Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

‘ወርቂ እናፈልፈለ ካብ ለዋህ መሬተይ፤ ወደባት ከለኒ ምስ ክቡራት ዑንቀይ ፤ ኣነ’ዶ ምሰኣንኩ ምስ’ዚ ኩሉ ሃብተይ’ የማነ ባርያ

By   /  December 17, 2016  /  Comments Off on ‘ወርቂ እናፈልፈለ ካብ ለዋህ መሬተይ፤ ወደባት ከለኒ ምስ ክቡራት ዑንቀይ ፤ ኣነ’ዶ ምሰኣንኩ ምስ’ዚ ኩሉ ሃብተይ’ የማነ ባርያ

    Print       Email

ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ መርበብ ኤሪ መድረኽ፥ ትማሊ ወተሃደራት ኢማራት ንህዝቢ ዓፈር የሳድድዎ ኣለዉ ዝብል ዜናኹም ምስኣንበብኩ እዛ ናይ የማነ ደርፊ ተራእያትኒ፥ ናባኹም እልእካ ኣለኹ። የማነ ባርያ ነቢይ ኢዩ እንተበልናዮ የምሕር ኢዩ። ‘ መኣዲ ገዛና ብጋኖት ክብላዕ፡ ህድሞና ጠፊኡ ናሃቶም ይውላዕ ‘ ኢሉዩ ደሪፉ እንጭዋ ግዳም ንኣንጭዋ ገዛ ምስኣሳደዶ። ግጥማን ድምጻን ኣተሓሒዘ እልእከልኩም ኣለኹ ሓደራ ቁሊሕ ክትብልዋ። ኣብረሃም ሰረቐ

ኣብ መሬት ክቦቁል ጽቡቅ ዕምባባታት

ዓበይትን ናእሽቱን ኣክራናት ጎበታት

ርኢካ ኣይጽገብን ናይ ሓጎስ ሳዓታት

ወደባት ከለኒ ምስ ክቡራት ዑንቀይ

ኣነ’ዶ ምሰኣንኩ ምስ’ዚ ኩሉ ሃብተይ

ዘይሃስስ ብርሃን ዘይድበን ጸሓይ

በብዓይነቱ እወ ኣእካል ካብ ስገም ስርናይ

ካብቲ ልምሉም መሬት ፈልፋሊ ጽሩይ ማይ

ምስ ለይሙን ብርቱካን ዘቢብ ዝቦቅሎ ወይኒ

ሰፊሕ ዓቢ መሬት ዘይጥመት ብዓይኒ

ወደባት ኣለዉና ኩቡር ዑንቂ እምኒ

ጸባ መዓር ወለላ ኣብ ቅድመይ እናተሓልበ

ሃብታም ኢዩ መሬተይ ዕንባባ ዝተጎልበበ

ኣነ’ዶ ምጠመኩ ጉድ እምበር ረኪበ

ብኣየር ብባሕሪ ብመሬት ኣቢሉ

ናብ ወጻኢ ሃገር ተሰዲዱ ኩሉ

ጸሞይ ኣሕዲሮምኒ ጨካናት ተኻሉ

ዘይውዳእ ሕልሚ ዘይወግሕ ለይቲ

ሓጋይ ብዘይ ጸሓይ ብዘይ ማይ ክረምቲ

ኣይሓርስ ኣይቁጥቁጥ ኩሉ ናብ ማእሰርቲ

መሬተይ ዘፍረዮ ሸዊት ናይ ግራተይ

በሲሎም ዝወጹ ማዕድን ወደባተይ

ጋኖት ይበልዑሉ ወደባት ናይ ዓደይ

ከም ሰብ ተፈጢረ ቦታ ተዋሂቡኒ

ሰሪሖም ዝናበሩ ዓይነ ብርኪ ኣለዉኒ

ግና ኣይኮነለይን መግዛእቲ መሪሩኒ

ጸሓይ ብርሃን ዓለም ሰላም ተፈልዩኒ

ሓጋይን ክረምትን ኩሉ ሓደ ኮይኑኒ

ኣይዘርእ ኣይዓጽድ ዕድል ሃዲሙኒ

ትርጉም ፈሓም ኮይኑ ረመጽ ሓሙኩሽቲ

ሓኪም ዘይክእሎ ሕማም ውሽጠ ውሽጢ

ስጋይ ወዲእዎ ኣትሪፉኒ ሰቲ

ብክያተይ ንብዓተይ ኣውያተይ ዘይስማዕ

መኣዲ ገዛና ብጋኖት ክብላዕ

ህድሞና ጠፊኡ ናሃቶም ይውላዕ

ዘይውዳእ ሕልሚ ዘይወግሕ ለይቲ

ሓጋይ ብዘይ ጸሓይ ብዘይ ማይ ክረምቲ

ኣይሓርስ ኣይቁጥቁጥ ኩሉ ናብ ማእሰርቲ

መሬተይ ዘፍረዮ ሰዊት ናይ ግራተይ

በሲሎም ዝወጹ ማዕድን ወደባተይ

ጋኖት ይበልዑሉ ወደባት ናይ ዓደይ።

 

    Print       Email

You might also like...

    ምእንቲ ስልጡንን ሉዓላዊን ተቓውሞ

Read More →