Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ንሉዓላውነት እሙን ተቓውሞ ሙኻን የድሊ።

By   /  November 20, 2016  /  Comments Off on ንሉዓላውነት እሙን ተቓውሞ ሙኻን የድሊ።

    Print       Email

ብዙሓት ሃገራት ነቲ ዝመርሕ ወይ ዝገዝእ ዘሎ ሰልፊ ዝቃወሙ  ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ወይ ፖለቲካውያን ውድባትን ምንቅስቓስን ኣለወን። እዞም ተቓወምቲ ሰልፍታት፤ ፤ ቅዋም እታ ሃገር ኣብታ ሃገር ንኽህልዉ ኣብ ትሕቲ ዘጣጥሐሎም ቅዋማዊ መሰላት ኣጽሊሎሞም እሙናት ተቓወምቲ ብሙኻን፤ ነቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ኣሊዮም ንምትካእ ይጽዕሩ።

እቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፤ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት፤ ብሓይሊ ናይ ሓሳባቶምን ፕሮግራማቶምን ኢዮም ዝስዕሩዎን ዝኣልዩዎን። ቅዋም ናይታ ሃገር ብዘፍቅዶ መሰረት፤ ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፤ ህዝቢ እንተመሪጽዎም፤ ኣብ ህይወቱ፤ ኣብ ድሕነቱ፤ ኣብ ብልጽግንኡ ዘምጽእዎ ለውጢ ብምእማን፤ ነቲ ህዝቢ ስለምንታይ ንሶም ከምዝሕሽዎ ብዝርዝር ብምርዳእ፥ ፖለቲካዊ ስልጣን ንኽጭብጡ ህዝቢ ከድምጸሎም ይጽውዑ።

ኣብ ሃገርና እቲ ኣብ ስልጣን ብሓይሊ ሰፊሩ ዘሎ ስርዓት፤ ብዘይካ ንሱ ካልእ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ከይህልዋ ስለዝኣገደ፥ ነቶም ፖለቲካዊ ብዙሕነት ንኽህሉ ዝሓተቱ ሰዊሩ ስለዝቐንጸለ፥ ነቲ ንህላወ ብዙሕነት ዘውሕስ ቅዋምን ቅዋማዊ ኣሰራርሕን ስለዝገሃሰ፤ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቃሳት ይኹን ፖለቲካዊ ውድባት ክህልዋ ኣይከኣላን።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮንካ ተቓዋሚ ሙኻን ብህይወት ዘሕትት ምስኮነ ድማ፤ ብዙሓት ኣብቲ ነዚ ሃዋህዉው ዘፍቅድ ናይ ወጻኢ ህይወት ኮይኖም ቃልሶም የካይዱ ኣለዉ። ህይወቶምን ዕድላቶምን ሰዊኦም ብዘይምሕላል ንለውጢ ምንቃሎም ድማ ምስጋናን ክብርን ይግበኦም።

ኣብቲ ብዕሊ ብቅዋማዊ ውሕስነት ዝተሓለወ ናይ ተቓወምቲ ሰልፍታት ምንቅስቓስ ይኹን፤ ኣብዚ ከም ናይ ሃገርና ፍቓድ ስኢኑ ኣብ ወጻኢ ጥራይ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ዕዮታት፤ ሓደ ዘይስገር ናይ ሓባር ረቛሒ ኣሎ። ንሱ ድማ ሰልፍታት ይኹና ውድባት ነቲ ዝቃወመኦ መንግስቲ ካብ ሃገርን ህዝብን ፈልየን ክርእያን ሉዓላዊ መስመራት ከይሓልፋን ዝብል ኢዩ።

ኣብ ቀጽሪ ተቓውሞ ኤርትራ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብስም ፍትሒ ምድላይ ሓደ ሓደ እዋን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ሃገራዊ ረብሓን ሉዓላዊ ጉዳያትን በቲ ሓደ ወገን፤ እቲ ስልጣን ንበይኑን ብኢደዋኒኑን ጨቢጡ ዘሎ ህግደፍ ድማ በቲ ካልእ ወገን፤ ዘሎ ምዝብራቕ ስለዚ ድማ ግጉይ ውሳነታት ምውሳድን ጎስጓሳት ምክያድን ይረአ ኢዩ።

ሓደ ኣብነት ናይዚ ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራ ብዝምልከት ዝወሃብ መግለጺታትን ዝውሰድ ስጉምታትን ኢዩ። መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሃገሮም ብኣእላፍ ምውሓዞም፤ ቀጽሪ ተቓውሞ ከም ዘነይት ዓወት ብታሕጓስ ከቃለሐኦን ኪቕጽል ከምዝግባእ ተርእዮ ክድግፈኦን ዝግባእ ኣይኮነን። ኤርትራ ዓዳን ዓውዳን ጥራሓ ተሪፉ፤ ህዝባ ኣበየ ከባቢኡ ከርተት ምባሉ፤ ከበሮ ዘደስቕ ተርእዮ ኣይኮነን።

ልክዕ ኢዩ ሰባት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ምስዝኣቱ እቲ ዝተርፎም እንኮ ኣማራጺ ዓዲ ገዲፍካ ምኻድ ኢዩ። ዘገድድ ኩነት ኣብ ዘይብሉ እዋን፥ ነቲ ናይ ብዙሓት መከራ ክኣልዩ ዝግባእ መንእሰያት፤ ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ክስደዱ፥ ኣብ ትሕቲ ዓመጽ ዳዕሽን በደዊንን ክነብሩ ዘይኮነስ፤ ነቲ ንዐኦምን ንኻልኦትን ሓርነት ከሊኡ ዘሎ ዓማጺ ንምእላይ ናይ ለውጢ ሃዋርያት ኪኾኑ ኢዩ ዝግባእ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፤ ፓይሎታት ኤርትራ ነፋሪት ሒዞም ናብ ኢትዮጲያ ኢዶም ሂቦም ኣብ ዝተባህለሉ እዋን፤ ገለ ካብ ቀጽሪ ተቓውሞ ከም ዘነይት ዛንታ ደጋጊሞም ከቃልሕዎ፤ ምስቶም ኣይኮነን ዝብሉ ዝነበሩ ደገፍቲ ህግደፍ ኪካትዑ ቀንዮም።

ሓንቲ ሃገር ዘለዋ ክኢላዊ ዓቕሚ ንወለዶታት ዘገልግል ዕዮ ዝገድፍ ናይ ህዝብን ሃገርን ጸጋ ኢዩ። ዜናዊ ትርጉም ዘለዎ ሓበሬታ ኪቃላሕ ግቡእ ኢዩ የግዳስ ካብ ኤርትራ ዶክተራት፤ ኢንጅነርታት፤ ናይ ዲፕሎማሲ ክኢላታት፤ ፓይሎታት፤ ጠበቓታት፤ ጸረብቲ፤ ስፖርተኛታት ወዘተ ኣርሒቖም እንተጠፍኡ ‘ዘይከምዚኣየ ደልየ’ እናበልካ ከበሮ እትድስቐሉ ተርእዮ ኣይኮነን። ከምኡ ምግባር ነቲ ዝተባህለ ሕንጻጽ ናይ ሉዓላውነትን፤ ብሕትውና ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ምትሕውዋስ ኢዩ።

ፓይሎታት እንተወጺኦም ከምኡ ብሙኻኑ ምፍንጣዝ ዘይኮነስ፤ ፓይሎታታ ኣብ ሰማያታ እትዕቅብ፤ ብዓመጽን እንክሔራን ፓይሎታታ፤ ዶክተራታ፤ ሊቃውንታ፤ ሓረስቶታ፤ ሸቃሎኣ፤ ወተሃደራታ፤ ዲፕሎማታ፤ጋዜጠኛታታ ዘይተሳድድ ሃገር ንክህልወና እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ዛዕባ ዘንቅል ኪኸውን ይግባእ።

ምጥፋእ ሰባት ኣብ ኣእምሮ ቀጽሪ ተቓውሞ ፌስታ ዘይኮነ፤ ኤርትራ ህዝባ ጓሕጊሓ ዘንጸፈት ሃገር እንተኾይና እንታይ ኪንከውን ኢና፤ ስለምንታይ ኢዩ ምንፋጽ መፍትሒ ዘይኮነ ክንሱ ኩሎም መንእሰያት እንተላይ እቶም ግድን ከምኡ ኪገብሩ ዘይግበኦም ነዚ መንገዲ ጥራይ ዝወስዱ ዘለዉ፤ ምውጻእ መንእሰያት መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይን ብኸመይን የተባብዖ፤ ክሳብ መዓስ እየን ዓድታት ጥረሐን ተሪፈን ዝምሕስን ዝሓርስን ተሳኢኑ ዓዲውዕል ክመልኣ? ዝብል ንፍትሓዊ መልሲ ዘንቀደ ናይ ቃልሲ ሕቶታት ከለዓዕል ይግባእ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ቁሸታት ካብ ዝንቀሳቐሱ መንእሰያት ንላዕሊ ዘንጎግዩ ኣኻልብ በዚሖም እንተተባሂሉ ብኸመይ መንገዲ ኢዩ ቀጽሪ ተቓውሞ ዝድሰተሉ ወይ ውን ከም ዘየሕዝን ክስተት ዝርእዮ ፍጻመ ዝኸውን።

ካልእ ብተመሳሳሊ፤ ኣዚዮም ውሑዳት ቀጽሪ ተቓውሞ ኣብ ዛዕባታቶም፤ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራን ሓጺር ዕምሩን ከይዶም፤ ብንጹር መርገጺ ክወስደሉ ዝግበኦም ዝሰግርዎ ሉዓላዊ ጉዳያት ኣሎ። ንኣብነት ሕቶ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ።

ውሳነ ኮሚሽንን ምምልካት ዶባትን ናይ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ጉዳይ እምበር፤ ናይ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዋኒን ኣይኮነን። ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትዉ ሉዓላዊ ጉዳያት መርገጺኡ ዘየነጽር ተቓውሞ ድማ፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣሚኑ ንለውጢ ክልእኮን ክስዕቦን ዘይሕሰብ ኢዩ።

ኣብ ኣህጉራዊ ምዕባለታትን ክስተታትን እቲ መጎታዊ ሓቂ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ኢዩ። ኩሉ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝተኣወጀ ውሳነታትን ብይናትን፤ ቀጽሪ ተቓውሞ ሉዓላዊ ሳዕቤናቱ ከይመርመረ ግድን ክድግፎን ከም ዓወት ርእዩ ክጽንብሎን ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ገለ ጉዳያት ብመንጽር እዚ ሓላፊ መንግስቲ ዘይኮነ፤ ብመንጽር ልዕልና ሕግን ኣህጉራዊ መትከላትን ፍትሓውነትን ክረአ ይግባእ።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ስለዝወሰነ፤ እዚ ብይን ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ ብምባል ጥራይ ከም ዓቢ ዓወት ተቓውሞ ክጽንበሎ እንተርኢና፤ ብዉሑዱ እንታይ ማለትና’ዩ ንዝብል ሕቶ ካልኣይ ግዜ ምምርማርን ምሕሳብን ከምዘድሊ ዘዘኻኽርና ኢዩ።

ልክዕ ኢዩ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣብ ሕግን ተሓታትነትን ዘይነብር ስርዓት፥ ብዓንዳሪ ባህርያቱን ዝምድናታቱን ጸላእቲ ከፍሪ ዝውዕል መንግስቲ ስለዝኾነ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ብይን እገዳ ከምትኣቱ ገይርዋ ዘሎ። የግዳስ እቲ እገዳ ብመንጽር እታ ናይ ህግደፍ ኤርትራ ዘይኮነስ፤ ብመንጽር እታ ናይ ጽባሕ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኤርትራ፤ ክረአን ክምርመርን ይግባእ።

እገዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ሃስያ እንታዩ፥ ነቲ ስርዓት ከም ስርዓት ነጺሉ ክሃርሞ ይኽእል ኣሎዶ? ንኤርትራ ከም ህዝብን ሃገርን ብመንጽር ካልኦት ሃገራት እንታይ ሳዕቤን የስዕበላ? ዝጠፍእ ዘሎ ናይ ወፍሪ፤ ልምዓት፥ ግሎባውነት ዕድላት ኣብ ዝተናወሐ እዋን ብኸመይ ኪጎድኣ ኢዩ፥ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ፍትሓውን ዘይተደራረበን መለክዒታት ኣሎዶ? እንተሊዩ ንዕኡ ንድግፍ ዘሎና ከይመስል ምርኣይ ኣገዳሲ ዶ ይኸውን።

ለውጢ ዝመጽእ ብሓይሊ ሓሳባት ፕርግራማትን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀጽሪ ተቓውሞ ዝጽበዮ ኩሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ናይ ለውጢ መሪሕ ኮይኖም ሓያል መተካእታ ሙኻኖም ንኸረጋግጹ ኢዩ። እዚ ዝኸውን ድማ ኣብ ኤርትራ ነንዝተፈጸመ ውድቀት ብምጽብጻብ ወይ ውን ፈቐዶ ስፖርተኛ፤ ጋዜጠኛ፤ ፓይሎት፤ ዶክተር ካብ ዓዲ ለቐቐ ምእዋጅ ዘይኮነስ፤ ሰባት ካብ ምንፋጽ ዘድሕን ግብራዊ ስጉምታት ብምዕያይ ኢዩ ዝረጋገጽ።

ንህዝቢ ኤርትራ ‘ሃገርና ሕማቕ ኣላ እነሆ ኩሉ ሰባ ሓዲግዋ ይወጽእ ኣሎ’ እንተበልናዮ ‘ንሱስ እቲ ንነብሮ ዘሎና ህይወት ኢዩ ከምኡ ንኸይከውን እንታይ ትገብሩ ኣለኹም ንገሩና’ ኢዩ ክብል። ምምራሕ ማለት ንህዝቢ ዝእመን ኣማራጺ ሙኻንካ ብምርኣይ፤ ማዕሪኡ ድማ እሙን ንሉዓልውነት ሙኻንካ ብምርግጋጽ ከምዝስዕበካ ምግባር ማለት ኢዩ።

እቲ ካልኣይ ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይ ሕማቕ ዜና ኤርትራ ምምእራር ምውዓል፤ ምልክት ናይ ተስፋ ሙቕራጽ ብሙኻኑ ኢዩ። ለውጢ ካብ ቀጽሪ ተቓውሞን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ባእታታትን ኢዩ ዝመጽእ ኢልካ ኣብ ክንዲ ምእማን፥ ዓረበዶ እቲ ስርዓት፤ ሓመመዶ እቲ መራሒ፥ ብዙሕ ሰብዶ ይወጽእ ኣሎ፥ ኣብ ዝብል ትጽቢት እንተወሪድካ ናይ ምግባር ዓቕምኻ ራሕሪሕካ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደመና ምምዕዳው ኢዩ ዝኸውን።

ንምጥቕላል ኣብ ቀጽሪ ተቓውሞ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልስን ዲሞክራስያዊ ምስግጋርን፤ ነቲ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ መሪሕ ሙኻኑ ከይተዘንገዐ፤ እሙን ተቓውሞ ኪኸውን፤ ማለት ንሉዓላዊነት ሃገር ልዕሊ እዋናዊን ጸቢብን ዕላማታትን ረብሓታትን ዝሰርዕ፥ ነቶም ነበርቲ ሃገርን ህዝብን፤ ካብቲ ዘይነባሪን ዘይናይህዝብን መንግስቲን ስርዓቱን ፈልዮ ክርእይ፤ እቲ ምርጫ ኣብ መንጎ ምድጋፍ መንግስትን ምቅዋም መንግስትን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ምቅዋም ምስናይ ምኽባርን ምክልኻልን ሉዓላዊ ጉዳያት ሙኻኑ ምርግጋጽ የድሊ።

ለውጢ ዝመጽእ ብድኻም ናይቲ ስርዓት ዘይኮነ ብቐንዱ ብሓይሊ ናይ ቀጽሪ ተቓውሞን ሓፋሽ ህዝቢን ኢዩ። ለውጢ ብድኻም ናይቲ ስርዓት ጥራይ ዝረጋገጽ እንተዝነብር፤ ቀደም ተረጋጊጹ ምሃለወ፤ ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ምህላዉ ካብዘብቅዕ ፤ ዘይሰርሕ ዝለመሰ መንግስቲ ካብ ዝኸውን እዋን ኣቑጺሩ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ‘ኣንጊሁ ዝተሰአ ዘመሓድራ ሃገር’ ክሳብ ዝብላ ሃገር ብዘይ ሕጊ፤ ብዘይ ትካላዊ ቅርጺ፤ ብዘይ ስርዓት፤ ብዘይ ባጀት፤ ብዘይ ትካላት፤ እቲ ኣብ ዲጋ ዝሓከለ መራሒኣ ዝተፋነዋ ውድቕቲ ሃገር ካብ እትኸውን እዋን ሓሊፉ ኢዩ። ተሪፉ ዘሎ ነዚ ሃጓፍ ዝትክእ፤ ህዝቢ ኣእሚኑ ዝሰርዕ ናይ ለውጢ ሓያል መሪሕ ምህላው ኢዩ፤ እዚ ሃገራዊ ዕዮ ብምልኣት ዚዛዘም፤ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ባእታታት ለውጥን ኣብ ደገ ዘሎ ቀጽሪ ተቓውሞን ብሓባር ብምውህሃድ ኢዩ። ኩሎም ሓበርትታት ድማ ናይ ለውጢ ዋዜማ ኢዮም ዘድምጹ ዘለዉ።

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →