Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝገዘፈ ኣገልግሎት ተሌኮሚኒኬሽን ኤርትራ ቦዂሩ ከምዘሎ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

By   /  November 18, 2016  /  Comments Off on ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝገዘፈ ኣገልግሎት ተሌኮሚኒኬሽን ኤርትራ ቦዂሩ ከምዘሎ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

    Print       Email

ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝገዘፈ ኣገልግሎት ተሌኮሚኒኬሽን ኤርትራ ቦዂሩ ከምዘሎ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

ከም ሳዕቤኑ ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ዝግበር ደወል ናብ ጻውዒት ከምዘይበጽሕ ፥ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበሩ ናይ ተሌፎን ርክባት እዉን ዘይስሩዕነት ወኒኑ ከምዘሎ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት ፥ ኣብ ናይ ተሌፎን ርክባት ዝሕጸር ቊጠባዊ ንጥፈታት፥ ከምእዉን ምልውዋጥ ደሃይ ንምክያድ ኣዚዩ ከቢዱ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።

ተጠቃምነት ኢንተርነት እዉን ኪንዮ እቲ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ኢንተርነት ተጻዒኑ ዘሎ ምምሕዳራዊ ቀይዲ እቲ ዝርካቡ ክፍኖ ዝጸንሐ ዋሕዙ እዉን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምጽንጻንን ኮለላን ናይቲ ዘይጎበዘ ኣገልግሎታት ተሌኮሚኒኬሽንን ኢንተርነትን ከድህብ እምበር ነቶም ተወዳዳርነትን ክፉትነትን ዘይወነኑ ኣገልግሎታት ከሀድስ ከምዘይረአ እዩ ዝግለጽ።

 

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →