Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ካብ 28 ክሳዕ 30 ታሕሳስ ልዕሊ 1,300 ስደተኛታት ብሂወት ከምዘዉጽኡ ተገሊጹ።

By   /  January 1, 2017  /  Comments Off on ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ካብ 28 ክሳዕ 30 ታሕሳስ ልዕሊ 1,300 ስደተኛታት ብሂወት ከምዘዉጽኡ ተገሊጹ።

    Print       Email

ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ካብ 28 ክሳዕ 30 ታሕሳስ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ብዘካየድዎ ስርሒት ምድሓን ሂወት ኣብ`ቲ ማያዊ ኣካል ኣብ ሓደጋ ዝወደቚ ልዕሊ 1,300 ስደተኛታት ብሂወት ከምዘዉጽኡ ተገሊጹ።

እቶም መብዛሕተኦም ዜጋታት ሶማል፣ ናይጀርያ፣ ኤርትራን ደቡብ-ሱዳንን ምዃኖም ዝተነግረሎም ስደተኛታት ፥ ካብ ዘጋጠሞም ሓደጋ ምስ ወጽኡ ናብ ላምፔዱሳ ከምዝተወስዱ ዘመልከቱ ሰብ መዚ ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ፥ ዋሕዚ ናይቶም ካብ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ዓዲ ጥልያን ዘምርሑ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክውስኽ እምበር ክንኪ ይረኣ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።

ብ 27 ታሕሳስ እዉን ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ሬሳታት 11 ስደተኛታት ከምዝተረኽበ ጨንፈር ቀይሕ መስቀል  ኣብታ ሃገር ሓቢሩ ኣሎ።

ቊጽሪ ናይቶም ኣብ`ዛ ዓመት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ማያት ባእከላይ ባሕሪ ሂወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት 5 ሽሕ ሓሊፉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    Print       Email

You might also like...

    ምእንቲ ስልጡንን ሉዓላዊን ተቓውሞ

Read More →