Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣምባሳደር ዓብዱ ሄጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

By   /  January 27, 2017  /  Comments Off on ኣምባሳደር ዓብዱ ሄጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

    Print       Email
ኣብ ሰዓታት ለይቲ ናይ ዕለት 25 ጥሪ ኣምባሳደር ዓብዱ መሓመድ ዓብዱ በክሪ ሄጂ ብሓይልታት ጸጥታ ካብ ገዝኡ ተቐይዱ ከምዝተወስደ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም።
ኣምባሳደር ዓብዱ ሄጂ ፥ ናይ ስራሕን ናብራን ህይወት ዲፕሎማሰኛታት ክመሓየሽ ኣለዎ፤ ኣብ ወጻኢ ተመዲቦም ዝለኣኹ ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ስድራቤቶም ናብኦም ክገሹ ይኹን ምስኦም ክነብሩ ክፍቀደሎም ኣለዎ፤ እዞም ስድራኹም ናብ ወጻኢ ኣትሪፍኩም ተባሂሎም ንዓመታት ካብ መገሻ ተኣጊዶም ዘለዉ እገዳ ክለዓለሎም ኣለዎ ፤ዝብል ጎስጓስ ናብቶም  ንዓመታዊ ኣኼባ  ሚሺናት ናብ ኤርትራ መጺኦም ዘለዉ ናይ ኤርትራ ኣምባሳደራትን ልኡኻት ሚሺናትን ኣካይድካ ብዝብል ክሲን ምስኡ ዘይተኣሳሰር ካልእ ጉዳያትን ኢዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ።
ኣምባሳደር ዓብዱ ሄጂ ዲፕሎማስያዊ ፓስፖርት ተጠቒምካ ስድራቤትካ ንወጻኢ ልኢኽካ ብዝብል ክሲ ካብ መገሻ ተኣጊዱ ምጽንሑ ሓደ ሓደ እዋን እውን ብሓይልታት ኢሚግሬሽን ካብ ኤርፖርት ክምለስ ምጽንሑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፤  ሓሓሊፉ ድማ ብዝወሃቦ ፍቓድ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክገይሽ ውን ይፍቀዶ ምንባሩ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ዓብዱ ሄጂ እዚ ቀጻዒ ፖሊሲ ዘውረዶ ስምብራት ንምግላጽ ብዙሕ እዋን ነቲ ደቁን ስድርኡን ከይረኣየ ብመስተን ብስጭትን ዝሞተ ቆንስል ሳልሕ ናውድ ብተደጋጋሚ ከም ኣብነት የልዕሎ ምንባሩ እቶም ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ምስ ኣምባሳደር ዓብዱ ሄጂ ኣብ ጉዳይ ምምሕያሽ ናብራን ምልኣኽ ስድራቤታትን ዝዘተዩ፥ ነቲ ውሳነ ሰብኣዊ ነት ዝጎደሎ ክብሉ ዝገለጹን ኣትሪሮም ዝነቐፉን  ከም ኣምባሳደር ዑስማን መሓመድ ዑመርን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ዲፕሎማሰኛታት እውን በዚ ጉዳይ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም።
ኣምባሳደር ዓብዱ ሄጂ ዝርከቦም ጉጅለ ኣብ ሆቴል እምባሶይራን ካልእ ከባቢታን ጥቡቕ ምክትታል ይግበረሎም ምንባሩን ኩሉ ናይ ቴሌፎናቶም ርክባት ጥሉፍ ሙኻኑን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ይሕብሩ።
    Print       Email

You might also like...

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ወተሃደራዊ ግጭት ይቕጽል ኣሎ።

Read More →