Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ኣባል ሰራዊት ተንቀሳቓሲት ተሌፎን ከይዉንን ትእዛዝ ኣሕሊፉ።

By   /  December 8, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ኣባል ሰራዊት ተንቀሳቓሲት ተሌፎን ከይዉንን ትእዛዝ ኣሕሊፉ።

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ኣባል ሰራዊት ተንቀሳቓሲት ተሌፎን ከይዉንን ካብ ፈለማ ንዘሕለፎ ትእዛዝ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዳግማይ ብዝተረረ ትእዛዝ ድሕሪ ምሕዳሱ ፥ ኣብ ኣሃዱታቶም ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ምስ ስድራቤቶም ደሃይ ክለዋወጡ ተሸጊሮም ምህላዎም ተሓቢሩ።

ከም ሳዕቤኑ ሓያሎ ኣባላት ሰራዊት ተሌፎን ንምድዋል ካብ ኣሃዱታቶም እንዳሞሎቚ ናብ ዝቐረበኦም ከተማታት ይኸዱ እኳ ኣንተሃለዉ ፥ እተን ዝኣትዉወን ዘለዉ ከተማታትን ገጠራትን ንዝኾነ ኣባል ሰራዊት ይዂን ተራ ጋሻ ተሌፎን ከየደዉላ ጽኑኦ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ብምህላዉ እቶም ኣባላት ሰራዊት ተሌፎን ናይ ምድዋል ዕድል ክሳዕ ዝረኽቡ ኣብ ዝበጽሑወን ከተማታት ክኹብልሉ ይመርጹ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ንኣባላት ሰራዊት ኣደዊልኩ ዝተባህሉ ገለ ነበርቲ ፋንኮን ገርሰትን ተኣሲሮም ምህላዎም ዘመልከቱ ምንጭታት፥ ብተመሳሳሊ ተግባር ዝተጠቀኑ ነበርቲ ሳዋን ፎርቶ ሳዋን እዉን ናብ ማእሰርቲ ተወሲዶም ነፍሲወከፎም 5 ሽሕ ናቕፋ እንዳኸፈሉ ክወጽኡ ይግበር ከምዘሎ ኣረዲኦም።

    Print       Email

You might also like...

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ወተሃደራዊ ግጭት ይቕጽል ኣሎ።

Read More →