Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ህዝቢ ዓፋር፤ ብወተሃደራት ኢማራት ዓረብ ከቢድ ግፍዕታት ይወርዶም ምህላዉ፤ ምንጭታት መድረኽ ካብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕባሕሪ ሓቢሮም።

By   /  December 18, 2016  /  Comments Off on ህዝቢ ዓፋር፤ ብወተሃደራት ኢማራት ዓረብ ከቢድ ግፍዕታት ይወርዶም ምህላዉ፤ ምንጭታት መድረኽ ካብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕባሕሪ ሓቢሮም።

    Print       Email

ህዝቢ ዓፋር ብወተሃደራት ኢማራት ዓረብ ከቢድ ግፍዕታት ይወርዶም ምህላዉ ምንጭታት መድረኽ ካብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕባሕሪ ሓቢሮም። ኣብ ከባቢታት ደሴታት ፋጡማ፥ ሓሌብ ራሓይታ ኣብ ምግፋፍ ዓሳን ክቡር ዑንቅታትን ዝተዋፈሩ ህዝቢ ብሄረ ዓፋር፤ ወተሃደራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክሳብ ረሻሻት ብሙትኳስ ነቲ ህዝቢ ካብ ምግፋፍ ደው ከብልዎ ከምዝፈተኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቶም ወተሃደራት ኢማራት፤ ንህዝቢ ዓፋር ናብ የመንን ትመላለሱ ኣለኹም ሓበሬታ ተቐብሉ ኣለኹም ብምባል ብቐጻሊ የሳቕይዎምን የከላብትዎምን ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ህዝቢ ዓፋር ብመንገዲ ዓበይቲ ዓዱ ጌሩ ብዛዕባ እቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ግፍዕታት ናብ ምምሕዳር ዞባን፥ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳርን እኳ ኣቤቱታ እንተኣቐረቡ ብኣንጻሩ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን፥ ብዕለት 7 ታሕሳስ 2016 ኣብ ሓሊብ፤ ኣቦን ራሓይታን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰፊሕ ግፋ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ። እቲ ግፋ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብዝተዋፈራ ጀላቡ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ከይተረፈ ከምዝተኻየደ ዝሓበሩ ምንጭታት፤ ኣቐድም ኣቢሉ ማለት ብዕለት 22 ሕዳር 2016 እውን፤ ንምንቅስቓስ ሑቲ ብዛዕባ ኣቀመምጣ መዓስከርን ኣጽዋር ወተሃደራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንምንቅስቓስ ሑቲ ሓበሬታ ኣቐቢልኩም ብዝብል ክሲ ካብ ራስ ዳርማ፥ ዓሰብን ሓሌብን 15 ዓፋር ከምዝተኣስሩ ተፈሊጡ። በቲ ካልእ ወገን ነቲ በዚ ተግባራት ተቖጢዑ ዘሎ ህዝቢ ዓፋር ንምልዛብ ረድኤት ካብ ኢማራት ብዝብል ዘመተ ንህዝቢ ዓፈር ናይ ዘይቲ ፊኖን ሩዝን ዕደላ ይግበር ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

 

    Print       Email

You might also like...

ብዙሕነት ብልቦና እንተተታሒዙ መርገም ዘይኮነስ ምረቓ ኢዩ!

Read More →