Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ብሰንኪ/ብስም ምህናጽ ‘ሓጽቢ ተሃድሶ’ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጲያን ተላዒሉ ዘሎ ምትፍናንን፤ ኣመታት መጻእቲ ምዕባለታቱን

By   /  December 18, 2016  /  Comments Off on ብሰንኪ/ብስም ምህናጽ ‘ሓጽቢ ተሃድሶ’ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጲያን ተላዒሉ ዘሎ ምትፍናንን፤ ኣመታት መጻእቲ ምዕባለታቱን

    Print       Email

መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓጽቢ መመንጨዊ ኤሌትሪክ ዓቢ ተሃድሶ’ ብዝብል ስያመ ዝፍለጥ መመንጭዊ ሃይድሮ ኤሌትሪክ ንምህናጽ በይናዊ ስጉምትን ትግባረን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፤ ኣብ መንጎ ሪፑብሊክ ግብጽን ኢትዮጲያን ዲፕሎምያሳውን ፖለቲካውን እረ ሓንሳብ’ሲ ጸጥታዊ ምፍጣጥ ክዓቢ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ምትፍናን’ዚ ክልቲአን ሃገራት ንነናተን ዕላማ ንምዕዋት ብዝምስርትኦ ኪዳናት፤ ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካውን ዜናውን ዘመተ፤ ከምኡ ውን ዕዮ ንህዝባዊ ደገፍ ተሰኒዩ፤ ዞባዊ መልክዕ ክሕዝ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ዓንቀጽ ነዚ ምስ ምህናጽ ሓጽቢ ተኣሳሲሩ ንሃገርና ብቐረባ ክጸሉ ዝኽእል ሓድሽ ምዕባሌታት ዝምድናታት ግብጽን ኢትዮጲያን ክድህስስ ክፍትን ኢዩ።

ድሕረባይታ

ምህናጽ ናይቲ ብ Grand Ethiopian Renaissance Dam (GERD) ወይ ‘ታላቁ የኢትዮጵያ ሕዳሴ ግድብ’፤ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓጽቢ፤ ብ30 መጋቢት 2011 ድሕሪ ምእዋጁ፤ ብዘይ ሰፊሕ ጨረታ ማለት ብቐጥታ ብምደባ ኢዩ ንሓደ ሳሊና ኮንስትሮቶሪ እተባህለ ኢጣልያዊ ኩባንያ ብ4.2 ቢልዮን ዶላር ናይ ህንጸት ውዕል ክግበር ተኸቲሙ። እዚ 6000 ሜጋዋት ኤሌትሪክ ዘመንጩ ሓጽቢ ምስተዛዘመ፤ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ናይ ሃይድሮኤልትሪክ ትካል ኪኸውን ኢዩ። እዚ ሓጽቢ እዚ ነዚ ዝተጠቐሰ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ተኽይኑ ካብ ማያት ፈለግ ኣባይ ደሓር ናብ ግብጺ ምስኣተወ ናብ ፈለግ ኒል ዝቕየር ብዉሑዱ 79 ቢልዮን  ሜትሪክ ኪዩብ ማይ ኣሊዩ ክኽዝን ኣለዎ። እዚ ናይ ማይ ምእላይን ኣጠቓቕማን ኢዩ እምበኣር ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጲያን ምፍጣጥ ዘልዓለ።ግብጺ ብጽሒተይ ክንኪ ኢዩ ክትብል ከላ ኢትዮጲያ ብወገና ዝንከ ማይ የለን ብኣንጻሩ እቲ ብቐጥታ ዝውሕዝ ዝንበረ ፈለግ ኣብ ቀላይ ናስር ንዘጋጥሞ ዝነበረ ምህፋፍ ስለዝንኪ ዓቐን ማይ ግቭጺ ክውስኽ ኢዩ ዝብል ምጉት ተቕርብ።

ምሕደራ ዶባት ሰገር ወሓይዝን ኣፍላጋትን

ኣብ ዓለም ክሳብ 263 ዝኾኑ ስግረ ዶባት ዝሽፍኑ ኣፍላግን ቀላያትን ኣለዉ። እዞም ዶባት ሰገር ወሓይዝትን ኣፍላጋትን፤ ብኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ኢዮም ዝመሓደሩ። ተርእዮታት ውዕላት ማይ ካብ ጥንቲ ዝጀመሩ ኢዮምይ። ንኣብነት እቲ ኣብ መንጎ ዓድታት ላጋሽን ኡማን 2500 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ፈለግ ጥግሪስ ዝተገብረ ውዕል ኣጠቓቕማ ማይ ናይዚ ኣብነት ኢዩ። ናይ ቀረባ እዋን ሰነዳት ከምዝሕብርዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ልዕሊ 137 ኣህጉራውያን ውዕላት ማይ ተኸቲሞም። 37 ዝኾኑ ጥራይ ድማ ብሰንኪ ማይ ናብ ግጭት ኣምሪሖም።

ሰለስተ  ካብቶም  ፍሉጣት ንስግረዶባዊ ዋሓይዝ ዝምልከት ዓለማዊ ሕጊታት፤  1) እቲ ብ Institute of International Law እተሓትመ  International Regulation regarding the Use of International Watercourses for Purposes other than Navigation ተባሂሉ ዝፍለጥ Madrid Declaration  2)  ኣብ 1966  ብ International Law Association ዝተነደፈ  ንምዕሩይ ኣጠቓቕማ ኣህጉራዊ ማያትን ዝጽውዕ ብ Helsinki Rules ዝፍለጥ ኣዋጅ፤ 3)  እቲ እቲ ብ UN Convention on the Law of the Non-Navigational Uses of International Watercourses, ዝፍለጥ ብሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1997 ዝጸደቐ ኣዋጅ ኢዩ። ሕቡራት ሃገራት ንኣህጉራዊ ማያት ዝቕይድ ኣዋጅ ክሳብ 1997 ዘይምውጽኡ፤  እዚ ዳሕረዋይ ዘውጸኦ ኣዋጅ ንምጽዳቕ እውን  ልዕሊ 25 ዓመታት መጽናዕቲ ምግባሩ ዘገንዝቦ ነገር እንተሊዩ  ስግረዶባዊ ዋሓዝቲ ማያትን ተሻረኽቲ ቀላያትን ንኹለን ተዋሳእቲ ሃገራት  (co-riparian states)  ዝምእምእ ሕጊ ምንዳፍ ቀሊል ዕዮ ከምዘይኮነ ኢዩ።

መግዛእታዊ ውዕላትን ሳዕቤናቶምን

ኣብ ፈለግ ኒል ኤርትራ ትርከበን 11 ሃገራት ብንኡስ ዓቐን ይኹን ብግዚፍ መጠን እጃም ኣለወን። እዘን ሃገራት እዚአን ኣብ ፈለግ ኒል ንዝህሉ ስርዓተ ከይዲ፤ ብመሰረት እቲ ኣብ 1929 ከምኡ እውን 1959 ኣብ መንጎ ሪፑብሊክ ግብጽን እታ ኣብቲ እዋን እቲ ንሱዳን ትሙግዝያ (ብሞግዚትነት እተመሓድራ) ዝነበረት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን፤  ብዝተኸተመ ሰነዳት  29 ከምኡውን 59 ክነባበራ ጸኒሐን ኣለዋ። እቲ ውዕል ብዙሕ ዝርዝራት እኳ እንተለዎ፤ ሕምብርቲ ናይቲ ሰነድ፤ ግብጺ ዝለዓለ ተጠቃምነት ናይቲ ማይ ከምዘለዋ፥ሱዳን ድማ ማይ ናይ ምእላይ መሰል ክህልዋ፤እተን ካልኦት ሃገራት ማያት ብምእላይ ይኹን ብኻልእ መልክዕ ንትሕዝቶ ናይቲ ዋሕዚ ክንክያ መሰል ከምዘይብለን ኢዩ ዘረጋግጽ።

እዚ ውዕል እዚ ንመብዛሕተአን ሃገራት ኣባላት ፍሰት ማያት ኒል፥ ብፍላይ ድማ ነታ 80% ናይቲ ማይ እተመንጩ ኢትዮጲያ ዝቐዱ ውዕል ኣይኮነን። ብትሕዝቱኡ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ብዋንነት ናይቲ ውዕል ውን እንተኾነ፤ እቲ ሰነድ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይኮነስ፥ ኣብ መንጎ ግብጽን ሓንቲ ካልእ ባዕዳዊት ኤውሮጳዊት ሃገርን ኢዩ ተኸቲሙ።  ንውዕላትን ሰነዳትን ዝምእዝዝ ቬና ኮንቨንሽን ኣብ ዓንቀጻቱ ሓንቲ ሃገር ንሳ ዘይተሳተፈቶ ውዕል ብዘይ ናታ ፍቓድ ኣብ ልዕሊኣ ዝስግደድ ግቡኣት ይኹን፤ ዝጉናዕ መሰላት ክህልዋ ኣይክእልን ዝብል ሙኻኑ ምስእንዝክር ድማ እዘን 11 ሃገራት በዚ ውዕል እዚ ኪቕየዳ ሕጋዊ ግዴታ ምህላዉን ዘይምህላዉን ኣከራኻሪ ይገብሮ።

ኢትዮጲያ ካብ እዋን ሃይለስላሰ ኣትሒዛ፤ እዚ ውዕል እዚ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ኣቤቱታኣ እኳ ከተቕርብ እንተጸንሐት፤ ንጉስ ሃይለስላሰ ይኹን ፥ ኮለነል መንግስቱ ሃይለማርያም ( እዚ ንድፊ ሓጽቢ ተሃድሶ ኣብ እዋን መንግስቱ ዝተገበረ ኢዩ ዝብል ሓበሬታ ውን ኣሎ)፤  ነዚ ተነቃፊ ኢሎም ዝሓስብዎ ጉዳይ በይናዊ ስጉምቲ ክወስዱሉ ኣይመረጹን። ክልተ ካብቶም ቀንዲ ምኽንያታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡

  • ግብጺ ዘለዋ (ወይ ዝነበራ ምባል ይሓይሽ)  ወተሃደራዊ፥ ፖለቲካዊ፥ጸጥጣዊ፥ ዲፕሎማስያዊ፥ ዞባዊ ሓይሊን ምስኡ ምግጣም ዝከኣል ስለዘይነበረ፥
  • በይነኣዊ ስጉምቲ ከስዕብዎ ዝኽእሉ ሕጋዊ  ሳዕቤናት። እዚ ዳሕረዋይ ነጥቢ ብዝምልከት ንውዕላትን ሰነዳትን ዝምእዝዝ ቬና ኮንቨንሽን ኣብ ዓንቀጹ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፤ ‘ዝኾነት ሃገር ወይ ዞባዊ ውድብ፤ ንዝኾነ ውዕል ክትስርዝን ክትነጽግን እትኽእል ነቲ ውዕል ብሕጋዊ መንገዲ ጥራይ ምስእተሰርዞ ኢዩ። ስለዝኾነ ኢዩ ድማ መንግስቲ ኢትዮጲያ፤ ሽሕ’ኳ እቲ ናይ 1929፤ 1959 ውዕላትን ንሱ ዘይከተመትሉን ንረብሓ ሃገሩ ዘይሕሉን ሙኻኑ እንዳፈለጠ በይነኣዊ ምስራዝ ክገብሩሉ ይኽእል ዶ ኣይኽእልን ዝብል ምጉት ኣከራኻሪ ዝኸውን።

ህሊዊ ኩነታት ምህናጽ ሓጽቢ ተሃድሶን፤ ጎኑ ጎኑ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊን ጸጥታውን ወተሃደራውን ኩነታት

ክሳብ መወዳእታ 2016 እቲ ፕሮጀክት ክሳብ 75% ናይ ዕማሙ ክዛዝም፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ክሳብ 750 ሜጋዋት ዝዓቐኑ ምምንጫው ኤሌክትሪክ ክጅምር ሙኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ዕለት 28 ግንቦት 2013 ( እቲ ዕለት ምስ መበል 12 ዓመት ምእታው ኢህወደግ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጋጠም ኢዩ) ንመጀመርያ ግዜ ካብ ፈለግ ኒል ማይ ኣሊዩ ናብቲ ሓጽቢ ዘእተወሉ ዕለት ድማ፤ ኣብ ዓውደ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ ኢትዮጲያ በይናዊ ስጉምቲ ምልክት ኮይኑስ፤ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ክዉን ኩነት ፈጢሩ ኣሎ። እዋናውነት ናይዚ ህንጸት እዚ ምስቲ ግብጺ ብሰንኪ ዘጋጠማ ቀዳማይን ካልኣይን ሰውራታት – ማለት ኣንጻር ሑስኒ ሙባረክን ኣንጻር ሙርሲን፥ ፤ንዕኡ ስዒቡ ዝረአ ዘሎ ኩለመዳያዊ ውድቀት ናይ ግብጺ ሓይሊ፤ እንተላይ ቁጠባዊ፥ ጸጥታዊ፥ ፋይናንሳዊ፥ ዲፕሎማስያዊ ክረአ ዝግባእ ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ኩነታት ውን ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ሓይሊ ዝህቦ ኣይኮነን። እቲ ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ዝውድእ ፕሮጀክት ኩለን ዓለማውያን ፊናንሳውያን ትካላት ናይ ልቓሕ ይኹን ድጎማ ደገፍ ክገብራ ፍቓደተኛታት ዘይሙኻነን፤ 10 ሚእታዊ ናይ ጠቕላላ ዘቤታዊ እቶት እታ ሃገር ኪዞቅቕ ሙኻኑ ይግመት። ኣብዚ እዋን እዚ ሪዘርቭ ትሕዝቶ ናይታ ሃገር እንዳንቆልቆለ ምኻዱን፥ ብሰንኪ ተኣዊጁ ዘሎ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ቁጠባዊን ወፍረኣውን እቶት ክጽሎ ሙኻኑን፥ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጲያ ዘሎ ዘይዕግበት እንዳዓረገ ምምጽኡን ገለ ካብቶም ንኢትዮጲያ ላዕለዋይ ኢድ ከይህልዋ ዝዓግቱ ረቓሒታት ኢዮም። በቲ ካልእ ወገን ድማ ቻይና ልዕሊ 1 ቢልዮን  ዘውጽእ ናይ ተርባይንን ኤሌክትሪክን መሳርሒታት ፋይናንስ ክትገብር ሙኻና ግን ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ዓቢ ደገፍ ኢዩ።

ሕጋዊ ኣመታቱ

ብመሰረት መግለጺን ምጉትን ኢትዮጲያ፤ መመንጨዊ ኤሌክትሪክ ግድብ ተሃድሶ፤ ካብ ፈለግ ኒል ማያት ኣሊዩ እንደገና ዝመልሶ ብሙኻኑ፤ ዝጠፍእ ማይ ወይ ኣብ ፈለግ ኒል ዝንከ ትሕዝቶ የለን፤ ስለዚ እዚ ብሰንኪ ምህናጽ ሓጽቢ ኣብ መንጎ ኢትዮጲያን ግብጽን ተላዒልሉ ዘሎ ጉዳይ፤ ካብ ማያዊ ሙኻኑ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ኢዩ ዝብሉ ወገናት ኣይተሳእኑን። ግብጺ ንኒል ከም ናይ ሞትን ህይወትን መፍትሕ እያ ትርእዮ። ብሓቂ ድማ ብሰንኪ ስትራተጂካዊ ውድቀት ናይ ተኸታተልቲ መንግስትታት ግብጺ፤ እታ ሃገር፤’ውጥን  ለ’ (plan B) ክበሃል ዝከኣል ዝኾነ ናይ ውሕስነት መግቢ ምዕባለ ስለዘየረጋገጸት፤ ህላወኣ ምስ ፈለግ ኒል ዝተኣሳሰረ ኢዩ።

ክልቲአን ሃገራት ምስ ኒል ንዝተሓሓዝ ውጥናተን ኣብ ሓደ ዘንቢል ኣይኮናን ኣቐሚጠነኦ ዘለዋ። ብዝተኻእለ መጠን ካብዚ ምትፍናን ዝለዓለ ውጺኢት ንምርካብ፤ ክልቲአን ሃገራት ሓደ ዘይኮነ ብዙሕ ሕጋዊን ዲፕሎማስያውን መገድታት ይወስዳ ምህላወን ዘነጽሩ ጸብጻባት ኣለዉ። ብሓቂ ውን ውዒሉ ሓዲሩ፤ እዚ ጉዳይ ብሕጋዊን ዲፕሎማስያዊን ውዕላት ክዛዘም ሙኻኑ ዘይተርፍ ኢዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝለዓለ ኢድ ዘለዎም ፖለቲከኛታት ወይስ ሰልፍታት ዘይኮኑስ፤ ናይ ማይን ኣከባቢን ሕግን ክኢላታት ኢዮም። ኣብ ጉዳይ ምህናጽ ሓጽቢን ጽልውኡ ኣብ ኒልን ንኣብነት፤ ኣብ ጥቅምቲ 2014 ኣህጉራውያን ጠቢባን ማያትን ሕግታትን፤ ብኣላይነት ሓደ ናይ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፤ ንኩሎም ህዝብታት ሱዳን ግብጺን ኢትዮጲያን ዘርብሕ ቴክኒካዊ ምኽሪ ዝሓዘ እማመታት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

እተን ሃገራት ንባዕለን ውን ማለት ግብጽን ሱዳንን ኢትዮጲያን ቴክኒካውያን ክኢላታት መዚዘን ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየደኦ ኣኼባ በቲ water resources modeling study and hydropower simulation assessment studies ዝብል ናይ ሓባር ስምምዕን መረዳእታን፤ ናይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ክኢላታት ውዱእ መጽናዕቲ ሒዞም ክመጹ ተሰማሚዐን ኣለዋ።ስለዚ ዜርካ ዜርካ ኒል ኣብ ዓውደ ውግእ ዘይኮነስ ኣብ ዓውደ ጠረጴዛ ክፍታሕ ሙኻኑ ዘየጠራጥር ኢዩ።

ዞባዊ ጽልዋታቱ

ኣብ ዕለታት 16 ክሳብ 19 ታሕሳስ ናይ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ኣሰይድ ኣሕመድ ኣልኻጥብ  ሃንደበት ናብቲ ዝህነጽ ዘሎ ሓጽቢ ተሃድሶ ምብጽሑን ብመራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጲያ ንምዝርግሑ ምምራጹን፤ ንግስነት ስዑዲ ነታ ናብ ኪዳን ሶርያን ኢራንን ዘዝበለት ግብጺ ናይ ‘ተኣደቢ እንተዘየሎ’ ዘስምዕ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ዝተገበረ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ይመስል። እዚ ክስተት እዚ ምስቲ ኣብ ጅቡቲ ንምምስራት ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ ስዑድያ ወተሃደራዊ መደበር ተደሚሩ፤ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጸጥታ ማያት ኒልን ቀይሕ ባሕርን ሓድሽ ቀመር ይዋደድ ምህላዉ ዘረጋግጽ ኢዩ።ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ፕረዚደንት ናይታ ሓንቲ ካብተን ኣብ ማያት ኒል ግደ ዘለወን ሃገራት ዝኾነ ዩዌሪ ሙሴቨኒ  ናብ ግብጺ ምጉዓዙ፤ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ድማ እስራኤል ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ተገዳስነት ንምብርባር ኣብ ዝተበገሰትሉ እዋን ዩጋንዳ ሓንቲ ካብተን ንስትራተጂካዊ ዝምድናታት ምስ እስራኤል ዝተሓርየት ሙኻና ኣብ ግምት ብምእታው፥ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ኪዳናትን፥ ደቂ ኪዳናትን ይፍጠርዎ ከምዘለዉ ዘረጋግጽ ኢዩ።

ሱዳን እታ ዝለዓለት ተረባሒት ናይዚ ክስተት ኢያ

ሱዳን ነዚ ጉዳይ እዚ ብህድኣት፤ እዉጅ ጸግዒ ከይሓዘት (ብታሕቲ ታሕቲ ምህናጽ ናይቲ መመንጨዊ ሓይሊ ትድግፍ ኢያ)  ክትሕዞ መሪጻ ኣላ። ከምኡ ምግባራ ድማ ዘገርም ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ፤ ካብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነት እታ ዝለዓለ ረብሓ እትረክብ ሱዳን ኢያ። በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት።

ሱዳን በቲ ናይ 1929፤ 1959 ውዕላት መሰረት፤ ካብ ፈለግ ኒል ማያት ብካናለታት ኣሊያ ናብ ሕርሻዊ  መዓላ ከተውዕሎ ዝፍቀደላ ኢዩ። ስለዚ፤ ኢትዮጲያ ምእንቲ ርእሳ ኢላ እትግድቦ ዘላ ማይ፤ ኣብ ዶብ ሱዳን ብሙኻኑ፤ ሱዳን ዘይከምቲ ብግብጺ ዝተሃንጸ ሓጽቢ ኣስዋን ( ሓጽቢ ኣስዋን ናብ መሬታ ዝኣቱ ክፋል ዕዮ ነይርዎ)፤ ኣብ ውሽጢ መሬታ ዝኣቱ ሓጽቢ ምህናጽ ከየድለያ፤ ንሕርሻዊ መዓላ ከተውዕሎ መሰል ዝህልዋ ዝያዳ ናይ ማይ ጸጋ ትረክብ ኣላ። ብተወሳኺ እዚ ዝህነጽ ዘሎ ሓጽቢ፤ካብ ዶባታ ኣብ ናይ 15 ኪሎመተር ርሕቀት ጥራይ ይህነጽ ስለዘሎ፤  ሱዳን ካብ ኢትዮጲያ ብርትዓዊ ዋጋ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ኤሌክትሪክ ቀረብ ክትረክብ ኢያ።

ኤርትራ ብኽሳራ እትወጽእ ሃገር ኢያ

መንግስቲ ኤርትራ፤ ኣብዚ ሓድሽ ምዕባለታት ዘለዎ መርገጺ ዝቀያየር፥ ተገራጫዊ፥ ብናይ መልሰ ተግባር ፖሊሲ ዝምራሕ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ሓደ ካብ መግለጺታቱ ‘መግዛእታዊ ውዕላት ፈለግ ኒል ፍትሓውያን ኣይኮኑን፤ ስለዚ ምስ ኢትዮጲያ ዘሎና ሽግር ንጎድኒ ገዲፍካ ኣብዚ ጉዳይ ኢትዮጲያ ኢያ ቅኑዕ ዘላ’ ክብል ገሊጹ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላ ንኤርትራ ሓደገኛ ቅድመ ፍጻመ( precedence) ኢዩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ጉዳይ ዶብ ኢትዮጲያን ኤርትራን ዶባት ብመግዛእታዊ ውዕላት 1900፤ 1902፤ 1908 ኢዮም ክሕንጸጹ ዘለዎም። መንግስቲ ኤርትራ ንመግዛእታዊ ውዕላት ዝነጽግ ወይ ዝቕልስ መርተዖ ብዝኾነ መንገዲ ክድግፍ ኣይግበኦን።(ሽሕኳ ዝተዛዘመ ጉዳይ እንተኾነ) ።

እቲ ካልእ ዝዓበየ ጌጋ ናይ መንግስቲ ኤርትራ፤ ብሰንኪ እዋናዊ ጸገማቱ፤ ምስታ ኣብ ዝኾነ እዋን ገጻ ክትጠዊ እትኽእል ግብጺ ደረቱ ዝሓለፈ ውዕላት ምግባሩ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጲያን ግብጽን ዘሎ ምትፍናን ብሓደ ሴናርዮ፤ ማለት ናብ ኩናት ክዓርግ ኢዩ ብዝብል ግምት ጥራይ ሒዝዎ ስለዘሎ፤ እቲ ጉዳይ ብሕጋዊን ዲፕሎማስያዊን መንገዲ እንተተፈቲሑ ኣብዚ ጉዳይ ብኽሳራ ክወጽእ ሙኻኑ ዘየጠራጥር ኢዩ።

ኣብ ጉዳይ ኒል ኤርትራ እተበርክቶ ማይ ካብ 0.4% ዘይዓቢ ስለዝኾነ; ምስታ 80% ናይቲ ማይ እተበርክት ኢትዮጲያ ይኹን፤ ምስታ 67% ናይቲ ዋሕዚ እትጥቀም ግብጺ ክነጻጸር ከሎ ህላወ ኤርትራ ጉሉሕ ኣይኮነን። መንግስቲ ኤርትራ ዝዋሰኣሉ ዘሎ ጉዳይ፤ ግብጺ፤ ኣብቲ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ዲፕሎማስያውን ምትፍናን፤  ከም ናይ ጸቕጢ ካርድ ክትጥቀመሉ ምውሳና ኢዩ። እዚ መዳይ ኢዩ ድማ ንኤርትራ፤ ኣብዚ ጸወታ ብኽሳራ ከውጸኣ ኢዩ ዝብል ግምት ዘሎ።ኤርትራ ኢደበይዛ ናይዝኾነ ወገን ክትከምን ኣይግባእን ብፍላይኳ ደኣ ናይታ መጻኢኣ ኣብ ዞባዎ ግድል ዘንቆልቁል ዘሎ ግብጺ።

 መደምደምታ

ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጲያ ጸቕጢ ንምግባር፤ ንኤርትራ ከም መሳርሒ ክንጠቀመላ ኣለና ዝብል ውሳነ ከምዝወሰደት፤ ኣብ ኣብ እዋን ምምምሕዳር ሙርሲ በቲ ብጌጋ ካብ ኣኼባ ካቢነት ዝለሓኾ ድምጺ ተረጋጊጹ ኢዩ። እዚ ናይ ኒል ጉዳይ ግን፤ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ መሬት ክዉን ኩነት ፈጢሩ ስለዘሎ፤ ግብጺ ንድሕሪት ክትመልሶ ዘለዋ ዕድል ኣዚዩ ጸቢብ ኢዩ። ከም ቀደም ግብጺ ዞባዊት ሓይሊ ኮይና ምስ ኢትዮጲያ ናብ ውግእ ክትጸምድ ዘይሙኻና ውን ርጉጽ ኢዩ፤ ምኽንያቱ፤ በቲ ሓደ ወገን ክልቲኤን ሃገራት ናብ ውግእ ናይ ምኻድ ሸውሃት ይኹን ዓቕሚ ኣብዚ እዋን እዚ የብለንን፥ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኢትዮጲያ ናይ እስራኤል ደገፍ ስለዘይትንፈግ፤ እዚ መንገዲ እዚ ዘዋጽኣ ከምዘይኮነ ግብጺ ኣረጋጊጻ ትፈልጥ ኢያ።

ኣብ መበል 63 ሓፈሻዊ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ብ A/RES/63/124 ዝፍለጥ ብይን፤ ‘ሃገራት ኣብ መንጎአን ዘለዉ ስግረዶብ ወሓይዛት ብክልተኣዊን ዞባውን ዘተን ርክባትን ከመሓድሩ’ ዝብል ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ፤ ዝበዝሑ ማያዊ ጉዳያት ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ክተሓዙ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ ብቱርኪ ኣብ ወሓይዝ ጢግሪስን ኢፍራይጥስን ዝህነጽ ዘሎ ኣብ 2017 ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ብኢሉሱ ዝፍለጥ ሓጽቢ ፤ናይ ሶርያን ኢራቕን ኣተሓሕዛን ተራን ሓደ ኣብነት ናይዚ ኢዩ።

ግብጽን ኢትዮጲያን እውን መወዳእትኡ ዲፕሎማስያውን ሕጋውን መንገዲ ክወስዳ ሙኻነን ዘማትእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚአን ዘሎ ኣማራጺ ወይ ናብቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝእንፈት ዘሎ ነዊሕ ሕጋዊ  መስርሕ ምጽማድ፤ ወይ ኣብቲ ብናይ ባዕለን ይኹን  ኣህጉራውያን ቴክኒካዊያን ጠቢባን ዝወሃብ እማመታት ምዝታይን ምስምማዕ ወይ ውን ብሓይሊ ምርግኡ ኢዩ። እዚ ዳሕረዋይ ኣማራጺ  ዘዋጸአን ዘይሙኻኑ ክልቲአን ሃገራት ብልበን ዝሰማማዓሉ ጉዳይ ሙኻኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

ግብጽን ኢትዮጲያን ናብ ኩናት ክሳብ ዘየምረሓ፤ መንግስቲ ኤርትራ ንመዋገዪ ዝተሓዝአ ካርታ ካብ ሙኻን ዝሓልፍ ተራ ክህልዎ ኣይኮነን። እቲ ዝኸፍአ ድማ ግብጽን ኢትዮጲያን ሽግራተን ብሕጋዊ መንገዲ እንተኣዕሊበነኦ ብኽልቲአን ሃገራት ዳግም ክንጸል ሙኻኑ ኢዩ። እቲ ልዕሊኡ ዘሕዝን ግን፤ ከም ወትሩ እቲ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ዝጠፍእ ዕድላትን ጸጋታትን፤ ብዋጋ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ኪኸውን ሙኻኑ ኢዩ።

 

 

 

    Print       Email

You might also like...

ኤርትራ – ሃብታም ሃገር፡ ዝሰርቕ መንግስቲ፡ ዝደኸየ ህዝቢ።

Read More →