Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ፤ መረጋገጺ ኣገልግሎት ንዘየምጽኡ መንእሰያት፤ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ቃል ኪዳን መርዓ ከየእስራ ኣዚዙ።

By   /  January 23, 2017  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ፤ መረጋገጺ ኣገልግሎት ንዘየምጽኡ መንእሰያት፤ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ቃል ኪዳን መርዓ ከየእስራ ኣዚዙ።

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኣሃዱታቶም ወይ ምምሕዳር ዞበኦም ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝፈጸሙ፤ ኣብ ኣሃዲታቶም ድማ ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ከምዘለዉ ዘረጋግጽ ወረቐት እንተዘየምጺኦም ቃል ኪዳን መርዓ ከየእስሩ ንኣብያተክርስታናትን መሳጊድን ኣድባራትን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። ኩሎም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዞባ ማእከልን ዞባ ደቡብን ዝርከቡ ክፍልታትን እውን ኣገልግሎት ናይ ዘይገበሩ ዜጋታት መርዓን ምስክር ቃልኪዳንን ከየፍቅዳ ትእዛዝ ኣተቐቢለን ኣለዋ።

እቲ መምርሒ ወላ እቶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙ ካብ ኣሃዱኦም ከምዘይኮብለሉን ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ምህላዎምን ካብ ፐርሰነል ክፍለሰራዊቶም  መሰነይታ ወረቐት እንተዘየምጺኦም ስነ ስርዓት መርዓ ክገብሩ ከይፍቀዶም ዝእዝዝ መምርሒ ተመሓላሊፉ።

እዚ መንእሰያት ብዘይ ፍቓድ ስነስርዓት መርዓ ከይፍጽሙ ዝብል መምርሒ ብምምሕዳራት ብጥቡቕ ይስረሓሉ ስለዘለዉ፤  ብርክት ዝበሉ ካብዞም ኣብ ጥሪ 2017 ዝተኻየዱ መርዓታት ብዘይ ወረቐት ቃልኪዳን ይካየዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።

እቲ መምርሒ ንኩለን ኣገልግሎት ዘይገበራ ደቀንስትዮ ካብ መርዓን ደርዓን ወጊድካ ብዘይ መርዓ ከምዝበልያ ንምግባር ዝዓለመ ኮይኑ፤ ነቶም ካብ ኣሃዱኦም ‘ኮብሊሎም’ ዝብል ቃል ተጠቒሙ ዝኸሶም መንእሰያት ድማ ንመርዓ ኢሎም ኣብ ዝመጹሉ እዋን ንምሓዞም ዝሃቀነ መጻወድያ ኢዩ።

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →