Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ራእይ ፡ ናይ ድሕረ ለውጢ ህላወ ዘውሕሱ ሕግታት ካብ ብሕጂኡ ምርግጋጽ ኣካል ፍትሓዊ ቃልሲ ኪኾኑ ይግባእ።

By   /  November 7, 2016  /  Comments Off on ራእይ ፡ ናይ ድሕረ ለውጢ ህላወ ዘውሕሱ ሕግታት ካብ ብሕጂኡ ምርግጋጽ ኣካል ፍትሓዊ ቃልሲ ኪኾኑ ይግባእ።

    Print       Email

ብዙሕ እዋን ዓመጽን እንክሔራን ዘጋጠሞም ኣህዛብ፤ ነቲ ኣብ ርእሶም ተቖሪኑ ዘሎ ኣርዑት ንምብጣስ ሓያል ቃልሲ የካይዱ። ነቶም ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስቓይን ኩነኔ ሓርነትን ኣእትዮሞም ዘለዉ ዓመጽቶም ንምግጣም ድማ፤ ዕላማታቶም ሰሪዖም ይቃለሱ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ማለት ናይ ዓመጽ ሓይሊ በቲ ሓደ ወገን፥ ናይ ፍትሒ ግንባር ድማ በቲ ካልእ፤ ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቐሰ ህዝባዊ ቃልሲ ኣንጻር ሓይልታት ዓመጽ ዘንጸባርቕ ኢዩ።

ኣብ ታሪኽ ዓለምና፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ እዋን ምዝርዛር መግዛእቲ፤ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ድማ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣንጻር ምልካውያንን ሃጸያዊ ኪዳናትን፤ ህዝብታት ናይ ናጽነት ቃልሶም ኣካይዶምስ ተዓዊቶም ኢዩም። ይኹን ግን፤ እቲ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሎም ዝረኸብዎ ናጽነት ናብቲ ዝተመነይዎ ራህዋን ሰላምን ቅሳነትን ኣየሰጋገሮምን። ብኣንጻሩ ናብ ምልክን ተመሳሳሊ ዓመጽን ኢዩ ኣእትዮሞ። ኤኳዶር፥ ቦሊቪያ፥ ቺለ፥ ሜክሲኮ፥ ኪዩባ፥ፔሩ  ወዘተ ናይ ድሕረ ሰውራ ምልካውነት ኣብነት ኢየን።

ኣብ ኣፍሪቃ እውን ብተመሳሳሊ ኣንጻር ኤውሮጳዊ ግዝኣታት ዝተኻየዱ ቃልሲ ህዝብታት ብምልካውያን መራሕቲ ተጨውዮምሲ ፍረ ሰውራታት መረርቲ ኮይኑም ጸኒሖም ኣለዉ። ከም መግለጺኡ ድማ ቃልሲ ዛኑ ዚምባብወ ብምልካውነት ሮበርት ሙጋበ ምጭዋዩ፥ ቃልሲ FNLA ANGOLA በቲ ዛጊት ንሳላሳ ዓመት ብምልኪ ዝመርሕ ዘሎ ሆሰ ኤድዋርዶ ዶሳንቶስ ምምንጣሉ፤ ሰውራ UPDA UGANDA በቲ ዛጊት ን 30 ዓመት መሪሑ ስልጣን ምፍናው ኣብዩ ዘሎ ዩዌሪ ሙሰቨኒ ምምንዝዑ፤ ናይ ቀረባ እዋን ቃልሲ SPLA ደቡብ ሱዳን ብብልሽውናን ዓሌታውነትን ውግእ ሓድሕድን ምርማሱ፤ እቲ ትእምርቲ ቃልሲ ኣንጻር ኣፓርታይድ ዝሕሰብ ዝነበረ ናይ ANC SOUTHAFRICA ቃልሲ ብከም ዙማ ዝኣመሰሉ ኣዕነውቲ ሰባት ምምርሑ፤ ከምኡ ውን እቲ ንህልቂት ቱቱን ሁትሲን ደው ኣብ ምባል ዓቢ ተራ ክጻወት ዝተመባጸዐ RPF RWANDA በቲ ን16 ዓመታት ስልጣን ጨቢጡ ክንሱ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ቅዋም ዝቐየረ ፖል ካጋመ ምምንዝዑ፤ ሰውራታ ዝነቐለሉ ዕላማ ብዘየገድስ በቶም ህዝቢ ኣሚኑ ዘቐመጦም መራሕቲ ክጭወዩ ከምዝኽእሉ ዘዘኻኽሩ ኢዮም።

ውዱብ ሰውራታት ጥራይ ግን ኣይኮኑን ብመራሕቲ ክጭወዩ ዝኽእሉ፤ ህዝባዊ ናዕብታት እውን ብተመሳሳሊ። ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ 1974 ኣንጻር ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝተላዕለ ህዝባዊ ኣብያ ነቲ ህዝባዊ ለውጢ ዘውሕስ ዝተዳለወ ውዱብ ሓይሊ ስለዘይነበረ፤ ወተሃደራዊ ደርግ ነቲ ባዶሽ ድሕሪ ምምላእ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኣንፈት ኢዩ መሪሕዋ። ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ተላዒሉ ናይ ሳላሳ ዓመት ምልኪ ፕረሲደንት ሑስኒ ሙባረክ ዝኣለየ ብመንእሰያት ዝተመርሐ ህዝባዊ ቃልሲ፤ ድሕሪ ለውጢ ንዝኾኖ ህላወ ዘማእዝን ውዳበ ስለዘይነበሮ፤ እቲ ፍረ ሰውራ ኣብ መጀመርያ ብእስላማዊ ዝንባለ ዘለዎ ውዱብ ሓይሊ፤ ሕጂ ድማ ነታ ሃገር ናብ ገደል ይመርሓ ብዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተበሊዑ ኣሎ።

እዚ ተመኩሮ እዚ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዘመሓላልፎ  ምህሮን ተመኩሮን ኣለዎ። ንለውጢ ምቅላስ ማለት ናይ ትማሊ ሎሚን ጽባሕን ምሕሳብ ማለት ኢዩ። ትማሊ ንተሞኩሮ፤ ሎሚ ንትግባረ፤ ጽባሕ ድማ ንውሕስነት።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዘለዎ ዝኸፍአ ኩነታት ዘውደቖ ሰውራ ኣካይዱ ናጽነቱ ስለዘየረጋገጸ  ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ሰውራ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ነቲ ዝጭብጦ ናጽነት ብሓርነት ዝድርዖ ውሕስነት ብኣግኡ ስለዘይሓሰበሉ፤ሓሲቡሉ እንተነይሩ ድማ ነቲ ዝርካቡ ዝሓሰቦ ክፋሉ ዘድሊ ውሕስነት ስለዘይገበረሉ ኢዩ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1993 ንቕዋማዊ መንግስቲ ዘይውዕል ዘይሓድር ዕዮ ጌሩ እንተዝሓተሉ፤ ምስዘይትግበር ድማ ከም ዘይስገር ቀይሕ መስመር ሓሲቡ እንተዝለዓዓል እቶም ብቡኩራት ቅዋም ዝተፈጥሩ ኩሎም ሽግራት ኣይምተፈጠሩን። ህዝቢ ግን ነቲ ሰውራ መሪሑ ናጽነት ዘምጸአ ውድብ እምነት ስለዘሕደረሉ ነቲ ዘይስገር ቅዋማዊ መሰላቱ ዕሽሽ ኢልዎ’ እቲ ህዝቢ ሽዑ ክግንዘቦ ዝነበሮ ግን ህዝብን መንግስትን ብሕግን ቅዋምን ጥራይ እምበር ብእምነትን ስምዒትን ክመሓደሩ ዝከኣል ከምዘይኮነ ኢዩ።

ሎሚ ውን ኣብ መላእ ክፋላት ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ናይ ፍትሒ ቃልሲ የካይድ ኣሎ። ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝጠምሮም ዕላማ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓመጽ ከብቅዕ ምስራሕ ኢዩ። እዚ እቲ ዝወሓደ ናይ ሓባር ዕላማ ስለዝኾነ ክፈላሊ ወይ ውን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ጉዳይ ኪኸውን ኣይግባእን።

ነዚ ናይ ሓባር ዕላማ ስዒቡ ዝመጽእ ናይ ርሑቕ ዕላማ ኣሎ። እዚ ናይ ርሑቕ ዕላማ ውን እንተኾነ ክፈላሊ ዘይክእል ናይ ሓባር ስምምዕ ዘለዎ ኢዩ፤ ወይ ብዉሑዱ ብስነሓሳብ ደረጃ ዝፈላሊ ነገር  ክህልዎ ዘይግባእ ነገር ኢዩ። ንሱ ድማ ድሕሪ ለውጢ  ዴሞክራስያዊ ቅዋም ዝጸደቓ ሃገር ከምእትህሉ ምውሓስ ዝብል ኢዩ።

ምምጻእ ፍትሓዊ ለውጢን፤ ምርግጋጽ ዴሞክራስያዊ ቅዋም ዝጸደቓ ሃገርን ዝብሉ ዕላማታት እቲ ቀዳማይ ከም ናይ ቀረባ እቲ ዳሕረዋይ ከም ናይ ርሁቕ ቀረባ ዕላማታት  እንተተዋሒሶም ቃልስና ኣብ ዘተኣማምን ጉዕዞ ምህላዉን ብዝኾነ ሓይሊ ክጭወ ከምዘይክእልን ጌርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና። እዚ መሰረታዊ ዓንዲ ካብ ብሕጂኡ እንተተዋሒሱ ወይ ውን ዘይስገር ቀይሕ ሕንጻጽ ኮይኑ እንተተሰሚሩ፤ እቶም ካልኦት ካልኣውን ዝርዝራውን ጉዳያት ኣብ ጽላል እዞም ክልተ ኣዕኑድ ብዴሞክራስያውን ቅዋማውን ሃዋህው ክምለሱ ዝኽእሉ ኢዮም።

ጎኒ ጎኒ እዚ ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካል ዝብል ውሕስነት፤ ንእነምጸኦ ሓርነት ከይጨዊ ዘስግእ ካልእ ከነስተብህለሉ ዘሎና ረቛሒ ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ፕረሲደንት ኤርትራ፤ ብድሕሪኡ ሃገር ሳዕሪ መታን ከይቦቕላ ዝዘርኦ ዘሎ ኣጽናቲ ናይ ምትፍና፤ ምምቕቓልን ምብትታን ውዲት ኢዩ።

ኩሎም ምልካውያን እቲ ዝደሃኽዎ ህዝቢን ዝበታተንዋ ሃገርን ወትሩ ብጸሊም ታሪኽ ከምእትዝክሮም ኣረጋጊጾም ኢዮም ዝፈልጡ። ስለዝኾነ ድማ ድሕሪ እቲ ዘይተርፍ ውድቀቶም ህዝቢ ካብ ከምዚስ ምልኮም ምሓሸና ኢሉ መታን ክዝክሮም እታ ሃገር ብድሕሪኦም ክሃስማን ክትበታተንን ይዓዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ እቶ መለኽቲ ቅድሚ ምኻዶም ህዝብን ሃገርን ኣብ ሕንፍሽፍሽ፤ ኣብ  ኩናት ሓድሕድ፤ ኣብ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ግጭታት፤ ኣብ ድኽነትን ጥሜትን ከምዝነብር ዝገብርዎ ምብትታን ሃገር ዘስዕብ ሜላታት ይሕንጽጹ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ንቕሓቱ ልዕሊ እዚ ውዲት ኣበሪኹ፤ ነቲ ኮነ ኢልካ ዝዝራእ ዘሎ ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ውዲታት እንተዘይስዒሩ፤ ወላ ፍትሓዊ ለውጢ ምስኣምጸአ ቃልሱን ፍረ ሰውርኡን በዚ ውዲት እዚ ክጭወ ከምዝኽእል ክግንዘብ ኣለዎ።

ህዝቢ ሶማል ንናጽነቱን ሉዓላውነቱን  ዘይፈቱ ስለዝኾነ ኣይኮነን ኣብ 1991 ሃገሩ ተበታቲና ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰለሎ ዘሎ፤ እንታይ ደኣ ነቲ መላኺ ዚያድ ባረ ኣብ እዋን ዕርበቱ ዝተኸሉ ናይ ምግምማዕ ውዲት ብእዋኑ ስለዘይነቕሓሉ ኢዩ ኣብ ከምዚ ሕንፍሽፍሽ ኣትዩ ዘሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ውን ብሕጂኡ ማዕረ ማዕረ ፍትሓዊ ቃልሱ ንሃይማኖታውን ኣውራጃውን ምክፍፋል እንተዘይተቓሊስዎ፤ በቲ ዘይስገር ቀይሕ መስመር ናይ ቅዋማዊ ሕግታት ጌሩ እንተዘየውሒስዎ፤ ምግምማዕ ሓርነቱ ዝጨዊ ረቓሒ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ።

እወ ህዝቢ ኤርትራ ንሓድነቱ ዝብህግ ህዝቢ ኢዩ፤ የግዳስ ብግብሪ ከምኡ እንተዘይተጌሩን  ከምኡ ከይኮነ ከሎ ከምኡ እንተመሰሎን ግን  እቲ ዘይክውንነት ኣዘንጊዑ ሓርነቱ ዝቐትለሉ ሓደገኛ መርዚ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ።

‘ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ህዝቢ ኢዩ’ ካብ ዝብል ኣዛኒዩ ዚቐዝፍ ኣተሓሳስባ ወጺእካ፤ ‘ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሉ ህዝቢ ኣፍሪቃ ብዙሕነቱ ናብ ጸጋ ኪቕይር ብውሕልነት ክሕዞ ኣለዎ’ ናብ ዝብል ጉዕዞ ጥንቁቕ መስመር ምኻድ ልቦና ኢዩ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →