Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

Rethinking Eritrea ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ ኣትላንቲክ ካውንስል እተባህለ ቲንክ ታንክ ዝተወደበ ዓውደ ዕዮ ንዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን ብዝምልከት ዘተ ኣካይዱ።

By   /  December 11, 2016  /  Comments Off on Rethinking Eritrea ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ ኣትላንቲክ ካውንስል እተባህለ ቲንክ ታንክ ዝተወደበ ዓውደ ዕዮ ንዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን ብዝምልከት ዘተ ኣካይዱ።

    Print       Email

ኣብቲ ዘተ ሚስ ብራውይን ብሩቶን ምክትል ዳይረክተር ማእከል ኣፍሪቃ ኣፍሪካ ካውንስል፥ ሚስተር ኣንቶኒ ካሮል ምክትል ፕረዚደንት ንግዳዊ ትካል ማንቸስተር፥ ሚስተር ዻን ኮነል ካብ ቦስቶን ዩኒቨርሲቲ፥ ሚስተር ሴት ካፕላን ፕሮፌሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ ተረኺቦም ነይሮም።

ሚስ ብሩቶን ኣብ ዘቕረበቶ ጽሑፍ እቲ ካብ 1991 ክሳብ እዚ እዋን እዚ እንዳኣንቆልቆለ ክመጽእ ዝጸንሐ ዝበለቶ ምኽንያታት ድሕሪ ምዝርዛር ኣብዚ እዋን እዚ ማእከላይ ምብራቕን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ተኣፋፊ ኩነት ስለዘሎ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምስ ኤርትራ ጽምዶ ክትጅምር ይግባእ ክትብል ገሊጻ። ንሳ ኣብ መደረኣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ክለዓል ከምዘለዎ ኢላ ከምእትኣምን፥ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጲያ ጎበጣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ውን ምድጋፉ ከምዘይትድግፍ ገሊጻ። ሚስ ብሩቶን ሰበስልጣን ኤርትራ ከምዝገለጹለይ ኢላ ኣብ ዝዘርዘረቶ ትዕዝብቲ፤ ናይ ኤርትራ ሰበስልጣን ‘ዝገበርና እንተገበርና፤ ማለት እሱራት እንተፈታሕና፥ ኣብ ሚድያ ዘሎ ልጓም እንተኣዝለቕና ካብ ኣሜሪካ ሞሳ ክንረክብ ኣይኮናን ስለዚ ለውጢ ምግባር ትርጉም የብሉን’ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ ኣነ ውን ከምኡ እምነት ኣሎኒ ክትብል ሓቢራ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ ፕሮፌሰር ኮይኑ ዘገልግል ሚስተር ሴት ካፕላን ብወገኑ፤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ ኩነታት ንኤርትራ ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን 3 ዝደሓራ ሃገራት ጌርዋ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጽ፤ ናይ ካልእ ሃገራት ሶሻሊስታዊ ፍልስፍና ብዉሑዱ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘምጽእ ኢዩ፤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማሕበርነታዊ ፍልስፍና ግን ነታ ሃገር ብወፍሪ፥ ቁጠባ፥ ሽቕለት ዳርጋ ውድቕቲ ሃገር ክትበሃል ናብ እትከኣል ቀይርዋ ከምዘሎ ሓቢሩ። ምስታ ጥሙር መንግስቲ ዘይብላ ሃገር ሶማልያ ብምውድዳር ድማ፤ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ ወፍርን ቁጠባን ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጽ፤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገንዘባዊ ይኹን ቁጠባዊ ፖሊሲ ከምኡ ውን ንዓቕሚ ናይታ ሃገር ዞቚቑ ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳብ ዝሃለወ እታ ሃገር ቁጠባዊ ምዕባለ ከተምጽእ ኢያ ዝብል ተስፋ ከምዘይብሉ ዘርዚሩ።

ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራ ጭቆናን ቡኩራት ሓርነትን ሙኻኑ ዝገለጸ ሚስተር ካፕላን ናይ ኤርትራውያን ድኽነትን ሕሰምን ውን ናብ ስደት ከምዘምርሑ ዝገብሮም ዘሎ ካልእ ረቓሒ ሙኻኑ ሓቢሩ። ሰበስልጣን ኤርትራ ሰባት ዝስደዱ ዘለዉ ብሰንኪ ቁጠባ ኢዩ እምበር ጭቆና ኣይኮነን ዝብልዎ ምጉት ከፍርስ ከሎ ሚስተር ካፕላን፥  ጥሜት ውጽኢት ጭቆናን ምጭፍላቕን ብሙኻኑ ስደት ንሕሰም ካብ ስደት ብጭቆና ተነጻጺሉ ክረአ ከምዘይግባእ ገሊጹ።

ሚስተር ካፕላን ብምቕጻል፥ ኣብ ኤርትራ ከይዱ ንሰባት ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን፤ ነጋዶ ብሰንኪ ዝወርዶም ኩሉ ዓይነታዊ ማሕለኻታት ናይ ዶላር፥ ነዳዲ፥ ፍቓድ ንግዲ፥ ዋሕዲ መሳርሒ ክሰርሑ ከምዘይከኣሉ ከምዝሓበርዎ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ኤርትራ ዝለዓለ ዕዳ ዘለዋ፥ ውሑድ ዕቑር ገንዘብ ዝሓዘት፥ ውዱቕ ናይ ገንዘብን ባንክን ምሕደራ ዘለዋ ሙኻና ድሕሪ ምግላጽ፤ ኤርትራ ብሰንኪ ዘለዋ ፖለቲካዊ ጸገማትን ንወጻእተኛታት ዘየተባብዕ ሃዋህዉን ካብ ኣፍሪቃ እታ ዝተሓተ ናይ ወጻኢ ቀጥታዊ ወፍሪ ማለት ፎረይን ዳይረክት ኢንቨስትመንት ዘለዋ ሃገር ኮይና ምህላዋ ገሊጹ።ናይ ኤርትራ ዕዳ ብ108% ካብ ዘቤታዊ እቶታ ከምዝልዕል። ኣብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መንግስታዊ ወፋኢታት ዘለዋ ሃገር ሙኻና እውን ሓቢሩ።

ሚስተር ካፕላን ንፖለቲካዊ ምርጫ መንግስቲ ኤርትራ ብዝምልከት፤ ማሕበርነታዊ ይኹን ርእስኻ ምኽኣል ዝብል መስመር ክትክተል ምሉእ መሰላ ሙካኑ፤ የግዳስ መነባብሮ ህዝቢ፤ ቁጠባዊ ዕብየት ዘምጽእ ጌራ ክትሕዞ ከምዝግባእ፤ ብዉሑዱ ካብታ ተመሳሳሊ መስመር እኳ ደኣ ኣትሪራ ዝተኸተለት ግን ከኣ ንህዝባ ቁጠባዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ ብዙሕ ምምሕያሽ ዝገበረት ክዩባ ክትመሃር ከምዝግብኣ ኣዘኻኺሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ፕሮፌሰር ኤርትራ በዚ እትኸዶ ዘላ እንተቐጺላ ምናልባት ድሕሪ 25 ዓመት ውን ቁጠባዊን ፖለቲካውን ምምሕያሽ ክትገብር ከጸግማ ሙኻኑ ድሕሪ ምትንባህ፥ በዚ ምኽንያት እዚ በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ትስፉው ከምዘይሙኻኑ ገሊጹ።

ሚስተር ኣንቶኒ ካሮል ምክትል ፕረዚደንት ንግዳዊ ትካል ማንቸስተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ሓንቲ ሃገር ናይ ወጻኢ ወፍሪ እትዕድም ኣርባዕተ ነገራት ምስዝህልዋ ኢዩ ኢሉ እዞም ዝስዕቡ ማለት፡ 1) ዕደና 2) ሕርሻ 3) ቱሪዝምን 4) ምስናዕን ሙኻኑ ድሕሪ ምዝርዛር ኤርትራ እዘን 4 መዳያት ልዑል ዕድል ከምዘለዋ ገሊጹ።

ሚስተር ኣንቶኒ ካሮል ሓለፍቲ ናይቲ ኣብ ቢሻ ዝነጥፍ ዘሎ ነቭሱን ልዑል ምትሕብባር ከምዝተገበረሎም ከምዝገለጹሉ ድሕሪ ምሕባር በቲ ካልእ ወገን ግን ብዙሓት ኣውፈርቲ ተስፋ ቆሪጾም ከምዝተመለሱ፥ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ኣጸጋሚ ሙኻኑ፥ ንብረቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተዘመተ ከምዘሎ ሓቢሩ። ሚስተር ኣንቶኒ፤ኣብ መወዳእታ መግለጺኡ ኤርትራ ብዘለዋ ባሕሪ ናይ ቱሪዝም መስሕብ፥ ብዘለዋ ቅርበት ናብ ኤውሮጳ ናይ ሰንዓን ፍርያትን ማእከል፤ ብዘለዋ ጸጋታት ማዕድን ናይ ዕደናታት ወፍሪ ክትስሕብ፥ ብዘለዋ ናይ ሕርሻ መሬት ኣቃምጣ ድማ ኣግሮ ኢንዳስትሪ ከተማዕብል ልዑል ተስፋ ምንባሩ ጠቒሱ፤ እዚ ዕድላት እዚ በዚ ዘሎ ኩነታት ክማላእ ዘለዎ ዕድል ሰፊሕ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምክትታል ናብ ኢትዮጲያ ብምኻድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘካየደ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቦስቶን ሚስተር ዳንኮነል፤ ንዋሕዚ ኤርትራውያን ኣመልኪቱ ኣብዚ እዋን እዚ ብፍላይ ድማ ኣብ ወርሓት ጥቅምቲን ሕዳርን 2016 ዋሕዚ ኤርትራውያን ከምዝደየበ ገሊጹ። ናይዚ ምኽንያት ድማ እቲ ‘ኮብሊሉ’  ዝነበረ ሰራዊት ኣብ መጀመርታ ናይ 2016 ብብዙሕ መብጸዓን ምፍርራህን ናብ ሰራዊት ክምለስ ድሕሪ ምግባሩ፤ እቲ ዝተገበረ ናይ ደሞዝ መብጸዓ ብኣንጻሩ ንዝነበሮ ደሞዝ ዘጉድል ኮይኑ ስለዝረኸብዎ፥ ናይ ገንዘብ ኣተሓሕዛ ድማ ቀውጢ ምስኮኖም ዝያዳ ተስፋ ዝቖረጹ ኣባላት ሰራዊት ናብ ኢትዮጲያን ሱዳንን ይውሕዙ ምህላዎም ገሊጹ።ብዘይካ እዚ ኢሉ ዳንኮነል፤ እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ኢዩ ዝብል ዓሎቕ መንግስቲ ኤርትራ ሓሶት ሙኻኑ ዘረጋገጹ ኣባላት 28 29 ዙርያ፤  ብብዝሒ ናብ ዶብ ክሰግሩ ከምዝወሰኑ ካብቲ ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገበሮ ርክባት ክርዳእ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ።

ዳንኮነል ኣብ መደርኡ፤ ምስ ምቕያር ወረቐት ባጤራን ገለ ምቁጽጻርን እቲ ናይ ስግረዶብ ክፍሊት ብዶላር ኣብ ደገ ይፍጸም ምህላዉ ድሕሪ ምሕባር፤ ቀደም መንእሰያት ኤርትራ ናብ ሳዋ ድሕሪ ምኻዶም ኢዮም ስግረ ዶብ ዝሰግሩ ዝነበሩ፤ ሎሚ ግን እቶም ዓበይቲ ተወዲኦምሲ ደቂ 13፤ 14 ዓመት ናብ ኢትዮጲያ ይውሕዙ ምህላዎም ብዓይኑ ከምዝረኣዮምን ዝተዘራረቦምን ገሊጹ።

ንኹሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ዘተ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሎ እገዳ እንተተላዒሉ እንታይ ለውጢ ትጽበዩ ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም ነይሮም፥ ብሙሉኦም ተዛተይቲ እንተላይ እታ ንመንግስቲ ኤርትራ ደጊፋ እተዛረበት ሚስ ብሩቶን፤ እገዳ ወላ እውን እንተዝለዓል ኣብ ኤርትራ ዝቕየር ኩነት ኣሎ ኢሎም ከምዘይኣምኑ፥ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውሽጣዊ እገዳ ናቱ ጽልዋ ከምዘለዎ ኣሚቶም። ብወገን ኤርትራ ዝኾነ ለውጢ ክመጽእአይጽበዩሉ ምኽንያት ኣብ ዝገለጹሉ እዋን፥መንግስቲ ኤርትራ ዝመሓየሽ ኢዩ ኢሎም ከምዘይኣምኑ፤ ይኹን ግን ነቲ ብሰንኪ እገዳ ወይ ውን ምምልካት ዶብ ኢሉ ዘመኽንዮ ምስምስ ንምቕላዕ ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ዳርጋ ኩሎም ተሳተፍቲ ምምልካት ዶብ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኪኽበር ከምዘለዎ ጸዊዖም።

እቲ ዓውደ ዘተ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝዝቲ እኳ እንተነበረ ኣብ ተዛተይቲ ዝኾነ ኤርትራዊ ዘይምዕዳሙ ንተዓዘብቲ ከየገረመ ኣይተረፈን።

ኣብ ናይ ሕቶን መልስን እዋን ብወገን ኤርትራውያን ማለት ደገፍቲ መንግስቲ ይኹኑ ተቓወምቲ ዝተዋህበ ርእይቶን ዝነበረ ኣቀአራርባን ኣዘራርባን ጠባያትን፤ ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ ናይ ዘተን ፖለቲካዊ ምብህሃልን ባህሊ ከምዘይብልና ዘነጸረ፤ ኣብ ገለ ክፋሉ ድማ ዘሕንኸካ ምንባሩ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ልኡኽ መድረኽ ገሊጹ።

    Print       Email

You might also like...

20 ዝኾኑ ኣባላት ዕደና ቢሻን ዛራን ካብ ስራሕ ተሶጊጎም፤ ስረሖም ብቻይናውያን ተተኪኡ። 

Read More →