Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ብዕለት 10 ታሕስስ 2016 ካብ ሱዳን ብመንገዲ ኣዲባራ ናብ ኤርትራ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ዝጸዓነት ትዮታ ፒክኣፕ ከምዝኣተወት ተፈሊጡ።

By   /  December 16, 2016  /  Comments Off on ብዕለት 10 ታሕስስ 2016 ካብ ሱዳን ብመንገዲ ኣዲባራ ናብ ኤርትራ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ዝጸዓነት ትዮታ ፒክኣፕ ከምዝኣተወት ተፈሊጡ።

    Print       Email

 

ብዕለት 10 ታሕስስ 2016 ካብ ሱዳን ብመንገዲ ኣዲባራ ናብ ኤርትራ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ዝጸዓነት ትዮታ ፒክኣፕ ከምዝኣተወት ተፈሊጡ። እታ መኪና ናይ ሱዳን ታርጋ ዝሓዘት ኮይና፤ ብሰለስተ ረሻሽ ዝተዓጥቃ መካይን ተዓጂባ ናብ ኤርትራ ከምዝተጓዕዘት ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ዝጸዓነት መኪና ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወት ዝፍለጥ ኮይኑ፤ እቲ ገንዘብ ካበይ ዝነቐለ ሙኻኑ ዝተረጋገጸ የሎን። እቲ ገንዘብ ብነፋሪት ገዲፍካ ብመኪና ኪጓዓዝ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ናይ ኤርፖርትን በረራን ተፍትሽን መስርሕን ንምውጋድ ኪኸውን ከምዝኽእል እውን ይግመት።

እዚ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ማእከላይ መንግስቲ ሱዳን ዘይፈልጦ ኣብ መንጎ ዞባ ከሰላን መንግስቲ ኤርትራን ናይ ዝግበር ንግዲ ደቂሰባት ገንዘብ ውህለላ ኪኸውን ከምዝኽእል ዝግመት ኮይኑ፤ ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ዶላርን ናይ ህግደፍ ገንዘብ ኣብ ሱዳንን ዝተኣሳሰረ ተርእዮታት ክገሃድ ምቕናዩ ክሕበር ጸኒሑ ኣሎ።

ካብ ኤርትራ ዝግበሩ ኩሎም ንግዲ ደቂሰባት ኣብዚ እዋን እዚ ዘይከምቀደም ብናቕፋ ዘይኮነስ መዛሕትኡ ብዶላር ኮይኑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ንግዲኣዋፊርዎም ዝነበሩ ናይ ቀደም ሰባቱ ኣሊዩ፤ ብኣዚዩ ምእኩል መንገዲ ብኣሃዱታት ስለያ ምዕራባዊ እዚ ጥራይ የካይዶ ምህላዉ ተፈሊጡ።

 

 

    Print       Email

You might also like...

ኣብ ዞባታት ዓንሰባ ደቡብን ማእከልን ገዛውቲ ምፍራስ መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። 

Read More →