Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ብ3 ጥሪ 2017 ኣብ ከባቢ ዓዲተኽላይን ደንበ ሕምብርትን ኣብ መንጎ ሓይልታት ስለያ መንግስትታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ንኣስታት 3 ሰዓታት ዝቐጸለ ውግእ ከምዝተኻየደ ምንጭታት መድረኽ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓቢሮም።

By   /  January 5, 2017  /  Comments Off on ብ3 ጥሪ 2017 ኣብ ከባቢ ዓዲተኽላይን ደንበ ሕምብርትን ኣብ መንጎ ሓይልታት ስለያ መንግስትታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ንኣስታት 3 ሰዓታት ዝቐጸለ ውግእ ከምዝተኻየደ ምንጭታት መድረኽ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓቢሮም።

    Print       Email

ብዕለት 3 ጥሪ 2017 ኣብ ከባቢ ዓዲተኽላይን ደንበ ሕንብርትን ኣብ መንጎ ሓይልታት ስለያን ምልሽያን መንግስትታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ንኣስታት 3 ሰዓታት ዝቐጸለ ውግእ ከምዝነበረ ምንጭታት መድረኽ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓቢሮም።

እቲ ሰሉስ ካብ ሰዓት ሓሙሽተ ወጋሕታ ክሳብ ሰዓት 8 ረፋድ ዝተኻየደ ውግእ መንቀሊኡ እንታይ ሙኻኑ እኳ እንተዘይተፈልጠ፤  ብልሙድ ኣብ ድሮ ወይ ጽባሕ ሓድሽ ዓመት ተመሳሳሊ ንኡስ ውግኣት ኪካየድ ምጽንሑ  ምንጭታትና ገሊጾም።  ኣብቲ ውግእ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ 3 ስዉኣትን ብርክት ዝበሉ ውጉኣትን ካብ ዕቑር ሰራዊት ምንባሩ፤  ብወገን መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝነበረ ጉድኣት ግን ዛጊት ክርከብ ከምዘይተኻእለ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ሓቢሮም።

ብሰንኪ እዚ ናይ ዕለት 3 ውግእ ኣብቲ ከባቢ ነቒጹ ዝነበረ ዘራእቲን ሳዕርን ከምእተቓጸለ፤ ነበርቲ ሻምብቆን ሽላሎን ድማ ካብ ዓድታቶም ንግዚኡ ከምእተፈናቐሉ ተገሊጹ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብመንገዲ 03 ( ክንዛሕ ዝደልዮ ዘይወግዓዊ ወረ ዝብትነሉ ኣገባብ ) ደጊም ዝኣክል ደገፍ ረኺብና ኢና መሬትና ንምምላስ ውግእ ክንከፍት ኢና ዝብል ወረ ዘርጊሑ ምቕናዩ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፤ ኣብ ባይታ ዝኾነ ናይ ውግእ ምድላዋት ዝመስል ተግባራት ከምዘይተራእየ ይፍለጥ።

    Print       Email

You might also like...

ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጥቓ ቤተ ክርስትያን እንዳስላሰ ዝጸንሐ ዕዳጋ ኣሕምልቲን ሽጉርቲ ኮሚደረን ብኣባላት ጸጥታን ወተሃደራት ከተማን ከምዝድምሰስ ጌሩ

Read More →