Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ሃገራዊ ማሕበር ተመሃሮን መንእሰያትን ኤርትራ ክብ ናይ 2016 ባጀቱን ኣታዊታቱን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከምዝተጠፋፈአ ተሓቢሩ።

By   /  January 31, 2017  /  Comments Off on ኣብ ሃገራዊ ማሕበር ተመሃሮን መንእሰያትን ኤርትራ ክብ ናይ 2016 ባጀቱን ኣታዊታቱን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከምዝተጠፋፈአ ተሓቢሩ።

    Print       Email

ኣብ ሃገራዊ ማሕበር ተመሃሮን መንእሰያትን ኤርትራ ክብ ናይ 2016 ባጀቱን ኣታዊታቱን ኣዚዩ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከምዝተጠፋፈአ ተሓቢሩ። እቲ ካብ ታሕሳስ 20 ክሳብ 15 ጥሪ 2017 ኣብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህግደፍ ዝተገበረ ናይ ኦዲት ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፤  ብሕልፊ ኣብ ፌስቲቫላት ሳዋን መሸጣታት ራይሞክን ንስልጠናን ጎስጓስን ተባሂሉ ዝወጸ ገንዘብ ብዙሕ ክፋሉ ብዘይ ሰነዳትን መረጋገጺታትን ከምዝተፈጸመ ተሓቢሩ።

ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህግደፍ ብዛዕባ እዚ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ ዝተጠፋፈአ ገንዘብ ምጽራይ ክግበር ብዕለት 19 ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ብዝለኣኾ መምርሒ ከምዝኣዘዘ ዝገለጹ ምንጭታት መድረኽ፤ ብፍላይ እቲ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ጉጅለታትን ኣጋይሽ ዲያስፖራን ንምድሳት ተባሂሉ ዝግበር ዝነበረ ፈንጣስያታት ዝበዝሐ ጠንቂ ናይቲ ምጥፍፋእ ምንባሩ ተሐቢሩ።እዚ ኣብ እዋን መበል 25 ዓመት በዓል ናጽነት ዝተጠፋፍአ ገንዘብ ማዕሪኡ ብኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ተጠፋፊኡ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ብዘይካ እዚ ካብ ወጻኢ ፕሮጀክትታ ሓገዝ ተባሂሎም ዝመጹ ዝነበሩ ኮምፕዩተራትን ኣይፓዳትን ዳርጋ 30 ሚእታዊት ከምዝተጠፋፍኡ እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።

ሃማመተአ ንነዊሕ እዋን ብምጥፍፋእ ኪኽሰስ ዝጸንሐ መጋበርያ ህግደፍ ኮይኑ፤ በዓል ሱልጣን ስዒድ ኣቐድም ኣቢሎም ድማ በዓል ዓሊ ዓብዱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ተመሳሳሊ ምጥፍፋእ ይፍጸም ምንባሩ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

    Print       Email

You might also like...

ብፕረዚደንት ኢሳያስን ስድራቤቱን ዝውነን ኣብ ቀጠር ዝርከብ ገንዘብን ጥረ ወርቅን  ናብ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ንምግዓዙ ሃቐነ ይካየድ ኣሎ።

Read More →