Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ክብእስ እምበር ክመሓየሽ ከምዘይኮነ፤ ኩሎም ምልክታት ሓዳሽ ዓመተ 2017 ደጊሞም የረጋግጹ ኣለዉ።

By   /  January 25, 2017  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ክብእስ እምበር ክመሓየሽ ከምዘይኮነ፤ ኩሎም ምልክታት ሓዳሽ ዓመተ 2017 ደጊሞም የረጋግጹ ኣለዉ።

    Print       Email

ግዜ ባህርያዊ መስርሑ ከይቀየረ ካብ ካልኢት ናብ ዓመት ተሃኒጹ ዋሕዙ ይቕጽል። ባህርያውን ስብ ሰርሖን ታሪኽ ድማ ኣብ ነብስወከፍ ሰከንድ መስርሑ እንዳቐየረን ፍጻሜታት እንዳፈጠረን፤ ኣብ ውሽጢ ግዜ ይጓዓዝ። ኣብ ጉዕዙኡ፤ ምህዞ፤ ፈጠራ፥ ምምሕያሽ፤ ምብኣስ፥ ምዕባለ፥ውድቀት፥ ገስጋስ፥ ኣብ ዘለኻዮ ደው ምባል፥ ዝርከብዎም ክስተታት የአንግድ። ነቲ ዝሰርሖ ታሪኽ እንዳሰነደ ድማ ምስ ግዜ እንዳተጓዕዘ ነቲ ሓድሽ ታሪኽ ይሰርሕ።

2017 ኣትዩስ ድሮ ሓደ ወርሒ ይለዓሎ ኣሎ። ኣብ ዓለም ብዙሓት ምዕባለታት ይኽሰቱ ኣለዉ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቃለማሕላ ፈጺሙስ ዕማሙ ጀሚሩ ኣሎ። ሽሕ’ኳ ከምቲ ኣብ ጽባሕ ናይ ቃለ ማሕልኡ ዝተራእየ ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘረጋገጾ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት እንተዘይፈተዉዎ፥ ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ልዕሊ ምብሃግን ዘይምብሃግን ዝሰርዕ ስርዓት ስለዘሎ ግን ስልጣኑ ተረኪቡ ኣሎ። ፕረዚደንት ኦባማ ሽሕ’ካ ህዝቢ ንሳልሳይ ክፍለ ግዜ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝብህጎ እንተነበረ፤ ብመሰረት ዓንቀጽ 22 ቅዋም እታ ሃገር ልዕልና ሕግን ዲሞክራስያዊ መስርሕን ንምኽባር ካብ ስልጣኑ ወሪዱስ ነቲ ብክለሰ ሓሳብን ሰልፍን ዘይሰማመዖ ትራምፕ፤ ፍልልያቱ ኣኽቢሩ ልሙጽ ምስግጋር ጌሩሉ።እዚ መስርሕ እዚ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ስለዝነፍዐ ወይ ውን ሓደ ስለዝጸደቐ ዘይኮነስ፤ ሃገር ብቕዋምን ብልዕልና ሕግን ዘመሓደር ትካላዊ ስርዓት ስለእትውንን ኢዩ።

ኣብ ኤውሮጳ ውን ብዘይካ እቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈጸሙ ምርጫታት፤ ኣብ ከም ሃገራት ጀርመን ፈረንሳ ዝግበሩ ዴሞክራስያዊ ምስግጋር በትረ ስልጣን ብሕጂ ክህልዉ ኢዮም። ኣብቶም ምርጫታት መን ይስዕር ብዘየገድስ ካብ ሕጂኡ ጀሚሮም ሓደ ኣረጋጊጾም ዝፈልጥዎ ነገር እንተሎ፤ ብዴሞክራስያዊ ድምጺ፤ ብድሌት ናይ ህዝቢ  ሓደ ስርዓት ብካልእ ስርዓት ክትካእ ሙኻኑ ኢዩ። ነዞም ልዕልና ሕጊን  ምርጫታትን ንምስትምቓር ዝተዓደሉ ኣህዛብ ድማ ፍረ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክርእዩ ዝበቕዑ ኢዮም።

ናይ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ርሑቕ ኣብነት ዝሕሰቡ ተኾይኖም፤ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ዚካየዱ ፖለቲካዊ ምርጭታት ምዝርዛር ዝከኣል ኢዩ። ኣብ ዓመተ 2017 ኣብ ኣልጀርያ፤ ኣንጎላ፤ ጫድ ፥ ኮንጎ ፥ ጋምብያ (ፓርልያመንታዊ ምርጫ ሙኻኑ’ዩ) ኬንያ ወዘተ ህዝቢ ብዘለዎ ናይ ሱታፌ መሰል፤ ነቲ ዘይኣመነሉ ሰልፊ ወጊኑ፤ ነቲ ዘነባብሮ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክመርጽ ኢዩ። ኣብታ ብብዙሓት ‘ውድቕቲ ሃገር’ እትበሃል ሶማልያ ውን ፕረሲደንታዊ ምርጫታት ኪግበር ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝኾነ ምንቅስቓስ ዘየርኢ ኮይኑ ስለዘሎ ምልክታቱ ምብልሻው ኢዩ። ከምቲ ዘይንቀሳቐስ ዕቛር-ማይ ብሰበባ ዝጉባእ; እቲ ዝኾነ ዳይናሚዝም ዘይብሉ ናይ ኤርትራ ኩነት ውን; ሰበብኡ ጥራይ ኢዩ ዝሓፍስን ዝዓቢን ዘሎ። ኩነታት ህላወ ህዝቢ ኤርትራ ክብእስ እምበር ክመሓየሽ ከምዘይኮነ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራ ካብ መቕድም ሓድሽ ዓመት ዝጀመረ ዘሕዝን ፍጻሜታት ርኡይ ሓባሪ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት፤ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም እሱራት ይፍትሑሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፤ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ታሕሳስ 24 ክሳብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ሰፊሕ ማእሰርቲ ቀጺልዎ። ናይ ሓድሽ ዓመት ሪቺ ይትኮሰሉ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ብዙሓት መንእሰያት ብኣባላት ጸጥታ ተኣሲሮም ናብ ጎዳጉዲ ጸልማት ከምእተደርበዩ ምንጭታት መድረኽ ካብ ኣስመራ ይሕብሩ።

እቲ ስርዓት ኣብ ከባቢታት ጎዳይፍ ሓይልታት ጸጥትኡ ኣዋፊሩ፤ማዕጾ መንበሪ ገዛውቲ ሴሩ ብምእታዉ፤ ‘ናብቶም ኣነ ዘየፍቀድኩልኩምን ዘይፈትዎምን ኣማልኽቲ ጸሊኹም’ ኢሉ ብዙሓት ሰባት ኣሲሩ። በዚ ተግባራቱ ኣቢሉ ድማ ናይ 2017 ገጸበረኸቱ ማእሰርትን ምስዋርን ምኽትካትን ሙኻኑ ብዕሊ ነጊሩ።

ወርሒ ጥሪ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ባህታን መርዓታትን ወርሒ ጌሩ ኢዩ ዝርእያ።ብኽቱር ሆይሆይተኣ ጥሪ ዕብዲ ኢሉ ውን ይጽውዓ።  መንግስቲ ኤርትራ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ዘጉሂ ነገር እንታይ ኣሎ ኢሉ ክሓስብ ድቃስ ዘይብሉ ዝሓድር ኢዩ ዝመስል። ኮይኑ ድማ ነዛ ናይ ኣበባን ደርዓን ወርሒ እውን ሓደ ንህዝቢ ዘሕርቕ ሓድሽ ፈጠራ ሒዙ መጺኡ። ኣብ ጥሪ ኩሎም ዝምርዓው ሰባት ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተዘይገይሮም ቃል ኪዳን ምእሳር ደው ከብሉ፤ ንምምሕዳር ከተማ ኣስመራ፤ ንካህናትን መሻይኽን ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ኣድባራትን ተሪር መምርሒ ኣመሓላሊፉ። ንስኻ ተመርዖ ንስኺ ጽንሒ ክብል ጀሚሩ ዘሎ መንግስቲ በዚ ኣገባብ እንተቐጺሉ ንስኺ ጥነሲ ንስኺ ይጽናሓልኪ፤ ንስኺ ድሕሪ ክንድዚ ኣዋርሕ ሕረሲ ናብ ዝብል መንገዲ ኪኸይድ ዝኽልክሎ ነገር ክህሉ ዝከኣል ኣይኮነን።

እቲ ክነብር ዘይተፈቐዶ ህዝቢ ኤርትራ፤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘየቋርጽ ስቅያቱ፤ ኣበባን ሓጎስን ውላድን ደቁ ከይርእይ ተኾኒኑ ኣሎ። ንህዝብኻ መርዕኡን ኣበብኡን ከየስተማቕር ካብ ምእጋድ ዝዓቢ ሳዲዝም ድማ ከቶ ክህሉ ኣይክእልን።

ጎኒ ጎኒ እዚ ብኣረመንነት ጥራይ ክግለጽ ዝኽእል ኣዋጅ፤ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፤ዳይረክተራት፤ ተዋሳእቲን ኣፍረይትን ፊልም ምእሳር ኣብ ወርሒ ጥሪ 2017 ኢዩ ክፍጽሞ ወሲኑ። 2017 ኣብ ቀዳማይ ወርሓ ኣብ ኤርትራ ዝመሓየሽ ነገር ክህሉ ከምዘይኮነ ነጊራ ኣላ። በዚ ዘየተስፉ ተግባራት ድማ ኣብ ኤርትራ ምህላው ማለት ብዓመጽቲ መምርሒታት ተሓኒቕካ ምንባር ሙኻኑ (እዚ ውን ዕድለኛ እንተኾንካ ማለት ኢዩ)፤  እንተዘይኮይኑ ድማ ዕጫኻ፤ መዓስን ስለምንታይን ኣበይን ብዘይፍለጡ ዓፈንቲ ተጨዊኻ ምስዋርን ምእሳርን ሙኻኑ ተራኢዩ ኣሎ።

ድሕሪ’ዚ ዘየቋርጽ ማእሰርትን ግፍዕታትን፤ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ካልእ ኣማራጺ፤ ካብታ ብሰላምን ቅሳነትን ክነብረላ ዝተኸልከለ ሃገሩ ምንፋጽ ጥራይ ሙኻኑ ኣብዛ ሓዳሽ ዓመተ 2017 ዝተራእዩ ብዙሓት ክስተታት የረጋግጽዎ ኣለዉ። እቶም ናብ ሱዳን ዝውሕዙ ዘለዉ ኣባላት መበል 30 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፤ ኣቶም  ናብ ኢትዮጲያን ሱዳንን ዝፈልሱ ዘለዉ ኣሽሓት መንእሰያትን፤ ህዝቢ ብዘይካ ካብታ ሃገር ምንፋጽ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ኮይኑ ምህላዉ ዘረጋግጹ ሓቅታት ኢዮም።

ስደት ኤርትራውያን ግን ምስናይ ስቅያቱን ዓመጹን ኢዩ። ኣብ በረኻታት ሊብያ ዘሎ ከርተት፤ ኣብ መኻዚኖታት ኣብያተ ማእሰርቲ ግብጺ ዘሎ ምቕጥቓጥ፤ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ህልቂት ድሮ እዛ ወርሒ ጥሪ ናይ 2017 ደጊማ ኣረጋጊጻቶ ኣላ። ቀዳም 14 ጥሪ 2017 ብዙሓት ካብኣቶም ኤርትራውያን ሙኻኖም ዝተረጋገጹ፤ ልዕሊ 200 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ኣለዉ። ምስታ መርከብ ጥሒለን ዝሞታ ብስራት እተባህለት ሕጻን ምስ ኣዲኣ ሰላም ምልክት ናይቲ ዝጸንት ዘሎ ሰለስተ ወለዶታት ኢየን።

እቲ ዘይተቐየረ ነገር ግን እዚ ዘየቃርጽ ምጥሓል ኣብ ባሕርን ምጥፋእ ኣብ ምድረበዳታትን ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ዘይተቐየረ፤ እቲ ሳዲዝምን ባርባራውነትን ናይ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ኢዩ። ኣብዛ ብዓሰርተታት ኤርትራውያን ዝሃለቑላ ዕለት፤ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፤ ጓይላታት ተኺሎም ክስዕስዑ ተራእዮም። ነቶም ‘ሰብ ኣብ ባሕርታት እንዳሃለቐ ክትድግሱ ጽቡቕ ኣይኮነን ሕልና ግበሩ’ ዝበልዎም ግዱሳት ዜጋታት፥እቶም ደገፍቲ መንግስቲ ‘መን ብባሕሪ ተጓዓዙ ኢልዎም፥ ፍትሓት እውን ኣይግበኦምን ኢዩ’ ዝብል ዘስካሕክሕ መልሲ ክህቡ ተራእዮም ኣለዉ። ንመንግስቲ ኤርትራ እቶም ዝጠሓሉ ዜጋታት ህይወቶም ዋጋን ሚዛንን ዘይወሃቦ፤ ‘ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት’ ስለዝኾኑ ከም ሰብ፤ ከም ትንፋስ እውን ኣይዘከሮምን።

ኣብ 2017 ድሮ ዘሰንብድ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ጉዳይ ብልሽውና ኢዩ። እዚ ንኤርትራ ናብ ጸድፊ ዝመርሓ ዘሎ ጉዕዞ ብልሽውና ደረቱ ዝሓለፈ እንዳኾነ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ምሃብን ምቕባልን ብላዕ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ፤ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ሓለፍቱን ዘሎ ብልሽውና፤ ኣብ ታሪኽ ሃገርና  – እንተላይ ኣብ መግዛእታዊ ታሪኽ ኤርትራ – ተራእዩ ዘይፈልጥ ጽፍሒ ዓሪጉ ኣሎ።

ብዘይካ ኣዚዮም ውሑዳት ብሕልና ዝምእዘዙ ደያኑ፤ እቶም ዝበዝሑ ‘ሞያውያን ፍትሒ’ ንፍርድን ዳንነትን ብገንዘብ ይሸጡን ይልውጡን ምህላዎም፤ ብዙሓት መሰኻኽር የረድኡ። ፍርዲ ብገንዘብ ምግዛእ፤ ቅድሚ ብይን ኣብ ዘሎ ድሮታት ብጋህዲ ውሒዱ ወስኽ ውረድ ደይብ ዝብል ዕዳጋ ብይናት ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ካልኦት ትካላት መንግስቲ እውን እንተኾነ፤ ዝኾነ ኣብ መንግስታዊ ቤትጽሕፈት ዝካየድ ጉዳይ ብብላዕን ቅርበትን ሙኻኑ ህዝቢ ፈሊጡስ ቅድሚ ጉዳዩ ምፍጻም መን ንመን ይፈልጥ ምጽናዕ ስረሐይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ኣሎ። ኣብ ኮሚሽን ስፖርትን ባህልን ዘሎ ዝመሽመሸ ብልሽውና፤ ከምኡውን ብስም ኢጣልያውያን ጎስት ኩባንያታት ዝግበር ብኣዚዮም ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝግበር ዘሎ ስርቅን ሃነፍነፍን፤ ናይቲ ኣብ ጫፍ በጺሑ ዘሎ ምብልሻው መርኣያ ኢዩ።

ብስም ብልሽውና ኣብ ኤርትራ ዝቕየዱ ሰባት ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ዝርከቡ ጥራይ ኢዮም። ኣብ ኤርትራ ብልሽውና ናይ ፖለቲካን ጸጥታን ጉዳይ እምበር ናይ ጽሬትን ቅንዕናን ጉዳይ ኮይኑ ኣይረአን።  ብልሽውና ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ጥራይ ብሙኻኑ ድማ መንግስቲ ንገለ ሓለፍቲ ነገሮም ኣብ ዝደለየሉ እዋን፤ ወይ ውን ተቓውሞ ዝመስል ኣብ ዝጅምሩሉ እዋን ጥራይ ኢዩ ንምቕንጻሎም ናይ ብልሽውና ካርታ ዘልዕል። ብልሽውና ዕላማ ነይሩ እንተዝኸውን እቶም ህዝብን መንግስትን ዝፈልጦም ዕሉላት ብልሹዋት ተዛንዮም ክነብሩ ኣይምኻኣሉን። እቲ ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ሚልዮናት ዶላር ዘኻዕብተ ጀነራል ፍሊጶስ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ምጽራይ ብልሽውና ተባሂሉ ምምዛዙ ድማ ንዝብኢ ናይ ኣባጊዕ ጓሳ ጌርካ ከም ሙሻም ዝቕጸር ኢዩ።

ብሰንኪ እዚ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ትካላዊ መልክዕ ሒዙ ዘሎ ብልሽውና፤ ኣብ ኩሉ መዳያት ድኻን ሰብ ዘይብሉን ግዳይ ኪኸውን ከሎ ሃብታምምን በዓል ግዜን ዝደለዮ ጉዳይ ኣብ ዝደለዮ እዋን የፈጽም ኣሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ 2017 ብልሽውና ዝበኣሰ ኪኸውን ሙኻኑ ርኡይ ምልክታት ኣለዉ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2017 መርመርቲ ዓዲ ኣቤቶ ዝነበሩን ገለ ኣባላት ፖሊስን ተኣሲሮም ኣለዉ። እቶም እሱራት ቀንዲ ገበኖም ካብቲ ሓለፍቶም ኣቐምጥዎ ዝበልዎም ገንዘብ ስለዝሰረቑ ኢዩ። ብሓጺሩ ገበኖም ካብ ሰራቒ ብምስራቖም ኢዩ እምበር ንህዝቢ እሙናት ብዘይሙኻኖም ኣይኮነን። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብፍላይ ኣብቶም ብጀነራል ፍሊጶስ ዝመሓደሩ ሰባት ክእሰሩን ክፍትሑን ዘሎ ናይ ገንዘብ ዋጋዕዳጋ ንምእማኑ ዘጸግም ሙኻኑ ብዙሓት መሰኻኽር ይዛረቡ።ኣብ ቅንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ሓደ ናይ ጠላዕ ቁማር፤ ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ሓንቲ ለይቲ 100 ሽሕ ናቕፋ ከምዝተበልዐ ይሕበር። ኣጠፋፍእኡ ከምዝሕብሮ፤ እዚ ገንዘብ እዚ ብረሃጽ ዘይኮነስ ብብላዕን ፍትሒ ምጉዕጻጽን ዝተረኸበ ኢዩ። እዞም ለምቅነ ተኣሲሮም ዘለዉ እምበኣር ካብቲ ተረፍ መረፍ ብዘይፍቓድ ስለዘልመመጹ ኢዮ።

(ሬድዮ መድረኽ ዝፍጸሙ ዘለዉ ገዚፍ ብልሽውናታ ብዝምልከት ዝርዝር ጉዳያትን ኣስማትን ዝርከቦ ናይ ስእልን ድምጽን ሓበሬታን ጭብጥታትን በጺሕዎ ኣሎ ከከም ኣድላይነቱ ክዝርጋሕ ሙኻኑ ድማ ነፍልጥ።)

ኩሎም እዞም ዘስካሕክሑ ሓቅታት ምልክታት ናይቲ ክቕየር ተስፋ ዘይብሉ ኩነታት ኤርትራ ኢዮም። ሰባት ከከም እቲ ሓላፊ ዝጸልኦም ብዘይፍርዲ ምእሳር፥ ህዝቢ ኣብ ዓዱ ምንባር ስኢኑ ናብ ባሕርታትን ጣሕርታትን ሃጽ ምባሉ፥ ስርቅን ብልሽውናን ማዕረቲ ምእሳርን ምክልባትን ምብርካቱ፥ ኤርትራ እትጎዓዞ ናይ ዘላ ጎደና ጥፍኣት ሓበርቲ ምልክታት ኢዮም።

በዞም እንዳገደዱ ዝኸዱ ዘለዉ ዘስካሕክሑ ተርእዮታት፤ ህዝቢ ኤርትራ መንብሩኡ ክሓስም፥ ተኸሊእዎ ዘሎ ሓርነትን ቅሳነትን መመሊሱ ብዝበኣሰ ኪኽላእ ሙኻኑ ርዱእ ኮይኑ ኣሎ። ኣብያተ ትምህርቲ ዘይኮነስ፤ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝሃንጽ ዘሎ ስርዓት፤ ዝመሃሩ ዘይኮነስ ዝእሰሩ ህዝቢ ከናዲ ሙኻኑ ግሁድ ኢዩ። እዚ ዑደት ናይ ዓመጽ ደው እንተዘይሉ ድማ፤ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሓሰመ መልክዑ ኪቕጽል ኢዩ።

ነዚ ስቓይ ንምዕጋት ዝግባእ ስጉምቲ ክወስድ ዝግበኦ መላእ ህዝቢ ኢዩ። ካብኡ ንናብኡ ግን፤ እቲ ናይ ለውጢ መሪሕ ኪኸውን ዝግበኦ መንእሰይን፤ እቶም ንህላወን ሉዓላውነትን ኤርትራ ከውሕሱ ዝግባእ ጥሪ 21 ሓላፍነት ዘሰከመቶም ሓልይታት ምክልኻልን ኢዮም።

ታሪኽ ከምዘረጋገጾ ንመዋእል ዝነብር ዓማጽን ዓመጽን የለን።  ናይ ሮማንያ ቻውቸስኮ ምስናይ ሓጺናዊ ፖሊሳዊ ስርዓቱ፤ ናይ ጀርመን ሃጸይ ከይሰር ዊልያም ምስ ንጉሳዊ መርበባቱ፥ ናይ ካምቦዲያ ፖል ፖት ምስናይ ኣረመናዊ ቀታሊ ባህርያቱ፤ ብደማዊ ኒኮላስ ዝፍለጥ ናይ ሩስያ ኒኮላስ ካልኣይ ምስናይ ዓሌታዊ ኣህላቕነቱ፤ ስርዓተ ባርነት ዘስረጸ ናይ ቤልጁም ሊዮፖልድ ካልኣይ ምስናይ ጊልያዊ ስርዓቱ፤ ብዓቢኡ ድማ ናይ ጀርመን ኣዶልፍ ሂትለር ብውርደትን ሕስረትን ኢዮም ተጸሪጎም። ኣብ ስልጣን ከለዉ፥ ምስናይ ዘግባዕብዕ ኣጣምተኦምን ወተሃደራዊ ኣልባሳቶምን ደሃሊ ሸነባቶምን፤ ዝድፈሩ ዘይመስሉ ዝነበሩ ምልካውያን፤ መወዳእትኡ ኣብ ብርኪ ህዝቦም ኢዮም ሰጊዶም።

ኣብ እዋን ዕርበቶም እቶም መለኽቲ ገለን ተንበርኪኾም ለሚኖም፤ ገለን ህላዊኡ ዝኽሕዱ ንዝነበሩ ኣምላኽ ክምሕጸኑ ተራእዮም ኢዮም። ይትረፍ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባዕሉ ዓጽመ-ስግኡ ወዲኡ ቦኽቢኹ ዘሎ ናይ ዓመጽ ትካላት፤ ኣብዞም ብዓቕሞምን ሓይሊ ደገፍቶምን ዝምከሑ ዝነበሩ ናይ ትዕቢት ስርዓታት ዝተራእየ ናይ ውድቀት ቅልጣፈ ድማ፤ ኤርትራውያን ምልኪ ጸሪጎም ነበረ ኪገብርዎ ሙኻኖም ናይ ታሪኽ ተመኩሮ ኢዩ።

 

 

    Print       Email

You might also like...

 ምውጻእ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስን ዝነበረ መስርሕን

Read More →