Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ኤርትራን ሶማልን ጸኒዑ ንዝጸንሐ እገዳ ክናዋሕ ምብያኑ ፥ ንዞባዊ ውህደትን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣሉታ ዝጸልው ከምዝኾነ፡ ነቲ እዋናዊ ብይን ንኸይሓልፍ ናይ ቀውፊ ስልጣና ዘይተጠቕመት ቻይና ገሊጻ።

By   /  November 15, 2016  /  Comments Off on ባይቶ ጸጥታ ኣብ ኤርትራን ሶማልን ጸኒዑ ንዝጸንሐ እገዳ ክናዋሕ ምብያኑ ፥ ንዞባዊ ውህደትን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣሉታ ዝጸልው ከምዝኾነ፡ ነቲ እዋናዊ ብይን ንኸይሓልፍ ናይ ቀውፊ ስልጣና ዘይተጠቕመት ቻይና ገሊጻ።

    Print       Email

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ኤርትራን ሶማልን ጸኒዑ ንዝጸንሐ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ምብያኑ ፥ ንዞባዊ ውህደትን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣሉታ ዝጸልው ከምዝኾነ፡ ነቲ እዋናዊ ብይን ተቛውሞኣ ኣርእያ ክንሳ ንኸይሓልፍ ግና ናይ ቀውፊ ስልጣና ዘይተጠቕመትን ድምጻ ክትዕቅብ ዝመረጸትን ቻይና ገሊጻ።

ወኪል ቻይና ኣብ ባይቶ ጸጥታ – ድሕሪ እቲ ብይን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ባይቶ ጸጥታ ኣሕሊፉዎ ዘሎ ዉሳኔ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክምዕብልን ክህነጽን ንዝድለ ናይ ምትሕግጋዝን ምትእምማንን መንፈስ ኣብ ሓጺር እዋን ከይካወን ዝዕንቅጽ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ሃገራት ምዕራብን ሓያላን ሃገራትን ድማ ብፍላይ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ነዊሕ እዋን ዝሰርዕዎ ጽምዶ ብጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት ዝድፋእ ብምዃኑ – ኣብዚ ዞባ ዝወፍሩ ኣህጉራዊ ፖሊሲታትን ዉሳኔታትን ንዞባዊ ልምዓት እቲ ከባቢ ብኹሉ ሸነኻቱ ዘየቐድም ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ዝጠቐሰ እቲ ቻይናዊ በዓል ስልጣን ፥ ባይቶ ጸጥታ ካብዚ ጸኒሕ ኣህጉራዊ መርገጺታት ፍንትት ኢሉ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍርቃ ዘብሎም ዉሳኔታት ከመዓራሪ ተማሕጺኑ።

ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ፖለቲካ እዚ ዞባ ከምዝሕብርዎ፥ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ሃገራት ዝሓልፍ እገዳ እቲ ዝገዘፈ ክፋሉ ብፖለቲካዊ ድፍኢት ዝምራሕን ንመራሕቲ እተን ዝእገዳ ዘለዋ ሃገር ብዝነኣሰ ሸነዂ እዉን ዘይነክእን ስለዝኾነ – ኣሉታዊ ዉጽኢቱ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብን – ኣብቲ እተን ሃገራት ምስ ዞባአንን ዓለምን ዝስእነኦ ምቅርራብን ከምዝንጸባረቕ የረድኡ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ናይ ኣጽዋር ጥራይ ክንሱ ኩሉዓይነታዊ ማለት ፖለቲካዊ ቊጠባዉን ወተሃደራዉን ከምዝኾነ እዩ ንህዝቢ ከእምን ዝፍትን። ናይዚ ምኽንያት ህዝቢ ነቲ እገዳ ከም ቀዳማይ ጠንቂ`ቲ ሃገር ብሰንኪ ወገናዊ ምርጫ መንግስቲ ኤርትራ ጥራይ ወዲቓቶ ዘላ ጸገም ገይሩ ክወስዶን፡  ዝሓልፎ ዘሎ መከራ ድማ ብመንግስቱ ዘይኮነ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝተሰርዐ ክመስሎን ብዝብል እዩ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →