Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሓርነት ካብ ፍርሂ

By   /  December 1, 2016  /  Comments Off on ሓርነት ካብ ፍርሂ

    Print       Email

‘ህዝቢ ካብ መንግስቲ ክፈርህ እንተጀሚሩ መንገዲ ዕንወት ሃገርን ህዝብን ኢዩ፥ መንግስቲ ካብ ህዝቢ ክፈርህ እንተጀሚሩ ድማ መንገዲ ጥዕና ኢዩ’ ክብል ቶማስ ጀፈርሰን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ገሊጹ ምንባሩ ሰነዳት ታሪኽ ይነግሩ።

ኣብ ኤርትራ ንመንግስቲ ዝፈርህ ህዝቢን፤ ንህዝቢ ዘርዕድን ዘስተናዕቕን መንግስቲ ኢዮም ዘለዉ።ንግዚኡ።

ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፤ብዝያዳ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት፤ ዘሰቅቕ ኩነት ህላወ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክግለጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ቅዋም ዘይምህላው፥ ማእሰርቲን ምስዋርን ምብዛሕ፥ ክብደት መነባብሮ፥ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፥ ኣብ ሃይማኖት፤ ከባቢን ጾታን ዝተመስረተ ኣድልዎ፥ ምብሓት ቁጠባ፥ ዘይምክያድ ምርጫ፥ ምኽልካል ሃይማኖታዊ እምነት ወዘተ፤ ወዘተረፈ።

ህዝቢ ኤርትራ፤ ኣብ ዘሰክሕ ኩነታት ምህላዉ ንምግላጽ ክዝርዘሩ ዝኽእሉ ናይ ስቓይ ረቋሒታት ገጻት ውን ኣይኣኽሎምን። ኩሎም ጠንቂ ሕሰሙ ኮይኖም ዝጥቀሱ ዘለዉ ነጥብታት ድማ፤ ብህዋሳትና   ክረኣዩ፤ ክድህሰሱ፤ ክጠዓሙ፥ ክሽተቱ፥ ክስምዑ ዝኽእሉ ጭቡጣት ሓቅታት ኢዮም። ሰባት ብዝተፈላለዩ መለክዒታት በብናቶም ኩርናዕ እንዳራእዩ፤ ብተናጽል ስለዝግለጽዎም ግን ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ኩነታት ብምሉእነት ዝገልጹ ኣይኮኑን።

ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ሃለዋት ኣብ ሓደ ጠሚሩ፤ ብሓጺር ቃላት ክውክል ዝኽእል ሓደ መግለጺ ኣሎ። ንሱ ድማ ቡኩራት ሓርነት ካብ ፍርሂ ብዝብል ወካሊ ሓረግ ክግለጽ ይከኣል። ህዝቢ ኤርትራ  ካብ ፍርሂ ሓርነት የብሉን።

ህዝቢ ናይ ዝኾነት ሃገር፤ ብግዝኣት ሕጊ ዝተዋሕሰ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱን ሓርነቱን እንተዘይተኸቢሩ፤ ሕጊ ዘይኮነስ ፍርሂ ገዛኢ ይኸውን። ፍርሂ የመሓድር፥ ፍርሂ ይድህል፥ ፍርሒ የስገድድ፥ ፍርሒ የስግድ፥ ፍርሒ የሳድድ፥ ፍርሒ ይውስን፤ ፍርሒ የንግስ፥ ፍርሒ ይዳኒ። ፍርሒ ይፈርድ። መዓልታዊ ህይወት ህዝቢ፤ ፍርሒ ካብ ማእሰርቲ፤ ፍርሒ ካብ ምስዋር፥ ፍርሒ ካብ ምቕታል፤ ፍርሒ ካብ ምግፋፍ፥ ፍርሒ ካብ ገንዘቡን ንብረቱን ምዝማት ስለዝኸውን ኣብ ትሕቲ ዘየቋርጽ ራዕዲ ይነብር። ህዝቢ ኤርትራ ቦዂርዎ ዘሎ ሓርነት ካብ ፍርሂ ድማ ብልክዕ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ኢዩ ዝውከል።

ሓደ ካብ ሳዕቤናት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘየቋርጽ ናብራ ኣብ ትሕቲ ፍርሂ፤ ህዝብታት ነቲ ዘለዉዎ ብኩራት ሓርነት ካብ ፍርሂ ከም ንቡር ክወስድዎ ዝኽእሉ ሙኻኖም ኢዩ። ሓደ ሓደ እዋን ህዝብታት ንግዝኣተ ፍርሂ፤ ከም ሓባራዊ ጽሕፍቶ ቆጺሮም፤ ከም ውሁብ ልቦና (conventional wisdom) ስለዝወስድዎ፤ ኣብ ትሕቲ ፍርሂ ምንባሮም ዘይኮነስ፤ ነዚ ፍርሂ ተርቢዑ ሰብኣዊ ክብረቱን መሰሉን ከረጋግጽ ብትብዓት ንዝነቐለ ሰብ ዝያዳ የገርሞም።ብዙሓት ሰባት ካብቲ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ናይ ፍርሂ ህይወት ንላዕሊ፥ እቲ ተባዕ ስጉምቲ ጅግና ወዲ ዓሊ ዝገረሞም ድማ፤ ካብዚ ንፍርሂ ከም ቅቡል ህይወት ዝወስድ ናይ ስዩምነት ውሁብ ልቦና (conventional wisdom) ዝነቐለ ኢዩ።

ብዙሓት ሰባት ‘ካብዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፤ ነዚ ነዛ ሃገር ኣበሳቢሱ ኣሳቒዩ ዘዕንዋ ዘሎ ሓደ ሰብ ዝኣሊ ሓደ ሰብ ከመይ ኣቢሉ ይሰኣን፤’ ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። ሓቅነት ዘለዎ ኣበሃህላ ድማ ኢዩ። ገለ ተንተንቲ ግን፤ እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ሰባት ብዘየናሕሲ ኣርዑት፤ ብዘስካሕክሕ ናይ ሹቕሮራን ራዕድን ተግባራት ንነዊሕ እዋን እንተተጨፍጪፎም፤ ነብሰ ደሞም ብስርዓተ ፍርሂ ስለዝቃነ (conditioned) እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ኣበሃህላ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓንኬል ኣትዩ ክረአ ከምዝግባእ ይሕብሩ።

ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ተቓላሳይ ስቲቪ ቤኮ ንምልካውያንን ተመለኽትን ኣመልኪቱ ኣብ መጽሓፉ ከምዚ ዝስዕብ ይብል።፡‘’እቲ ዝሓየለ ኣጽዋር መለኽቲ ምሉኽ ኣእምሮ ናይቲ ዝጭቁንዎ ህዝቢ ኢዩ’።

እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ህዝቢ ንምልኪ ከም ንቡር ተቐቢሉ ከም ኣካል ህይወቱ ክርእዮ እንተጀሚሩ፡ንመለኽቲ ካብቲ ምልኮም ንምርጋእ ዝጥቀሙሉ ኣጽዋር ንላዕሊ ሓይሊ ዝህቦም ሙኻኑ ኢዩ ዘረጋግጽ።

ብልክዕ ድማ፡ህዝቢ ነቲ መሰረታዊ ባህርያዊ ሰብኣዊ ሓርነቱ ዝመንጠሎ ስርዓት ኣሜን ኢሉ ተንበርኪኹ ዝኸይድ እንተኾይኑ፡ቀዳማይ ጸላኢ ናይ ገዛእ ነብሱ ኮይኑ ኣሎ ማለት ኢዩ።

ውርይቲ በርማዊት ኣን ሳን ሱ፤ ንፍርሂ ኣመልኪታ ከምዚ ዝስዕብ ትብል። ‘ሰባት፤ ብልምዲ፤ ስልጣን ኢዩ ንሰባት ዘበላሹ ኢዮም ዝብሉ፤ ሃገርን ሰባትን ዘበላሹ ግን ፍርሂ ኢዩ። እቶም ሰብ ሓይሊ ስልጣን ንዘይምልቃቕ ስለዝፈርሁ ንህዝቢ ብፍርሂ ክገዝኡ ይፍትኑ፤ እቶም ዝተገዝኡ ህዝቢ ድማ ብፍርሂ ተገዚኦም ይተርፉ’።

ንህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢምዎ ዘሎ ናይ ራዕድን ፍርህን ህይወት ክጠፍእ ዝኽእል፤ ህዝቢ ንፍርሂ ምፍራህ ኣቓሪጹ፤ ነቲ ዘይሕከኽ ሰብኣዊ ክብረቱን መሰሉን ደው ምስዝብል ጥራይ ኢዩ። ምኽንያቱ፤ ወዲ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፍርህን ክብረትን ደው ኣብ ዝብለሉ እዋን፤ ስልጣነ እምበር ፍርሂ ባህርያዊ ጽሕፍቶኡ ኣይኮነን።

ኸሊፋ ኻድር እተባህለ ወዲ 23 ዓመት ሶርያዊ፤ ብዛዕባ እቲ መንእሰያት ወለድኡ ኣብ ሃገሩ  ዘንቀልዎ ህዝባዊ ናዕቢ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ ከምዚ ዝስዕብ ይብል። ‘ደቂ 19 ዓመት ከሎና ኢና እዚ ሰውራ ጀሚርናዮ፥ ፍልስፍናኹም፥ ስነሓሳብኩም እንታይ ነይሩ ንዝብል ሕቶኻ መረዳእታ ይኹን ዝፈልጦ መልሲ የብለይን፤ ምኽንያቱ ዘንቀለና ፍልስፍና ‘ፍርሂ ንምቕታል’ ኢዩ ነይሩ፤ እወ እቲ ንዓመታት ክንሹቕረር፤ ክንደንን ዝገበረና ሰብኣዊ ክብርና ዝቐንጠጠ ፍርሂ ክንቀትሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ካብ ፍርሂ ኢዩ ስኢኑ ዘሎ። ቅዋም፤ ነዚ ሓርነት ካብ ፍርሂ ዘውሕሰሉ ሰነድ እምበር፤ መወዳእታ ኣይኮነን።ስደት፤ህዝቢ ኤርትራ ካብ ፍርሂ ንምህዳም ዝወስዶ ዘሎ ካብ ሹቕረራ ናይ ምርሓቕ ጉዕዞ እምበር፤ ፍታሕ ናይ ህላዊኡ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ዘልዕሎም ፖለቲካውያን ሕቶታት መንገዲ እምበር ዕላማ ኣይኮኑን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳማይ ዕላምኡ ክገብሮ ዝግባእ ንፍርሂ ዘስዕሮ፤ ሓርነት ካብ ፍርሂ ዘጎናጽፎ ዕዮ ምስራሕ ኢዩ።

ካብዚ ኩሉ ጅግና ሓደ ዝግበር ሰብ ተሳኢኑ ዝብል፤ ደቁን ነብሱን ተዘሚቱ፤ መንእሰያት ኣብ ባሕርን ጣሕርን ብኣማኢት እንዳተቐዝፉ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክመጾ ይጽበ ኣሎ እዚ ህዝቢ ኢሉ ዝጽውዕ፥ እቶም ትማሊ ሰውራ መሪሖም ናጽነት ዘምጽኡ መራሕቲ ኸ ደምን ሕልናን የብሎምን ዲዮም ኣበይ ኣበሉ ኢሉ ዘስተንትን፥ መሪሕ ኮይኖም ለውጢ ከምጽኡ ዝግባእ መንእሰያት ናይ ኣጓብዝ ስራሕ ፈጺሞም ህዝቦም ኣብ ክንዲ ካብ ስቓይ ዘላቕቁ ብራሻይዳ ተኾብኪቦም ክጓዓዙ ክብረቶም ኣይቅንጠጥን ዲዩ ዝብሉ፤ ኩሎም ትጽቢቶምን መደምደምተኦምን ሓደ ኢዩ። ፍርሂ ኪቕተል ኣለዎ! ዝብል እምነት። ምሉእ ህዝቢ ኣብ ሹቕሮራን ስቅያትን እንዳነበረ፤ ነታ ናተይ ዝብላ ነብስን ስጋን እውን ከይውንና ዝተኸልከለ ክንሱ ኣለኹ ዝብል ህዝቢ ህላዊኡ ምስ ዘየለዉ ኢዩ ዝቕጸር፤ ምኽንያቱ – ፍርሂ ከይሳዓረ ሓርነቱ ዘረጋግጽ ህዝቢ ስለዘየሎ።

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →