎ ናይ ምር-ኻብ ተግባር ተኸሲሶም ብኸቢድ ይቕጽዑ። ብኸምዚ ድማ መንግስቲ ይቐጽዕ ህዝቢ ይቕጻዕ፥ መንግስቲ ይእውጅ፥ ህዝቢ የተግበር፥ መንግስቲ ይዛረብ: ህዝቢ ይሰምዕ፥ መንግስቲ ይጸፍዕ፥ ህዝቢ ይጽፋዕ፥ መንግስቲ ይብእስ : ህዝቢ ይነፍጽ።

ካብቲ መንግስቲ ዝኣዘዞ ህይወትን ሓዲድን ክወጹ ዝፈተኑ ኩሎም ዝወሃቦም ዘየናሕሲ ደሃኺ መቕጻዕቲ ናብቶም ሰባት ጥራይ ዘይኮነ፤ ናብቶም ዝተረፉ ዘነጻጸረ ኢዩ።ከምዚኣ እትፍትኑ ዕጫኹም እዛ ምድሃኽ ኢያ ዝብል መልእኽቲ። ነቶም ዘየረኻኸበሎም ሰባት ኣብ ዘለዉዎ ክሳቐዩን ክስክሑን መታን ብስድረኦም፤ ብዝፈትዉዎም ውሉዶም ኣሳቒኻ  ብውክልና ምቕጻዕ እቶም ‘ሰብ በሊሕ ኣእምሮ’ ተመራሚሮም ዝረኸብዎ ምህዞ ስነኣእሙሮ ኢዩ። እቶም ጽባሕ ንግሆ ዝሕተቱሉ እዋን ከምዘሎ ዘንጊዖም ዘለዉ መጋበርያ በቲ ዝተዋህቦም ግዝያዊ ስልጣን ናይ ውልቆም ጽልእን ቅርሕንትን እንዳሓወሱ  ሰባት የከላብቱ ሓደ ሓደ እዋን ድማ (ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ስምዒታቶም እንዳወሰኹ) ሰባቶም ‘የድሕኑ’። መስርሕ ሕጊ፥ መሰኻኽር፥ ጭብጢ፤ ፍርዲ፤ ዓንቀጻት ሕጊ፤ ዝበሃ ስለዘየሎ ሰብ ዘመን ነንዝደለይዎ ሰብ በብዝደለይዎ መለክዒ የሳቕዩ። ህጻናትን ኣረጋውያንን ከይተረፉ ድማ ግዳይ ናይ ውልቆም ሕሳባት ይኾኑ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዉ መንግስታት ንህዝብና እንታይ እንተገበርና ኢዩ ዝሕጎስ ኢሎም ኢዮም ክሓስቡ ዝሓድሩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ነዚ ህዝቢ እዚ እንታይ ኢያ ኣሕርር ተብሎ ኢሉ ክሓስብ ብኾፉ ዝሓድር ኢዩ ዝመስል። ንኣብነት ኩሉ ንህዝቢ ዘበሳጩ ተወዲእዎስ፤ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2017 ሓደ ዘስደምም መምርሒ ኣውጺኡ ኣሎ። በዚ መምርሒ ዝጽዋዕ መግረፊ ጌሩ ድማ እዞም እዋኖም ኣብ በረኻታት ዘብለዮም መንእሰያት ብዘይፍቓዱ ከይምርዓዉን ከይድርዓውን ከልኪሉ ኣሎ። እቲ ስርዓት ናብ ኣብያተ ክርስታናትን መሳጊድን ኣብ ዝሰደዶ ትእዛዝ  ዝኾነ መርዓዊ ወይ መርዓት ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካርድ ወይ ውን ካብ ኣሃዱታቶም ናይ መርዓ ፍቓድ ከምጽኡ ፤ እዚ ምስዘይህልዎም ግን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ይኹን ኣብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስታያንን ኣድባራትን ምስክር ቃልኪዳን ከይወሃቦምን ኣቕሽሽቲ ይኹኑ መሻይክ ቃልኪዳን ከይኣስሩሎምን ኣዚዙ ኣሎ።

ነዚ ሓድሽ ሕጊ መርዓ መንእሰያት ምስ ሰምዐ ሓደ መንእሰይ ‘መግዛእቲ ቱርኪ እኳ ኮይኑና’ ኢሉ ክዛረብ ዝሰምዕዎ ሓደ ኣቦ ቁጥዕ ኢሎም ‘ኣታ ቆልዓ ዘይትፈልጦ እስከ ኣይትዛረብ ቱርኪ ኣይትመርዓዉ ይብል ነይሩ ዝበለካ መን ኢዩ’ ክብሉ ከምዝተዛረቡ ይዕለል። በዚ ኣበሃህለኦም ድማ ናይ ሕጂ ሃለዋቶም ካብቲ ህዝብና ሕሰም ንምግላጽ ዝጥቀመሉ  ‘መግዛእቲ ቱርኪ’ ዝብል እዋን ከምዝኸፍእ ነጊሮም ኣለዉ።

ኤርትራውያን ብህይወት ከለዉ ጥራይ ኣይኮኑን በዞም ዓመጽቲ ዘይሕጋውያን ሕግታት ዝሳቐዩ። ምስሞቱ እውን እቲ ኣረመንነት ኣይነሓፎምን። ካብቲ ንሱን ዓመጹን ዝፈጠሮ ስቅያት ኣርሒቖም ክእለዩ ክብሉ ኣብ ባሕርታት ንዝሞቱ መንእሰያት፤ መርድኣቶም ከይጥቓዕ፥ ስሞም ከይለዓል ዝእዝዝ ኣዋጃቱ፤ ብመለክዒ ናይቶም ዝኸፍኡ ዝበሃሉ ምልካውያን ከይተረፈ፤ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ተራእዮም ዘይፈልጡ ተግባራት ኢዮም። ኣብ ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምዉት ክቡር ኢዩ። ሬሳ እንክሓልፍ ሰባት ካብዘለዎ ብድድ ኢሎም ሰጊዶም የሕልፍዎ። ኤርትራውያን ይትረፍ ንዝፈልጥዎ ሰብ ንዘይፈልጥዎ ውን ኣብ ቀብሩን ደበሱን ይሳተፉ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ምስ ምዉታን ዝበኣስ፥ ንምዉታን ዝዝልፍ፥ ንምዉታን ሜትሮ መሬት ዝኸልእ ንስድራቤት ከይሓዝኑ ዝኽልክል ስርዓት ኮይኑ ኣሎ። ብኸምዚ ድማ መንግስቲ ይፍክር ህዝቢ ይደንን፥ መንግስቲ ይጎድእ፥ ህዝቢ ይጉዳእ፥ መንግስቲ ይዛረብ ህዝቢ ይሰምዕ፥ መንግስቲ የሳቒ  ህዝቢ ይሳቐ ኣሎ።

እዞም ዘየቋርጹ ዓመጻት ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለና ጥራይ ኣይኮኑን ዘረኻኽቡ፤ ኣብ ወጻኢ ንዝነብር ህዝቢ እውን ክንደይ ሚእታዊት ካብ ገንዘቡ ናብ ኤምባሲ የብጽሕ፥ መዓስ ይስዕስዕ፥ መዓስ ይእከብ፤ ንመን የጣቕዕ፤ ንመን የጓኒ ፤ ንመን ኣብ ፈይስቡክን ኢንተርነታትን ብቕትለት ባህርያት የካፍእን ይጸርፍን፤ መንግስቲ ኢዩ ዝእዝዞ።

ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ዝፍጠር ክሳብ ዝመውት – እረ ድሕሪ ሞቱ እውን – ዝውንና ነብሲን ድሕረ-ነብስን የብሉን። ብዘይሕጋውያን ሕግታት ተጓዕጺጹ፤ ካብ ሃገር ከይወጽእ ተኣጊዱ፥ ኣብ ሃገር ኣብ ዘለወሉ እዋን ድማ፤ መንግስቲ ዝደለዮ ናብ ዝኸውን ሮበት ቀይርዎ ኣሎ። ካብዚ ክሊ ክሳብ እዚ ክሊ ጥራይ ትንቀሳቐስ ተባሂሉ ዝእዘዝ፥ ውሉድን ወላድን ብዝፈሊ፥ ዘስካሕክሕ ግዝኣታት ይሳቐ ኣሎ ህዝቢ ኤርትራ።

ሎሚ ብዘይካ እቶም ውሑዳት እንተደልዮም ናብ ዝደለይዎ ከይዶም ዝሕከሙ፤ ካብ ህዝቢ ብዝተሰርቀ ሚልዮናት ዶላር ብምጮት ዝነብሩ፤እንተደልዮም ዝገሹ፤ ብፍሉይ ሓለፋታት ንበይኖም ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝወሃቦም ደቂ እቶም ፈጸምቲ ገዲፍካ፤ ዳርጋ ኩሉ መንእሰይ ኣብ ሰፊሕ ቤት ማእሰርቲ ምስናይ እታ ዘይውንና ህይወት ይነብር ኣሎ። እቲ ጽቡቕ ነገር ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ታሪኽ ግን ነባሪ ዘይሙኻኑ ኢዩ። ከምቲ ብኣእዳው ናይቶም ኣረመናውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ እንዳተኸትከቱ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ በዓትታት ሲናይ ዝወቐርዎ፤ ‘እዚ ውን ክሓልፍ ኢዩ’።ንዕኡ ስዒቡ ድማ ግዜ ምስ ዕለተ ፍርዱ ክመጽእ ኢዩ።

 

    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ብሰደድ (Export) ዝልእኮ ሓደ ነገር ጥራይ ኢዮ – ስደተኛታትን ሕሰሞምን።

Read More →