Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣብ ከተማ ኣስመራ ወነንቲ 16 ትካላት ንግዲ ኣገልግሎት ዘይፈጸሙን ዝኾብለሉን ኣስሪሕኩም ተባሂሎም ናብ ምምሕዳር ከባቢታቶም ከምዝተጸውዑ ተፈሊጡ።

By   /  December 18, 2016  /  Comments Off on ኣብ ከተማ ኣስመራ ወነንቲ 16 ትካላት ንግዲ ኣገልግሎት ዘይፈጸሙን ዝኾብለሉን ኣስሪሕኩም ተባሂሎም ናብ ምምሕዳር ከባቢታቶም ከምዝተጸውዑ ተፈሊጡ።

    Print       Email

ኣብ ከተማ ኣስመራ ወነንቲ 16 ትካላት ንግዲ ኣገልግሎት ዘይፈጸሙን ዝኾብለሉን ኣስሪሕኩም ተባሂሎም ናብ ምምሕዳር ከባቢታቶም ከምዝተጸውዑ ተፈሊጡ። እቶም ወነንቲ መአመኒ ጌጋታት ኣብ ዝበሃል ሰነድ ከም ዝፍርሙ ድሕሪ ምግባር፤ ካብ መገሻ ከምዝተኣገዱን ፍርዶም ካብ ዞባ ማእከል ይጽበዩ ምህላዎምን ተፈሊጡ ። 4 ካብቶም ወነንቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ዱበይ ኪገሹ እኳ እንተነበሮም ብዝተነበረሎም ናይ መገሻ እገዳ ክንቀሳቐሱ ከምዘይከኣሉ ተሓቢሩ።

እቶም ወነንቲ ዝወሃቦም ውሳነ ክጽበዩ ተሓቢሮም እኳ እንተሃለዉ፤ ከም እቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ናይ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ውሳነ ካብ ሕጋዊ ኣካል ዘይኮነስ፤ ካብ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ጀነራል ሮመዳን ኣውልያይ ክወሃብ ሙኻኑ ዝገለጹ ምንጭታት መድረኽ፤ ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝወጸ ሓድሽ ሕጊ ትካላት ንግዲን ኣገልግሎትን ሞያዊ ዓቕሚ ብዘይብሎም ሰባት ክሰርሓ ይግደዳ ምህላወን ገሊጾም።

ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕሰም፤ ብርክት ዝበላ ናጽላ ቆልዑ ዝሓዛ ኣዴታት፥ ኣረጋውያን፥ ቆልዑት ኣብ ጎደናታት ክልምኑ ምርኣይ ንቡር ኮይኑ ምህላዉ፥ ገለ ምልማን ዘሕፈረን ኣዴታት ድማ ጸልማት ተጎልቢበን ሰብ ከየለልየን ተሸፋፊነን ይልምና ምህላወን ተፈሊጡ።

    Print       Email

You might also like...

መንግስቲ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ብሰደድ (Export) ዝልእኮ ሓደ ነገር ጥራይ ኢዮ – ስደተኛታትን ሕሰሞምን።

Read More →