Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ክፍሊ ናይ ክብሪ መዝገብ ዝረአ ዘሎ ምድንጓያት ንተገልገልቲ ልዕሊ ካልእ እዋን ዓቕሎምን ግዜኦን ዝቐትል ተርእዮ ኮይኑ ምህላዉ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ሓቢሩ።

By   /  November 20, 2016  /  Comments Off on ክፍሊ ናይ ክብሪ መዝገብ ዝረአ ዘሎ ምድንጓያት ንተገልገልቲ ልዕሊ ካልእ እዋን ዓቕሎምን ግዜኦን ዝቐትል ተርእዮ ኮይኑ ምህላዉ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ሓቢሩ።

    Print       Email

ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መላእ መንግስታዊ ጽላት ሃገርና  ሰሪቱ ዘሎ ምሕደራዊ ውድቀት ፥ ኣብ ክፍሊ ናይ ክብሪ መዝገብ ዝረአ ዘሎ ምድንጓያት ንተገልገልቲ ልዕሊ ካልእ እዋን ዓቕሎምን ግዜኦን ዝቐትል ተርእዮ ኮይኑ ምህላዉ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ወኪል፥ ካብ መስክር ናይ ዕለተ ልደት ክሳዕ ምስክርነት መዋቲ ክስንዱን ከውጽኡን ዝምድቡ ዜጋታት ንልዕሊ ከባቢ 3 ወርሒ ናብቲ ክፍሊ ከምዝመላለሱ፥ ድሕሪ እቲ ኩሉ ግዜን ድኻምን ዝሰልጦም ሰባት ድማ ኣዚዮም ውሑዳት ከምዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት በቲ ክፍሊ ዝወሃብ ዘሎ ዝገዘፈ ምኽኒት ሰርቨር ስለዘተበላሸወን ፥ ህላወ   ኢንተርነትን መራኸቢታትን ዘድሊዮም ስራሓት ብስሉጥ ክዕመሙ ኣጸጋሚ ስለዝኾነን ዝብል ከምዝኾነ እዉን እቲ ወኪል የረድእ።

ክፍሊ ናይ ክብሪ መዝገብ፥  ዜጋታት ኣብ ኩለን ትካላት መንግስቲ ንዘድሊዮም ወይ እዉን ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ዝሕተቶም  ኣገደስቲ ስነዳት ክምግብን ክፉት ክገብርን ዝነበሮ ኣካል ክንሱ ህዝቢ ንሰራሕተኛታትን ሓለፍቲን እቲ ክፍሊ ብላዕ እንዳሃበ እንከሎ`ውን ኣገልግሎት ክረክብ ጋዶ ኮይኑዎ ከምዘሎ  ዘረጋገጸ ወኪል ድምጺ መድረኽ ፥ ክፍሊ ናይ ክብሪ መዝገብ ከም ካልኦት መንግስታዉያን ወገናት ንግዜን ገንዘብን ዜጋታት ይሻመዉ ጥራይ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →