Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ብጀነራል ፍሊጶስ ዝምራሕ መርበብ ብልሽውና 36 ኪሎ ወርቂ ናብ ዱበይ ኣብ ዘስግረሉ ዘሎ እዋን፤ ኣዴታት ኤርትራ ቁጻር ኪሎ ቡን ይምንጠላ!

By   /  November 4, 2016  /  Comments Off on ብጀነራል ፍሊጶስ ዝምራሕ መርበብ ብልሽውና 36 ኪሎ ወርቂ ናብ ዱበይ ኣብ ዘስግረሉ ዘሎ እዋን፤ ኣዴታት ኤርትራ ቁጻር ኪሎ ቡን ይምንጠላ!

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ናይ ስለያን ጸጥታን ኣካላቱ  ንህዝቢ ቅሳነት ከሊእካ ኣብ ዕግርግር ናይ መዓልታዊ ህይወት ንምጽማዱ ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ህይወት ሰላማውያን ቅሳነት ዝኸልእ ተግባራት ይቕጽሎ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መስመራት ተሰነይ ኣስመራ ንዝካየድ ጉዕዞ ህዝቢ ኣበየ ከባቢኡ ዋንኡ ዘይፍለጥ ኬላታት ብምትካል፤ ልክዕ ብኸምቲ ኣብ እዋን ደርግ ዝነበረ ዓይነት ኣሰራርሓ፤ ጀናቢል ምፍታሽን ቁጻራት ምህጋርን ስረሐይ ኢሉ ተተሓሒዙዎ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን  ኣብ  ናይ ሓጋዝ ኬላ ኣብ ዝተገበረ ፍተሻ ሓንቲ ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድመኤን ሽማግለ ሰበይቲ ሒዘነኦ ዝጸንሓ 2 ኪሎ ሽኮርን ሓደ ኪሎ ቡንን ድሕሪ ምምንዛዕ፤ ‘ካበይ ኣምጺእክዮ ንምንታይ ዕላማ ሒዝክዮ’ ዝብል ናይ ሙግቡዕባዕ መርመራ ከምዝገበሩለን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም። ብዘይካ እዚ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ ንሓደ ኣብ ዓጺድ ተጸሚዶም ዝነበሩ ሽማግለ ኣባላት ጸጥታ ኣብ ግራቱ ብምምጻእ፤ ‘ወድኻ ተሰዊሩ ስለዘሎ ካብ ዘምጻእካ ተምጸኦ’ ኢሎም ድሕሪ ምእዛዞም እቶም ሽማግለ ‘ወደይ ምሳኹም ኢዩ ዘሎ ብዛዕባ ህላዊኡ ፈልጦ የብለይን’ ኣብ ዝበለሉ እዋን ነቲ ሒዝዎ ዝንበረ ማዕጽድ ብምምንጣል ኮብኪቦም ናብ ገዝኡ ድሕሪ ምውሳድ ወድኻ ክሳብ እተረክበና ግራትካ ከይትዓጽድ ኢሎም ከምዝኣዘዝዎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

ኣቐድም ኣቢሉ እውን ካብ ተሰነይ ናብ ኣስመራ ብዕለት 17 ጥቅምቲ ብዓዲ ዑመር ጊሮም ከስግሩ ዝፍትኑ ካብ ዝነበሩ ሓንቲ ነጋዲት ብሓለዋ ብዝተዋፈሩ ወተሃደራት ምክትታል ዶባት ንብረታ ድሕሪ ምውሳድ ኣብ ኣደርሰር እተባህለ ቦታ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝወረዳ ዝሓበሩ ምንጭታት መድረኽ፤ እታ ግዳይ ብዛዕባ ዘጋጠማ ናብ ፖሊስ ተሰነይ ኣብ ዝሓበረተሉ እዋን፤ መደበር ፖሊስ ተሰነይ ብኣንጻሩ ‘ብለይቲ ናብቲ ቦታ እንታይ ክትገብሪ ኬድኪ’ ብምባል ከምዝኣሰራን ናይ 50 ሽሕ ዋሕስ ብምትሓዝ ከም ተለቐቐትን ካብ ተሰነይ ይሕብሩ።

ህዝቢ ቁጻር ቡን፤ ኪሎ ሽኮር ሒዝካ ተባሂሉ ይእሰረሉ ኣብዘሎ እዋን ፤ብኣንጻሩ ብጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ዝምራሕ መርበብ ብልሽውና ዝርከባ ሰባት ብኪሎታት ዝምዘን ወርቂ ኣብ ምስግጋር ምጽማደን፤ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ብቓልሱ ዘረጋገጾ ናጽነት ዝተጸበዮ ራህዋን ብግብሪ ዘጋጥሞ ዘሎ ዓመጽን ዘሎ ናይ ሰማይን መሬትን ፍልልይ ዘርኢ ኢዩ።

    Print       Email

You might also like...

Human brain research and memory loss as symbol of alzheimer's concept with missing pieces of the puzzle

ምድዕሳስ ኣእምሮ (Senility) መራሕቲ፡ሓደገኛ ክስተት ንሃገራት

Read More →