Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ኣብ ልዕሊ ዝጥቀሙ ሰባት ተሪር ምክትታል ምግባር ይቕጽሎ።

By   /  December 4, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ኣብ ልዕሊ ዝጥቀሙ ሰባት ተሪር ምክትታል ምግባር ይቕጽሎ።

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብኹሉ መለኪዕታት ኣኽሪሩዎ ዘሎ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ኣብ ልዕሊ ዝጥቀሙ ሰባት ተሪር ምክትታል ይገብር ምህላዉ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ሓቢሩ።

እቲ ወኪል ነዚ ዝሓበረ ፥ ኣብ ከም ኣስማራ ፓላስ፣ ሓማሴን፣ ላዮን፣ ኤክስፖ፣ ኢምፐርያልን ክሪስታልን ዝኣመሰላ ሆቴላት ከምእዉን ኣብ ከም በዓል ሚላኖ ሪስቶራንት ካልኦትን  ስልኪ-ኣልቦ ኣገልግሎታት ኢንተርነት (ዋይ-ፋይ)  ዝቕርባ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት – ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ፍልይቲ ናይ ምጽንጻን ኣሃዱ ዝጥርነፉ ኣባላት ስለያ ብምውፋር ንተገልገልቲ እቲ ዓይነት ኢንተርነት ኣብ ምክትታልን ኣብ ምቕያድን ይነጥፉ ምህላዎም ኣብ ዘረጋገጸሉ`ዩ።

ኣብ ሓማሴን ሆቴል ኢንተርነት ካብ ዝጥቀሙ ሓደ ሱዳናዊ ዝርከቦም 7 ዜጋታትና ብሰለይቲ ድሕሪ ዝተገብረሎም ቀጻሊ ምክትታል ንመርመራ ከምዝተጸዉዑን ፥ ካብቶም ዝተጸዉዑ ብዘይካ እቲ ሱዳናዉን ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ፍጹም ይትባርኽ ዝስሙ ኤርትራዉን፣ እቶም ዝተረፉ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝርከቡን እዉን ተፈሊጡ ኣሎ።

ዝበዝሑ እቶም ኣብተን ወሃብተ ኣገልግሎት ዝኾና ትካላት ተጠቃምነት ኢንተርነት ተራ ዜጋታት ዝከታተሉን ዝጸናጸኑን ሰለይቲ ንነዊሕ ሰዓታት ብዘይ ዝኾነ ርኡይ ንጥፈት ኮፍ ኢሎም ፥ መን`ዩ ብተደጋጋሚ ናብተን ትካልት እንዳተመላለሰ ቀጻሊ ኢንተርነት ዝጥቀም ንዝብል ጸብጻብ ናብ ዝለኣኾም ኣሃዱ ከብጽሑ ጥራይ እዩ ስራሖም።

እቲ ብኣባላት ናይ`ታ ምጽንጻን ኣሃዱ ዝካየድ ዘሎ ኮለላ ኣብ ሓያሎ ኣብያተ-ኢንተርነት እዉን ይትግበር ከምዘሎ ዘመልከተ ወኪል ድምጺ መድረኽ ፥ ኣዚ ብኣካል ዝግበር ምክትታል – በታ ኣብ ውሽጢ መዓስከር ደንደን (ቃኘዉ) ዝመደበራ ብምእዘና ቻይናውያን ክኢላታት ንናይ ተሌፎናትን ኢንተርነትን ምልውዋጥ ሓበሬታ እትጸናጸን ናይ ኤሪቴል ኣሃዱ ዝድገፍ ዘሎ ምዃኑ እዉን የረድእ።

    Print       Email

You might also like...

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ወተሃደራዊ ግጭት ይቕጽል ኣሎ።

Read More →