Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዘላቶ ናይ 6 ዞባታት ኣቃውማ ናብ ‘ልምዓታዊ ዞባታት’ ተባሂሎም ዝጽውዑ 3 ዞባታት ክትምቀል ዝወጸ መደብ ክእወጅ ሙኻኑ ተሓቢሩ።

By   /  November 28, 2016  /  Comments Off on ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዘላቶ ናይ 6 ዞባታት ኣቃውማ ናብ ‘ልምዓታዊ ዞባታት’ ተባሂሎም ዝጽውዑ 3 ዞባታት ክትምቀል ዝወጸ መደብ ክእወጅ ሙኻኑ ተሓቢሩ።

    Print       Email
ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዘላቶ ናይ 6 ዞባታት ኣቃውማ ናብ ‘ልምዓታዊ ዞባታት’ ተባሂሎም ዝጽውዑ 3 ዞባታት ክትምቀል ክግበር ዝጸንሐ መጽናዕትታት ተዛዚሙ ኣብ ሓጺር እዋን ክእወጅ ተኽእሎ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ሓቢሮም።
እዚ ሓድሽ ምምታር ዞባታት ኤርትራ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ 8 ኣውራጃዊ መስመራት ይኹን፤ ነዚ ሕጂ ዝስራሓሉ ዘሎ 6 ዞባታት ሰጊሩ፤ ንኤርትራ ናብ 1) ምብራቓዊ ገማግም 2) ከበሳዊ ብራኸታት 3) ምዕራባዊ ጎላጉልን ዝኽተል ምምቕቓል ክግበረሉ ሙኻኑ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ክእወጅ ተሓሲቡ ዘሎ ልምዓታዊ ዞባ ፤ ኩሉ ኣብተን 6 ዞባታት ዝግበር ልምዓታዊን ቁጠባዊን ማሕበራውን ፕሮግራማት ብደረጃ 3 ዞባታት ጥራይ ክውጠንን ክትግበርን ሙኻኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፤ እዚ ሓድሽ ዞባዊ ዶባት ምስቲ ህልዊ ምምሕዳራዊ መዋቕር ዝህልዎ ስኒትን ስጥመትን ብኸመይ ክተሓዝ ተወጢኑ ምህላዉ ዝተነጸረ ዝርዝራት የልቦን።
    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →