Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

By   /  December 6, 2016  /  Comments Off on ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email

ካብ 1 ታሕሳስ ጀሚሩ ምልውዋጥ ቦታን ሓላፍነትን ኣም ሞንጎ ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ከምዘልዉ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓቢሮም።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት ፥ እቲ ዝግበር ዘሎ ምልዉዋጥ ሃንደበታዊ ከምዝኾነ ከምሳዕቤኑ ኣብ ሓያሎ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ምዕዝምዛማት ይብርኽ ምህላዉ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ። መሰረታዊ ዕላማ እዚ ሓድሽ መደብ መቐጸልታ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ሓለፍቲን ተራ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ምስ ምንዋሕ ግዜ ንዝምስረት ዉሀደት ሻቡ ንምዕናዉ ዝዓለመ ሜላ እዩ።

ዋሕዚ ኣባላት ምክልኻል ናብ ስደት ልዕሊ ካልእ እዋን ዛዪዱ ብምህላዉ፥ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ብጉዳይ ምሕደራ ደሞዝ፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፣ ዕረፍትን ካልእን ዝነቕሉ ጽለኣትን ተቛዉሞን ይዓብዩ ስለዘለዉ ፤ ምስ ኢትዮጵያ ተሰጊኡሉ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት፤ ከምኡዉን ካልኦት ሮቓሕቲ ነዚ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝትግበር ዘሎ ምልዉዋት ቦታ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ዘንቀለ ከምዝኾነ እዉን እቶም ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ።

እቲ ምልውዋጥ ኣዘዝቲ ብፍላይ ኣብተን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳዉቡ ከባቢታት ዓስኪረን ዘለዋ ኣሃዱታት ጎሊሑ ይረአ ከምዘሎ እዉን ይግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ ሰራዊት ክነቱጒ`ዩ ዝብሎ ተቛዉሞ ንምብርዓን ዝተፈላለዩ ሜላታት ብቐጻሊ ከምዘዉፍር ዘይርሳዕ ኮይኑ ፥ እቲ መንግስቲ ክሳብ ዝነኣሱ ምንቅስቓሳት ላዕለዎትን ታሕተዎትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ልዕሊ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክትትል ኣእቲዩሉ ኣብዘሎ እዋን ነዚ ኣዘዝቲ ናይ ምልዉዋጥ መደብ ከተግብር ምጅማሩ ፥ ክሳዕ ክንደይ በቲ ቀጻሊ ዘሻቕሎ ስግኣት ተጸሊዩ ከምዘሎ ዘርኢ`ዩ።

    Print       Email

You might also like...

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኤርትራ ንቓነው ስተሽን ዝመስል ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይዘራረብ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →