Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ተኻሒዱ ዘይበንን መንግስታዊ ውድቀትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ዘስዓቦ ጥሜት

By   /  January 19, 2017  /  Comments Off on ተኻሒዱ ዘይበንን መንግስታዊ ውድቀትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ዘስዓቦ ጥሜት

    Print       Email

ብኣንጻር እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝህቦ ዝተጋነኑ ጸብጻባት ወይ ዝሓብኦም ሓቅታት፤  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ኣብ ዘቕረቦ ትንታነ፤ ኣብ ዓመተ 2017 ልዕሊ 2 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ረድኤት እንተዘይረኺቦም ሓደጋ የንጸላልዎም ምህላዉ ገሊጹ። እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህጻናት ናይ መግብን ቫይታምናትን ረድኤት ከምዘድልዮም፥ ፍርቂ ሚልዮን ዓበይቲ፤ ፍርቂ ሚልዮን ዝኾኑ ድማ ህጻናት ኣብ 2017 ብደገፍ ሕቡራት ሃገራት ክእለዩ ሙኻኖም ሓቢሩ ኣሎ።

ከም ወትሩ ካብ ኤርትራ ዝወሃብ መግለጺ ወይ ውን ኣሃዛት ስለዘየሎ እቲ ቁጽርታት ንምርግጋጺ ኣሸጋሪ ኢዩ፤ ምኽንያቱ ካልእሲ ይትረፍ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሑ ክንደይ ሙኻኑ ወግዓዊ መግለጺ የልቦን።

ኤርትራ እትርከበሉ ኣብ መንጎ ምድረበዳታት ዓረብን ሳሃራን ዝተቐርቀረ ኣቀማምጣ፡ ካብተን ዝደረቐ ክሊማ ዘለወ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ይገብራ። ኣብ ኤርትራ ካብ 1966 ክሳብ 2014 እንተወሓደ 12 ግዜ ደርቂ ኣጋጢሙ ኣሎ። መብዛሕትኡ እቲ ካብ 60ታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ደርቂ ኣብ ኤርትራ፡ ሰሜን ምብራቕ ኢትዮጵያን ድሩቕ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስን ብርቱዕ ጽልዋ የብጽሕ። ዝርጋሐ ዝናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ደቡብ ናብ ሰሜንን ምብራቕን እናቐነሰ ይቕጽል። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራይ ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ኣብ ሓጺር ርሕቀታት ልዑል ምቕናስ መጠን ዝናብ ይርአ። ኣብ ምብራቓዊ መታሕት ኤርትራ ዝናብ ክረምቲ ዳርጋ ፈጺሙ ስለዘየጋጥም፡ ኣብ እዋን ቀውዕን ሓጋይን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ዝብገስ ውሑድ ጠሊ ጥራይ ይረክብ። ዓመታዊ መጠን ጠሊ ኽዕቀን ከሎ፡ ኤርትራ ምስ ሳሃራ ካብ ዝዳወባ ዝደረቓ ሃገራት’ያ። ካብ ኤርትራ ንደቡብ ኣብ ዝርከቡ ክፋላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከብ መጠን ጠሊ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝዝርግሓሉ ኣዝዩ ይቕንስ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥሜት ከብጽሕ ዝኽእል ደርቂ ምስዘጋጥም፡ ኣብ ኤርትራ ማዕረ ወይ ዝገደደ ብርታዐ ደርቂ ይህሉ።

ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ውሑድ መጠን ዝናብ ነዊሕ ታሪኽ ስለዘለዎ ጓሶትን ሓረስቶትን ኤርትራ ንኣነባብራኦም ንተኽእሎ ደርቂ ክገጥሙሉ ብዝኽእል መገዲ የካይድዎ። ብርቱዕ ደርቂ ኣብ ዝህልወሉ እዋናት፡ እተን ኣብ እዋን ጠሊ ዘይትንከያ ጥሪት ተሸይጠን መግዝኢ እኽሊ ክዀና ይኽእላ። ኣብቲ እኹሉ ኣታዊ ዝርከበሉ ዓመታት’ውን እኽሊ ንንውሕ ዝበለ ኸምዘጻንሕ ጌርካ ምቕማጡ ሰረት ዘለዎ ኽፋል ባህሊ’ዩ። ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ብርቱዕ ዓጸቦ ዘስዕብ ደርቂ ኣብ ኣፈታሪኽ ብብዝሒ ይዝንተወሉ’ዩ። እቲ ዝበርትዐ ተባሂሉ ዝሕሰብ ኣብ እዋኑ ቅርጺ ሕብረተሰብ ናብ ምዕናው ዝተደናደነ ከምቲ ዘመን ኣካሒዳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ 1890ታት ደርቂ ኣብ ሓባራዊ ተዘክሮ ኤርትራውያን ዝለዓለ ቦታ ኻብ ዝሓዙ’ዩ። ብፍላይ ካብ 1974 ክሳብ ሕጂ ዘጋጠመ ተደጋጋሚ ደርቂ፡ ንማህሰይቲ ኲናት ዘጋድድ ኣጋዳዲ ስደት ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

ምስቲ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ኢትዮጵያ ዘሎ ልዑል ጻዕቂ ህዝቢ ክራኣአ ኸሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጻዕቂ ህዝቢ ስለዝውሕድ’ውን፡ ተመሳሳሊ ደርቂ ኣብ ዘጋጥመሉ እቲ ማህሰይቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈኹሰ ክመስል ይኽእል። ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ዓመት ክልተ ወይ ሰለስተ ሳዕ ክደጋገም ዝጸንሐ ደርቂ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘፍሽሎ ማሕበረቑጠባዊ ቅርጺ ተዳልዩሉ ዝነበረ’ዩ። ምስቲ ካብ 1960ታትን 1970ታትን ዘጋጠመ ብርቱዕ ዋሕዚ ስደት፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት እናተቐመጡ ዝሰርሑ ኤርትራውያን ስለዝበዝሑ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ደርቂ ዘጋጥም ቁጠባዊ ጸቕጢ ኽርአ ኸሎ፡ ኣበርክቶ ስደተኛታት ብርኡይ ከፋዅሶ ዓቕሚ ኔርዎ።

ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ኣብ 1990 ዘጋጠመ ብርቱዕ ደርቅን ዝሰዓቦ ጥሜትን’ዩ ዝደመቐ ተዘክሮ ዘለዎ። ኣብ 1990 ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ጥሜት፡ ካብ መፋርቕ 1970ታት ክሳብ’ቲ ግዜ ብዘይዕረፍቲ ብዋሕዲ ዝናብን ብመግዛእትን ኲናትን ክህሰ ዝጸንሐ ህዝቢ፡ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝጻወረሉ መደገፍታታት ረቒቕዎ ስለዝነበረ’ዩ። ናይቲ እዋን ደርቂ ዝያዳ ሓደገኛ ዝገበሮ መኽንያት ባህላዊ ማሕበረቑጠባ ሕብረተሰብ ተሃስዩ ስለዝነበረ’ዩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ 1993፡99፡ 2005፡ 2008ን 2015ን ዘጋጠመ ደርቅን ዘስዓቦ ጥሜትን ብዝግባእ ኣይተዘርበሉን። ኣብዚ እዋን እዚ ጥሜት ከጋጥሞ ኢዩ ተባሂሉ ብዩኒሰፍ ዝግለጽ ዘሎ ኣሃዛት ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ዝኸፍአ’ዩ። ክሳብ’ዚ ዓመት ብተደራራቢ ዓመጻት ዘለዎ ነጊፉ፡ ብዛዕባ ዝበልዖ ክሽገር ክነብር ተቐሲቡ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ኣብ ተዘክሮ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝበርትዐ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ናይ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይነት ሓገዝ ፡ በዚ ዓቕሙ ረቒቑሉ ዘሎ እዋን ክጻወሮ ፍጹም ክሽገር’ዩ።

እዚ ንመላእ ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃ ዝሃሲ ዘሎ ዘይእኹል ቀረብ ንሚልዮናት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ከውድቕ’ዩ ዝበሃል ዘሎ። ኣብዚ ዝተዳኸመ ቑጠባ ኤርትራን፡ ኩሉ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣዋህሊልዎ ዝነበረ መሓለውታ ካብ ዝጽንቅቕ ዓመታት ኰይንዎ ዘሎ ሕብረተሰብ፡ ኣብዛ ዓመት ንዘጋጥም ጥሜት ክሰግሮ ኽሽገር’ዩ። ኣብ ኤርትራ ነቲ ማሕበረቑጠባዊ ጸገማት እናፈጠረ ብምስዋር ኣብ ስልጣን ዝጸንሕ ዘሎ ጉጅለ፡ ንነዊሕ ዓመታት ንሓቂ ብድፉኑ ብምኽሓድ ስለዝለመደ፡ ንህዝቢ ደገፍ ክዀኖ ዘይሕሰብ’ዩ። ደገፍ እንተዘይተረኽበ፡ ህዝቢ ደገፍ ከምዘድልዮ ክሕብር ዘይደልን፡ ነቶም ፈሊጦም ክሕግዙ ዝደልዩ ኣዋሪዱ ዝሰጉጕን ስርዓት’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ መሊኽዎ ዘሎ ስርዓት ጽቡቕ ነገር ዘይጽበ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን ብጥሜትን ዋሕዲ ቀረብ ማይን ይህሰ ኸምዘሎ ዝነገረሉ ይደሊ ኣሎ። እንተወሓደ ኣብዚ ዓመት’ዚ ናይ እኽሊ ረድኤት ክኣቱ እንተተፈቒዱ፡ ህዝቢ ንግዚኡ ኽረጋጋእ ይኽእል’ዩ። ካብዚ ወቕቲ’ዚ ጀሚሩ ብህጹጽ ረድኤት እኽሊ እንተዘይረኺቡ ግን፡ ኣሽሓት ናብ ወጻኢ ምስዳድ ክቕጽልዎ ምዃኖም ርዱእ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ኣታዊ ዝረኽቡ ዕሱባት፡ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ደሓን ከምዘሎ ይሕብሩ ኣለዉ። ምዕባለ ከምእተመዝግብ ዘላ ኢትዮጵያ 15 ሚልዮን ካብ ህዝባ ይጠምዩ እናተባህለ፡ ኣብ ኤርትራ ወረ ጥሜት የለን ብምባል፡ ንህግደፍ ይውድስዎ። ነዚ ከም መርኣያ መንፍዓት ህግደፍ እናቕረቡ፡ ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝብሃል ኩሉ ጸገማት ሓሶት ምዃኑ ንዓለም ከረድኡ ይፍትኑ ኣለዉ። እንተዀነ፡ እቶም መዓናጡኦም ብጥሜት ካብ ዝቝንጦ ዓመታት ሓሊፍዎ ዘሎ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዜጋታት ስለዝጸገቡ ዘይኰነ፡ እቲ ጸገም ክሕባእ ስለዝተደልየ’ዩ ኣብ ኤርትራ ጥሜት ከምዘሎ ወረ ዘይተሰምዐ። ጸገሙ ዘይተነግረሉ ህዝቢ፡ ጸገም የብሉን ክብሃል ከሎ ድርብ ወጽዓ’ዩ። ይነገር ኣይነገር፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ዘሎ ደርቂ ክንዲ ዓቕሙ ኻብ ህዝቢ ክሃሲ’ዩ።

ነዛ ብኣዝዩ ተኣፋፊ ክሊማዊ ኤልኒኖ እትጉዳእ ዘላ ሃገር ይመርሓ ኣለኹ ዝብል ስርዓት ህግደፍ፡ ክሳብ ሕጂ ምስ ተደጋጋምነት ደርቅን ጥሜትን ዝኸይድ ስትራተጂ ኣይሓንጸጸን ዘሎ። ብተርታ ሓደጋ ኽርአ ኸሎ፡ ድሕሪ ኲናት ኣብ ኤርትራ ዝበርትዐ ልሙድ ሓደጋ ክሕሰብ ዝኽእል ደርቂ’ዩ። እተን ሒደት ብስም ውሕስነት መግቢ ዝተሰርሓ ዲጋታት ንኣብነት፡ ካብ ኣታዊአን መዐርየን ዝበዝሕ ኰይነን፡ ክሳብ ሕጂ መጠኑ ዝሓለወ ሕርሻ ኣይካየደልንን’ዩ ዘሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ልዕሊ 200 ሚልዮን ዩሮ ክቕበል ሃንደበት ምልማን ክኢልዎ ዝጸንሐ እንተቐጺሉ፡ ነዞም ጥሜት ዘንጸላልዎም ዘሎ ኤርትራውያን ጽቡቕ ነገር ክኸውን ይኽእል’ዩ። ህግደፍ ረድኤት ኣይንደልን እናበለ፡ ንህዝቡ መመሊሱ እናድከየ ክእውጆ ዝጸንሐ ምስሩሕ ጥሜት፡ እዚ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ተወሲኽዎ ዝኸፍአ ሓደጋ ኸስዕብ’ዩ። እዚ ሓድሽ ረዲኤት ሃቡና ዝብል ቃና ካብ ጥረ ገንዘብ ሓሊፉ መግቢ ዘጠቓልል እንተዀይኑ ግና ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ካብ ዓጸቦን ስደትን ምኸኣሉ። ትማሊ ካብ ኢዱ ኸግድፍዎ ዝጸንሑ፡ ብጽቡቕ ዕላማ ተበጊሶም ክበልዕ ክርእይዎ ስለዘይክእሉ ነዚ ኸጋጥም ዝኽእል ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ህዝቢ ኤርትራ ብድገን ብውሽጥን እናተደጋገፈ ክሓልፎ ክምድብ የድልዮ ኣሎ። ንጥሜት ቅድሚ ዓመታት ጀሚርዎ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዓጸቦ’ውን እናተሓጋገዘን ብልሓታቱ እናራቐቐን ክሓልፎ ካብ ሎሚ ክዳሎ ይግብኦ።

 

    Print       Email

You might also like...

ምስ ቻይና ዝግበር ዘሎ ናይ ወርቂ ዕደና ስምምዓት ዳርጋ ንሃብቲ ናይ ኤርትራ ብነጻ ቻይና ክትወስዶ ዘፍቅደላ ውዕላት ይኸውን ምህላዉ ተሓቢሩ። 

Read More →