Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ድሕሪ ለውጢ፤ ብስጋ እምበር ብመንፈስ ሓራ ዘይኮነ ህዝቢ ከይንኸውን ( 2ይ ክፋል)

By   /  December 13, 2016  /  Comments Off on ድሕሪ ለውጢ፤ ብስጋ እምበር ብመንፈስ ሓራ ዘይኮነ ህዝቢ ከይንኸውን ( 2ይ ክፋል)

    Print       Email

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ዝተገልጸ ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ትሕተ መግዛእቲ ዘመኑ ምስ ዝረኣዮም ዓዛብን መከራን ዝመሳሰሉ፤ ከቢድ ስቓይ የሕልፍ ኣሎ።

እዚ ሕጂ ኣብቲ ኣብ ወጻኢ ይኹን ውሽጢ ሃገር ዝነብር ኣካላት ሕብረተሰብ እንርእዮ ዘሎና ብዙሕነት ሓሳባትን መስመራትን ዘይጸውር ኣተሓሳስባን ባህርን፤ ካብቲ ካብ ንቕሉኡ ሜዳ ኤርትራ ክልተ ውድባት ኣይጸውርን ኢዩ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሳብ ፍልልያት ውግእ ዝኣወጀ ባህሪ መንግስቲ ኤርትራ ዝነቅል ኢዩ። ኮይኑ ድማ ሕጂ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝንጸባረቕ ዘሎ ባህሪ ናይ ዘይምጽውዋር፤ ካብቲ ንፍልልያት ሓሳባት ይኹን መተካእታ ርእይቶ ዘይሰምዕ፥ ዝተፈለየ ሓሳብን መስመርን ንዘርኣዩ ዝኣስርን ዝቐትልን፤ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ስርዓተ ኣሰራርሓ ተበጊሱ ናብ ገለ ክፋል ሕብረተሰብ ዝሰረጸ ባህሊ ዝተወርሰ ኢዩ።

ብዛዕባ ሃገራዊ ጉዳያት ዝካትዑን ብኣኽብሮት ሓሳባቶም ዘፍስሱን ፓርላማ ርእዩ ዘይፈልጥ፥ ብኣንጻሩ ዓመት ዓመት ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ፤ ዝጻረፍ፤ ዝዝልፍ፤ ዘነኣእስ ፕረዚደንት እንዳሰምዐ ዝዓበየ መንእሰይ፤ ጸርፊ ከም ናይ ሓይሊ መርኣያ እንተወሰዶ፤ከምኡ ስለዝተፈጥረ ዘይኮነስ፥ ብሰንኪ እቲ ዘመሓድሮ ዘሎ ስርዓት ዘስረጸሉ ባህሪ ኢዩ።

ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ዝተፈለየ ርእይቶ ዝነበሮም ስንኩላን፤ ሓሳቦም ስለዝገለጹ ጥራይ ከምዝተረሸኑ እንዳሰምዐ ዝዓበየ፥ ኣብ 2001 ኣካይዳና ግጉይ ኣሎ ነመሓይሾ ዝበሉ ክቕፈዱን ክስወሩን ዝረኣየ፤መንእሰይ ኣብ ባህርያቱ ዝገድፎ ስንብራት ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ።

እቲ መንእሰይ ንባዕሉ ብዘይድልየቱ በቶም ምእዛዝ ጥራይ ዝፈልጡ መኮንናት ዝተኸትከተ፥ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት ዝተገፈፈ ስለዝኾነ መንፈሱ ዝተዳህለ፥ ግበር ከይበልዎ ዘይገብር፥ ተስእ ከይበልዎ ዘይትስእ ካብታ ዘንበርዎ ቦታ ክለዓል ክሳብ ዘይሓተትዎ ዘይለዓል ሰብ ኪኸውን ዘይክእለሉ ምኽንያት የለን። ሓደ መዓልቲ ውን ርእይቱኡን ሓሳቡን ተሓቲቱ ዘይፈልጥ ህዝቢ፥ ሰባት ከከም ዘእምን ሓይሊ ሓሳባቶም ዘይኮነስ ከከም ዘለዎም ሓይሊ ኢዮም ዝነብሩ ናብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ ሓንጎሉ እንተራዓመ፥ ወይ ውን ሕብረተሰባት ብናይ ሓይሊ ስነመጎት ጥራይ ክናበሩ ከምዝግብእ ጌሩ እንተወሰዶም፥ እቲ በደል ናይቲ ንኸምኡ ዝፈረዶ ስርዓት ኢዩ።

ሳዕቤን ናይዚ ናይ ካልኦት ሓሳባት ዘየአንገደ ግዝኣት 25 ዓመታት ኢዩ ድማ፤ ሎሚ ብዙሕነት ሓሳባት ዘአንግድ፥ ፍልልያቱ ብልቦና ዝመያየጥ፥ እንተዘይተሰማሚዑ ድማ ብስልጡን መንገዲ ፍልልያቱ ጸይሩ ኣብቶም ዘሰማምዕዎ ጉዳያት ብሓባር እንዳሰርሐ ናይ ምንባር ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ዳርጋ ዘየሎ እንዳኾነ ዝመጽእ ዘሎ።

ንምስምዑ ዘቐይፍ ጸርፊ፥ ሓሳባት ዘየአንግድ ኣብ ሰብነት ሰባት ዘተኩር ዘለፋን ቅንጸላ ኣስማትን፥ ብቐሊሉ ዝደፍርን ዝድፈርን ኣዘራርባን ኣጸሓሕፋን፥ እምበርከ ንሱ እቲ ናይ ቀደም ህዝቢ ኤርትራ ዲዩ ዘብል ፉኽሰት ትሕዝቶን ዘረባን፤ ዘስካሕክሕ ቃላትን ሓረጋትን፥ ዝናኸስ ጨውን ላዛን ዘይብሉ ዋዛታት ወዘተ ሎሚ ንኹሉ ሰብ ኣጉሂዩ ዘሎ ተርኢዮ ኢዩ።

ካልእ ተመሳሳሊ ተርእዮ ንሰባት ተሃዊኻ ምፍራድ፥ ባዕልኻ ብዛዕባ ካልኦት ውሳነ ምሃብ፤ ንሓቕነትን ተሓታትነትን ግምት ዘይምሃብ፥ ዝረኸብካያ ንእሽቶ ሓይሊ ተጠቒምካ ብልዕልና ሕጊ ዘይኮነስ በቲ ዝደለኻዮ መንገዲ ነታ ሓይሊ ምጥቃም ዝኣመሰሉ ባህርያት ፤ብሰንኪ እቲ ከምኡ ዝመሃረን ዝገብርን ዘሎ ናይ 26 ዓመታት ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ህዝቢ ክሰርጹ ይረኣዩ ኣለዉ።

እዚ ዓይነት ባህልን ባህርን ብሰንኪ ኣብ ልዕልና ሕጊ፤ ኣብ ፍርዲ፤ ኣብ ፍትሒ ዘይብሉ ሃዋህዉ ምዕባይ ዝረአ ተርኢዮ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ሰራቒ እንተይልዎ ሰራቒ ዝእወጅ፥ መንግስቲ ኤርትራ ከዳዕ እንተይልዎ ከዳዕ ዝእወጅ፤ ናይ ጥብቅና፥ ሕጋዊ መስርሕ፥ ክልተ ወገን ሰሚዕካ ፍርዲ ናይ ምሃብ ባህሊ ኣብ ዘይብሉ ሃዋህው ዝዓበየ ወለዶ፤ ከምዚ ሽግር ከጋጥሞ ባህርያዊ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመት ዝዓበዩ መንእሰያት፤ መባእታዊ መሰል ምክልኻል ነብሲ፥ ንጹህ ክሳብ ብሕጊ ገበኘኛ ሙኻንካ ዝረጋገጽ፥ ከሳሲን ተኸሳስን፥ ጠበቓን ኣኽባር ሕግን፥ ምጉትን መርተዖን ዝበሃል ኣምራት ከይሰምዑ ኢዮም ዓብዮም። እዚ ወለዶ መራሕ ጋንታኡ ዝበሎ ብዘይ ዝኾነ ምንፋይ ከምዘለዎ ኪቕበል፥ መራሒ ሃገር ዝበሎ ከም መጽሓፍ ቅዱስ ክኣምን፥ ድምጺ ሓፋሽ ዝበለቶ ከም ዘለዎ ክውሕጦ ከምዝግባእ እንዳተነገረን እንዳተስገደደን ዝዓበየ ወለዶ ኢዩ። ብኡ መጠን ድማ ንመሰላቱ ናይ ምጥባቕ፥ ሓሳባቱ ናይ ምግላጽ ዓቕሙ ዝተደረተ ኪኸውን ዘይከኣል ኣይኮነን።

ሓደ ናብ ሃገረ ጀርመን ዝኣተወ መንእሰይ፤ ካብቲ ኩሉ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ምዕባለታት ንላዕሊ በታ ወረቐት መንቀሳቐሲ ዝሓተካ ዘየለ ሙኻኑ ዝያዳ ምምሳጡ ይዕለል። እዚ ሓቂ ዝእምቶ ነገር እንተሎ እዚ ክበሃል ዝጸንሐ ብኩራት ሓርነትን ሞግባእቲ ፍርህን ናብ መንእሰያትና ክሳብ ክንደይ ሰሪጹ ምጽንሑ ኢዩ። ሳዕበናቱ ውን ደድሕሪ እቲ መንእሰይ ምምጽኡ ኣይተረፈን። ክንዲዝኾነ ሎሚ ሓደ ዜጋ ሓንቲ ንእሽቶ ወብሳይት ይኹን ማሕበራዊ መራኸቢ እንተከፊቱ፥ ልክዕ ከምቲ ክዓቢ ከሎ ዝረኣዮ ባህርያት መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ኤርትራ፤ ብጸርፊ ክጅምር፥ ዝብሎ ዘሎ ሓቅነቱ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ከይተገደሰ ኣብ ኣፉ ዝመጻሉ ክዛረብ፥ ይረአ።

ናይ መራኸቢ ብዙሃን ስነምግባር፥ ሕግታት ኣንጻር ጸለመ፤ ጽልእን ወገናውነትን ዘየፍቅድ ሕግታት ማዕከናት ዜና ከይተገንዘቡ፤ ኣብታ ንእሽቶ ዝረኸብዋ ናይ ወብሳይት ‘ሓይሊ’ ኮይኖም ሰባት ክውንጅሉ፥ ክፈርዱ፥ ነታ ዝርካባ ዓቕሚ ወብሳይት ብወገናውነት፤ ኣውራጃን ሃይማኖትን ክጥቀሙላ ፤ እረ ገሊኦምሲ ብስም ብሄር ዝጽዋዕ ወብሳይታት ምኽፋት ዝረኣዩሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ሳዕቤን ናይዚ ሓድጊ ኢዩ።

ብሕጊ ዝሰርሕ፤ ብዙሕነት ዘለዎ፤ ብሕግታት ፕረስ ዝግለጽ ሳዕቤናት ምጽላምን ፍርዲ ምሃብን ዝፈልጥ፥ ብሓሶት ዜና ምፍናውን መርተዖ ናይ ዘይምቕራብን ሳዕቤን ዝርዳእ ዓቕሚ ስለዘየሎ፤ ከምኡ ምግባር ድማ ባህሊ ጌሩ ስለዘስረጾ፥ከምቲ ክዓቢ ከሎ ዝረኣዮ ልምድታት ማዕከናት ዜና ብምዝውታር መንገዲ ዕንወት ይኽተል።ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ ብዙሃት ወገናት ኣብ መንጎ እቲ መንግስቲን ተቓወምትን ፍልልያት ዝስእንሉ እዋን ዝርከብ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ነጥብታት ከም ኣብነት ደኣ ተዘኪሮም እምበር፥ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ እዚ ሓድሽ ወለዶ ዝረኣዩ ዘለዉ ሳዕቤናት ሓድጊ ባህርያት መንግስቲ ኤርትራ ብዙሓት ኢዮም። ጸርፊ ሓደ ካብቶም ኣዚዩ ዘሰክፍ ግን ከኣ ልሙድ ዝኸውን ዘሎ ባህሊ ኢዩ። ንሙቕራብ እትምነየለንን እትምነየሎምን ሰባት ከይተረፉ፤ ኣእዛንካ ዝኹርኩሕ ጸርፊ ክስንዝሩ ክትሰምዕ ከሎኻ ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ። ምክብባር ዝበሃል ጠፊኡ፤ ሰባት ዝዛረቡሉ ዘለዉ ቀንዲ ሓሳብ ገዲፎም ክዘናጠሉ ምርኣይ፤ ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ሓሳባት ተዛሪቡ ዘይፈልጥ፤ ብሓሳባትን ምጉትን ክረትዖምን ከእምኖምን ንዘይከኣለ ሰባት ብመንገዲ ቅትለት ባህርያት ከካፍእ ናይ ዝውዕል መንግስቲ ኤርትራ ኣሰራርሓ ኢዩ። እቲ ዘገርም ብርክት ዝበሉ ሰባት፤ ጸርፊ ኣብ ሕብረተሰብና ገኒኑ ኣሎ ኢሎም ክእረሙ ይብገሱ እሞ፤ እቲ ናይ ለበዋ መልእኽቶም ንባዕሉ ብጸርፍን ዘለፋን ዘይተሰነየ ንምግባሩ ይጻገሙ።

ጉዳያት ሓቅነቶም ምጽራይ፥ ብጭብጢን መርተዖን ምድጋፍ፤ ብጌጋ ሓቤሬታ እንተሂብካ ድማ ምእራም ዝበሃል ኣብ ባህርያት ናይ እዚ ዘሎ ወለዶ ብዙሕ ኣይረኣየን። ምኽንያቱ ሓድጊ ናይ መንግስቲ ኤርትራ፤ ሓታቲ ዘይብልካ ዝደለኻዮ ምዝራብ፥ ጭብጢ ዘይብልካ ብዘይተሓታትነት ምውንጃል፥ 03 ብዝበሃል ሽቦ ኣልቦ ፈነወ መሰረት ዘይብሉ ወረ ምዝርጋሕ፥ ሓደ ካብቶም ሓድግታት ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘተኣታተዎም ባህርታት ኢዮም።

ንኽሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጠንቂ ዝኾኑ ባህርያት ዝብድህ ሓደ ሕቶ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ። ሕራይ እቲ ጠንቂ ዝኾነ መንግስት ኤርትራስ ሕማቕ ምሂርዎም፤ እዞም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ዘለዉ ኸ፤  ኣብ ወጻኢ ኣብ ምዕቡል ሃገር እንዳተቐመጡ፤ ኣብ ፓርላማታት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ሰባት ብስልጡን ኣገባብ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ክገብሩ እንዳረኣዩ፥ ክብረት ወዲ ሰብ እንታይ ሙኻኑ በቲ ንባዕሎም ተዋሂብዎም ዘሎ ክብረት እንዳስተማቐሩ፥ መራኸቢ ብዙሃን ሞያዊ ስነምግባር ሓልየን ዘረጋገጸኦን ጭብጥን ጥራይ ክዛረባ ከምኡ እንተዘይገይረን ድማ ተቐባልነትን ክወድቕን ክሕተታን እንዳረኣዩ፤ እቲ ዘለዉዎ ኣከባቢን ህይወትን ኣይምህሮምን ዲዮ ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ ኢዩ።

ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ኮንካ ንኽትሰምዖ ዘነውር ጸርፊ፥ ኣብ ዘመነ እምኒ ውን ዘይነበረ ብሃውሪ ናይ ምዝራብ ልምዲ፥ ዘረባ ክልተ ወገን ከይሰምዐ ምስ ውሕጅ ዝጉተት ስምዒታዊ መርገጺታት ወዘተ ክጠፍእ፤ ወይ ውን ብዉሑዱ ኪጎድል ህዝቢ ክመክር ይግባእ። ምኽንያቱ በዚ ዘለዎ መንገዲ ተቐጺሉ፤ ካብዚ ሕጂ ዘሳቕየና ዘሎ ማእሰርትን ስደትን ብዘይንእስ፥ ንሓዋሩ ንቐጻልነት ጥዑይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስነኣእምሮ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተርኢዮ እዩ። ብሓጺር ኣበሃህላ፤ ንስልጣነን ባህላዊ ሓርነትን እንተዘይጽዒርና፥ መንግስቲ ኤርትራ ብኣካሉ እንተኸደ፤ ረቂቕ ነውርታቱ ምስ ጁጅ ማጁጁ ምሳና እንዳነበረ፤ ብስጋ እምበር ብመንፈስ ሓራ ዘይኮነ ሕብረተሰብ ክገብረና ኢዩ።

 

 

    Print       Email

You might also like...

 ምውጻእ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስን ዝነበረ መስርሕን

Read More →