Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ብቑጠባዊ ዕብየት ኣብ ዓለም 3ይ ደረጃ ክትስራዕ ሙኻና ዝተነበየላ ኤርትራ፤ ብሰንኪ ውዱቕ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ድሕሪት መበል ሳልሳይ ኣብ ቁጽሪ 186 ተሰሪዓ ትርከብ።

By   /  December 16, 2016  /  Comments Off on ብቑጠባዊ ዕብየት ኣብ ዓለም 3ይ ደረጃ ክትስራዕ ሙኻና ዝተነበየላ ኤርትራ፤ ብሰንኪ ውዱቕ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ድሕሪት መበል ሳልሳይ ኣብ ቁጽሪ 186 ተሰሪዓ ትርከብ።

    Print       Email

ብመሰረት ወግዓዊ ጸብጻባት ዓለም፣ኤርትራ ሳላ ማዕድናዊ ሃብታ ኣብዛ ንዛዝማ ዘለና ዓመተ 2016 ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን 3 ዝቐልጠፈ ቁጠባዊ ዕብየት ዘመዝግባ ሃገራት ዓለም ኪትከውን ነይርዋ። ብሓደ ሕዳር 2013 ዝወጸ ጸብጻብ መጽሄት ኤኮኖሚክ ኢንተሊጀንስ ዩኒት ኣብ እዋኑ ከምዝተተንበዮ፣ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ቢሻ ዝጸንሓ ናይ ነቭሰን ውዕል ወርቅን ዚንክን ነሓስን እቶት፣ምስ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዕደና ሳውዝ ቦልደር ፕሮጀክት ፖታሽ ኮሉሊ፣ምስ ናይ ቻይና ስፌኮ ድማ ከባቢ ሚእቲ ሚልዮን ዝግመት ፕሮጀክት ይሰላሰል ብምህላዉ ኤርትራ ህዝባ ብሃብቲ 3ይ ደረጃ ክስራዕ ተገምጊሙ ነይሩ።

ብሓቂ ድማ በዚ ማዕድናዊ ሃብቲ ንዝርከብ ርእሰማል ተደጊፋ ኤርትራ ንቐጠርን ጋናን ስዒባ 17% ቁጠባዊ ዕብየት እንዳመዝገበት 3ይቲ ዝሃብተመት ሃገር ክትከውን ምተገበኣ። የግዳስ 3 ዓመታት ድሕሪ እቲ መግለጺ፤ እዛ ብቑጠባዊ ዕብየት ኣብ ዓለም 3ይ ደረጃ ክትስራዕ ሙኻና ዝተነበየላ ኤርትራ፤ ብሰንኪ ውዱቕ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ድሕሪት መበል ሳልሳይ ኣብ ቁጽሪ 186 ተሰሪዓ ትርከብ።

እንታይ ደኣ ኣጋጠመ?

ዓለማዊ ትንታነታት ቁጠባን ትንቢታት ዓለማዊ ባንክን ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን 3 ዝቐልጠፈ ቁጠባዊ ዕብየት ዘመዝግባ ሃገራት ዓለም ኪትከውን ኢያ ዝብል ቅድመ ትንበያ ክገብሩ ከለዉ፤ ንመንግስቲ ናይታ ሃገር ከም  ካልኦት ንቡራት መንግስታት ብሙቕጻር ኢዩም ነቲ ዕብየት ቀሚሮሞ።  ቁጠባዊን ፊናንሳውን ፊሲካላውን ፖሊሲታት ናይ ኤርትራ ውን ሓደ ንሃገርን ህዝብን ዝሓስብ መንግስቲ ክኽተሎም ዝኽእል ኢሎም ዝሓሰብዎ ፖሊሲ መበገሲ ትንታነታቶም ብምግባር ኢዮም ተንቲኖሞ።

ቁጠባዊ ዕብየት ናይ ሓንቲ ሃገር ዝጸልዉ ብዙሓት ረቋሒታት ኢዮም። ከም  ውህሉል ጠለብ ሃገራዊ ሃልኪ፥ ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ፥ ሰደድ፥ ደርማስ ወጻኢታት መንግስቲ ብፍላይ ድማ ሃገራዊ ምክልኻል፥ ምትእምማን ኣህለኽቲ፥ ሓይሊ ገንዘብ ኣብ ዕድጊ፤ ማእከላይ ገምጋም ደሞዝ፥ ምጣነ ሸርፊ፥ ምጣነ ወለድ፥ ዓቕሚ ሰብ፥ ህንጸት ትሕተቅርጺ፥ ሓይሊ ዕዮን ኣብ ዕዳጋ፥ ዋጋታት ኣቕሑን ኣገልግሎታትን፤ ፖለቲካዊ ርግኣት ወዘተ እቶም ቀንዲ ወሰንቲ ረቋሕቲ ኢዮም።

ኤርትራ ኣብ 2016 ሓንቲ ካብ ናይ ዓለምና ዝሃብተመት ሃገር ክትከውንያ ኢሎም ዝተንተኑ ክኢላታት እምበኣር እዞም 14 ረቛሒታት ኣብ ኤርትራ ከም ህልዋት ብምውሳድ ኢዮ። ኣብ ኤርትራ ግን እዞም 14 ረቓሒታት የለዉን፤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓደ ረቛሒ ጥራይ ኢዮ ንሱ ድማ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ (direct foreign investment) ብሃገራዊ ፖሊሲ ዘይኮነ ብሓደ ሰብ ኢዩ ዝውሰን፤ እንተደልዩ ዘውፈረ ዝሰጉግ፤ ዝተጀመረ ዝዓጹ፤ ዘይተጀመረ ዝኸልእ ንሱ ሓደ ሰብ ኢዩ። ወጻኢታት መንግስቲ ከም እስፔዛ ገዝኡ ዘካይዶ ሓደ ሰብኣይ ኢዩ። ሃገራዊ ባጀት ዝበሃል የለን፥ከከም ንግሆ ዝተሰኦ፤ እንተደልዩ ዝስልዕ እንተደልዩ ዝኸልእ ንሱ ኢዩ።

screen-shot-2016-12-16-at-1-09-32-pm

ኣብ ኤርትራ ምትእምማን ኣህለኽቲ (Consumer confidence) ዝበሃል የሎን፤ ይትረፍ ብዛዕባ ዘህልኾስ ብዛዕባ ገንዘቡ፤ እረ ብዛዕባ ምህላውን ዘይምህላውን ህይወቱ ምትእምማን የብሉን ህዝቢ ኤርትራ። ምኽንያቱ እቲ ሓደ ሰብኣይ መዓስ ክግፈፉ ይእዝዝ፥ መዓስ ገንዘቦም ካብ ባንክ ከውጽእዎ ክኽልከሉ ይእዝዝ ኣይፈልጡን ኢዮም። ስለዚ ይትረፍ ኣብ ዝገብርዎ ሃልኪ ምትእምማን ክህልዎምስ ፤ ምስደቀሱ ገዘኦም ሃገራዊ ድሕነት መጺኡ ከይኳሕኮሖም ብሰላም ይትስኡ ዶ ኣይትስኡን ምትእምማን የብሎምን።

ህንጸት ትሕተ ቅርጺ (Levels of infrastructure) ኤርትራ ውን እንተኾነ፤ እተን  ህንጻ፤ ሕርሻ፥ መሬት ማይን ኣካባብን ዝበሃላ ሚኒስትሪታት ዘይኮናስ፤ ንሱ እቲ ሓደ ሰብኣይ ኢዩ ዝውስኖ። ንዓዲ ሃሎ ገጽካ ንፈጽ እንተይልዎ ቆልኡ፤ ባዕሉ እንጂነር ኮይኑ ኣብቲ ከባቢ መዘናግዒ ዝኾኖ ዲጋ ይሰርሕ፥ ጋሕቴላይ ውረድ እንተይልዎ ግ’ኑ ብኡ ገጹ ገለ ይሃንጽ።

እቲ ንዕብየት ወሳኒ ዝኾነ ፖለቲካዊ ርግኣት (Political instability) እውን ዝውሰን ብስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ፤ ንሱ እቲ ኩሉ ዝከኣሎ ሓደ ፕረሲደንት ኢዩ። ኮይኑ ድማ እንተደልዩ ኩናት ይእውጅ፥ እንተደልዩ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ናብ ካልኦት ሃገራት ይሸይጥ፥ እንተደልዩ ኣንጻር ካልኦት ሃገራት ዝዋግኡ ተቓወምቲ የዕጥቕ።

ዋጋ ምጣነ ሸርፊ ይኹን ምጣነ ወለድ (Value of exchange rate/Interest rate) ዝውስን ውን ንሱ እቲ መራሒ ኢዩ። እቲ ፕረዚደንት ዝኾነ ኣብ ኣእምሩኡ ቅጅል ዝበሎ ቁጽሪ ድሕሪ ምሃብ፤ ካብዚ ንላዕሊ ዘሽረፈ እሰርዎ ኢሉ ይእዝዝ፥ ሸርፊ ከም ኩሎም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኣሰራርሓታት ብሓይሊ ዕድጊ ባጤራ ዘይኮነ፤ ብሓይሊ ብረት ፖሊስን ስለያን ክውሰን ይህቀን።

ኤርትራ ከምቲ እዞም ዓለማውያን ቁጠባዊ ትካላት ዝተነበይዎ ኣብ ዓለምና ሓንቲ ካብተን 3 ዝቐልጠፈ ቁጠባዊ ዕብየት ዘመዝግባ ሃገራት ዓለም ዘይሙኻና ተረጋጊጹ ኣሎ። ብኣንጻሩ ኣብቲ ኣብ 2016 ዝወጸ ናይ ሕቡራት ሃገራት ተርታ ንማእከላይ ኣፍሪቃን ኒጀርን ጥራይ ቀዲማ ብድሕሪት 3ይቲ ኮይና ኣላ።

እቶም ዓለማውያን ትካላት መጽናዕቶም ጌጋ ዝኾነሉ ምኽንያት መሰረቱ እዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ንቡር ስርዓት ዝወስድ ቫርያብልስ (variables) ናይ መዐቀኒታቶም ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ንቡር ዝበሃል ነገር የልቦን። እቲ ነዳፊ፥ እቲ ወሳኒ፥ እቲ ተግባሪ፥ እቲ ኣጽናዒ፥ እቲ ገባሪ፥ እቲ ሓዳጊ፥እቲ ኣውፋሪ፥ እቲ ኣሽራፊ፥ እቲ ገዛኢ፥ እቲ ሃጋሪ፤ እቲ ኣውፋሪ፥ እቲ ቀያሲ፥ ሓደ ሰብኣይ ኢዩ።

ከምኡ ስለዝኾነ ብኣንጻር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተተንበየ ቁጠባዊ ዕብየት ህዝቢ ኤርትራ ድኽነቱ እንዳገደደ፥መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዘይረክብ ኮይኑ ኣሎ።ብኡ መጠን ኤርትራ ዳርጋ ኣብ ኩሉ መሳርዕ ዓለማዊ ጸብጻባት ቁጠባዊ ገስጋስ ኣብተን 5 ዳሕረዎት ተሰሪዓ ትርከብ።

እዛ ኣብ ዓለም 3ይ ክትከውን ኢያ ዝተባህለትን ከምኡ ክትከውን ዝግባኣ ኤርትራ፤ ሎሚ ህጻናታ ሎቺ ከይዳ ሉቺ መጺኣ ክብሉ ዝውዕሉ፥ ናይ ቴሌፎንን ኢንተርነትን ኣገልግሎት ዘይብላ፥ ዝስተ ማይ ብሪጋ ዝዕደላ ኮይና ኣላ። ከምኡ ዝኾነተሉ ምኽንያት ድማ ጸጋታት ዘይብላ ስለዝኾነት ዘይኮነስ ስርዓትን ምሕደራን ስለዘይረኸበት ኢዩ።

ሎሚ እቲ ብወዙን ደመቱን ዝልለ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ፤ ሕሰሙ ካብ ዓጽመ ስግኡን ገጹን ብቐሊሉ እተለልዩ፤ ዝመረሮ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። ንላምባ ብሪጋ፤ ንጋዝ ብሪጋ፤ ንባኒ ብሪጋ፤ ንባንክ ብሪጋ፤ ንማይ ብሪጋ ዝረክብ፤ ፍርቂ ናይ ግዚኡ ኣብ ሪጋ ዘሕልፎ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ።

ለባም ሓታቲ ኤርትራ ከመይ ኢላ ኢያ ወርቂ ምስረኸበት፤ ፖታሽ ምስሓፈሰት ኣብ ዓመት ልዕሊ 300 ሚልዮን ዝዋግኡ ማዕድን እንዳሸጠት፤ ህዝባ መመሊሱ ዝሓስሞ፥ ስለምንታይ ኢዩ ከም እዋን ፍልመዴስነት ኣብ ጸልማትን ጽምኣትን ዝነብር ዘሎ ኢሉ ምሕታቱ ኣይተረፎን። ልክዕ ኢዩ፤ ኣብ ከብዲ ጽጉብ የለን ጥሙይ ከምዝበሃል፤ እቶም ብሚልዮናት ዶላር ኣብ ስዊዝን ዱበይን ኣቐሚጦም ዘለዉ ብልሽዋት ሰበስልጣን፤ ከምኡ ውን ከም ወይዘሪት ጽገሬዳ ዝኣመሰላ 36 ኪሎ ወርቂ ከም ዋዛ ዘመላልሳ ሰብ ዘመን ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራ ኣይስቆሮምን ይኸውን፤ ህዝቢ ኤርትራ ግን መንብሩኡ፤ ከምቲ ኣብ ታሪኹ ዘመነ ኣካሒዳ ኢሉ ዝዝክሮ እዋን ኮይኑዎ ኣሎ።

ኤርትራ ብመለክዒ ሰብኣዊ ምዕባለታት ውድቕቲ ሃገር ዘብላ ደረጃ ሒዛ ኣላ። ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጸጋታቱን ሃብቱን ዝበልዖን ዝሰትዮን፥ ዘጽልሎን ዝኽደኖን ስኢኑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ከምዘረጋግጾ ድኽነት ንበይኑ ኣይቀትልንዩ። ዝቐትል ውዱቕ ምሕደራ ዘምጸኦ ድኽነት ኢዩ፤ ስለዝኾነ ብዉሑዱ ደቁ ንሱ ዝሓለፎ መሪር ድኽነት ከይሓልፉ፥ ኤርትራ ከምዚ ሕጂ ኮይናቶ ዘላ 36 ኪሎ ወርቂ ዝጻፍዓ ሰብ ግዝየን፤ 36 ለይቲ ጾመን ዝሓድራ ብዱላት ዜጋታትን ከይትሕዝ ነዚ ብኽሳዱ ሒዙ ኣምበርኪኹ ዝገርፎ ዘሎ ስርዓት ክፍንጽግ ኣለዎ። ከምኡ እንተዘይጌሩ ኣሕ እንዳበለ ዝመውት እኩብ ህዝቢ ኮይኑ ክተርፍ ኢዩ።

    Print       Email

You might also like...

‘ወርቂ እናፈልፈለ ካብ ለዋህ መሬተይ፤ ወደባት ከለኒ ምስ ክቡራት ዑንቀይ ፤ ኣነ’ዶ ምሰኣንኩ ምስ’ዚ ኩሉ ሃብተይ’ የማነ ባርያ

Read More →