Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ምስ ወይዘሪት ጽገረዳ ተተሓሒዙ፤ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብ ልዕሊ ዘወሃሀዶ መሸጣ ወርቂ ዝያዳ መረጋገጺ እኳ እንተተረኸበ፤ ንምዕባሱ ይህቀን ምህላዉ ተረጋጊጹ።

By   /  December 25, 2016  /  Comments Off on ምስ ወይዘሪት ጽገረዳ ተተሓሒዙ፤ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብ ልዕሊ ዘወሃሀዶ መሸጣ ወርቂ ዝያዳ መረጋገጺ እኳ እንተተረኸበ፤ ንምዕባሱ ይህቀን ምህላዉ ተረጋጊጹ።

    Print       Email

ብዓርቢ  28 ሕዳር ወጋሕታ ምስ ምእሳር ወይዘሪት ጽገረዳ ወናኒት ጉዕዞ ኣየር ተተሓሒዙ፤ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብ ልዕሊ ዘወሃሀዶ መሸጣ ወርቂ ኣብ ዝተገበረ ምጽራይ ካልእ ተወሳኺ ሓቅታትን ዝያዳ መረጋገጺን እኳ እንተተረኸበ፤ እቲ ጉዳይ ንምዕባሱ ይህቀን ምህላዉ ተረጋጊጹ።

ኣብ ዱበይ ዝርከብ ጀማል እተባህለ ወኪል ብዝሃቦ ቃል፤ ከምኡ ውን ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ብዝተገበረ ምጽራይ፤ ጀነራል ፍሊጶስ ዘዋፍሮ ናይ ሚልዮናት ዶላር ንግድን ወፍሪን ምህላዉ ተረጋጊጹ። እዚ ንግዲን ወፍርን መሸጣ ወርቂ፥ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መጓዓዚያ ፥ ንግዲን ሸቐጥን፥ ምስግጋር ሰባት፥ ፤ ምሻጥ ጫት፥ ምሽራፍ ዶላር፥  ነጻ ምልቃቕ እሱራት ፤ ምስላጥ ቪዛ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘጠቓለለ ንግዲ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቑጸር ዶላራት ዘንቀሳቕስ ሙኻኑ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ናይ ስድራቤት ጀነራል ፍሊጶስ ናብ ዱበይ እንዳተላእከ ዝተሸጠ ወርቂ ኣዚዩ ብዙሕ ኢዩ። በዓልቲ ቤቱ ንጀነራል ፍሊጶስ ነቲ ብሽያጥ ወርቂን ሸርፊ ዶላርን ካልእ ብልሽውናን ዝተረኸበ ኣእላፍ ዶላራት ብስማ – ማለት ብስም ሩት – ኣብ ባንክታት HSBC ዱበይ ብሚልዮናት ዶላርን ደርሃምን ብዘይክውልውል ኣቐሚጣቶ ኢያ። ሓደ ሓደ እዋን ብመምርሒ ፍሊጶስን ኣፍልጦ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወትን፤ እቲ ቅብሊታት ብስም ንግዳዊ ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕሪ ዱበይ; እቲ ዝቕመጥ ገንዘብ ግን ብስም ሩት ኪኸውን ጸኒሑ ኣሎ።

ይትረፍ ካብ ወርቅን ሸርፊ ዶላርን፤ ካብ ምውዳድ ቆጸራ ከይተረፈ እንዳ ጀነራል ፍሊጶስ ገንዘብ ምውህላል ሓደ ካብ ንግዳዊ ንጥፈቶም ኢዩ። ብመንገዲ በዓልቲ ቤቱ ወይ ውን ብመንገዲ ወዲ ኮለነል ዝተባህለ ቀራቢኡ ምስ ፍሊጶስ ቆጸራ ንኽሕዙልካ ክሳብ 15 ሽሕ ናቕፋ የኽፍሉ። ምስ ፍሊጶስ ቆጸራ ምስሓዝካ ነጻ ዝልቀቕ እሱር፤ ወይ ውን ዝወሃብ ካልእ ሓለፋ ነናቱ ዓቐን ክፍሊት ኣለዎ።

እቲ ዘገርም ጀነራል ፍሊጶስ ‘ብልሽውና’ ብዝብል ክሲ ሰባት ዝኣስር ሙኻኑ ኢዩ። ‘ስግረ ዶብ’ ብዝብል ክሲ ውን ሰባት ንዓመታት ኣብ ጉድጓድ ዘስፍር ኢዩ። ብ 22 ጥቅምቲ  5 መንእሰያት ደቀንስትዮ፡ 2 መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ፤  ከምኡ ድማ 3 ህጻናት  ዝጸዓነት HAICE ዝዓይነታ ናይ ገዛ መኪና ኣብ ልዕሊኣ ብዝተኻየደ ናይ ጠያይቲን ረሻሻትን ቶኽሲ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ህልቂት ናይዚ ኣብነት ኢዩ። ብሰንኪ እቲ ቶኽሲ  ጓል 26 ዓመትን መበል 26 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝኾነት ኣብ ሜካናይዝድ ኣሃዱ 74 ተመዲባ ኣብ ሃገራዊ ዕስክርና ዝነበረትን መንእሰይ  ዮሃና ገብረ ከምኡ’ድማ፡ ኣብ ሕቅፎኣ ዝነበረ እሞ፡ ምስ ወላዲቱ ንኽጽንበር ዝጎዓዝ ዝነበረ ሓደ ስሙ ዘይተፈልጠ ህጻን ኣብ ተኣፋፊ ክፋል ኣፍልቦም ተወጊኦም ኣብ ባይታ ተዘርጊሖም ደሞም እንዳወሓዘ እቶም ፍሊጶስ ዝኣዘዞም ሰራዊት ኣብ ሃይኮታ ቑርሲ ንኽበልዑ ደው ከምዝበሉ ይፍለጥ።

ኣብዚ ቅንያት እዚ ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ናብ ኩለን ኣካላት መንግስትን ግንባርን እንተላይ ሚኒስትሪ ናብ ምክልኻል ዝተላእከ ‘መደብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ’ ኣባላት ግንባር ካብ ስስዕትን ነብሰፍትወትን ክርሕቁ ዘተሓሳስብ ትሕዝቶ ምስፋሩ ንሰማዕቲ ዘገረመ ፍጻመ ኢዩ።

 

 

 

 

 

    Print       Email

You might also like...

ብፕረዚደንት ኢሳያስን ስድራቤቱን ዝውነን ኣብ ቀጠር ዝርከብ ገንዘብን ጥረ ወርቅን  ናብ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ንምግዓዙ ሃቐነ ይካየድ ኣሎ።

Read More →