Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ በቶም ክጠቕሶም ውን ዘይግባእ ሓረጋትን ቃላትን ጌሩ ዘዳለዎ ጽሑፍ ንኽልእኽ ሕጋውን ሞራላውን ባይታን ክብርን የብሉን።

By   /  November 13, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ በቶም ክጠቕሶም ውን ዘይግባእ ሓረጋትን ቃላትን ጌሩ ዘዳለዎ ጽሑፍ ንኽልእኽ ሕጋውን ሞራላውን ባይታን ክብርን የብሉን።

    Print       Email

ብዕለት 9 ሕዳር 2016 መራኸቢ ብዙሃን ኤርትራ፤ ‘’ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ናብ ጸለውቲ መራሕቲ ዓለም ብኸመይ ተዋሃሂዳ ኣንጻር ስደትን ፍልሰትን ክትሰርሕ ከምዘለዋ’ ዝገልጽ ጽሑፍ ምልኣኹ ሓቢሮም ኣለዉ።

ከም ወትሩ፤ እቲ ጽሑፍ፤ መምህር ንሕንጫል ቆልዓ ተመሃራዩ ናይ ዝህቦ ኣስተምህሮ ቃና ዝሓዘ ኢዩ። በቲ ጽሑፍ፤ መንግስቲ ኤርትራ፤ ነቶም ስሞም ዘይጠቐሶም ‘ጸለውቲ’ መራሕቲ እንታይ ክገብሩ ከምዝግባእ፥ ኣበሰኦም እንታይ ሙኻኑ፥ እንታይ ፍልጠት ይጎድሎም ኣሎ ድሕሪ ምትንታን ፥እቶም ‘ጸለውቲ’ መራሕቲ ሰኣን ከምቲ ናቱ ዝኣመሰለ በሊሕ ኣእምሮ ዘይምህላዎም ክግንዘብዎ ዘይከኣሉ ‘ብርቂ’ ሓሳባት ለጊሱሎም ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ውን ማለት ኣብ ዓመተ 2003 ካብ ዘይብሉ ግዜ ኣጻቢቡ ፍልጠቱን ምርምሩን ከይበቐቐ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕብራት ሃገራት ባንኪ ሙን ተመሳሳሊ ምኽሪ ልኢኹ ምባሩ ይኹን ግን ዓለም ነቲ ወርቃዊ ቃላት ዘይምጥቃማ ዘሕዝን ሙኻኑ እቲ ጽሑፍ ኣሚቱ ኣሎ።

ከምቲ ልሙድ እዚ ናይ ሕጂ ጽሑፍ ይኹን እቲ ቀዳማይ፤ ኣብ ጉዳይ ስደትን ፍልሰትን ኤርትራውያን ንሱ ሓንቲ ሓጥያት ከምዘይብሉ፤ እኳ ደኣ ግዳይ ሙኻኑ በቲ ሓደ ወገን፤የግዳስ ግዳይ ኮይነ ኢሉ ከየስተማሰለ ፍልጠቱን ብስለቱን ነቶም ስም ዘይብሎም ‘ጸለውቲ’ መራሕቲ ኣወፊዩ ምህላዉ ኢዩ ገሊጹ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ መንግስቲ ኤርትራ ዝሳግሙ ሰባት ዝብል ሓድሽ ቃል ኣተኣታቲዩ ኣሎ። ምስጋም ዝብል ቃል ኮነ ኢልካ ዝተመረጸሉ ምኽንያት ድማ፤ እዞም ብሰንኪ ዓመጽን መከራን ዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያት፤ ምስቶም ብልምዲ ንማሎም ዝሓሸ ማይን ሳዕርን ንምርካብ ዝሳግሙ ጓሶትን ሓረስቶትን ንምምስሳሎም ስለዚ ድማ ከም ናይ ቁጠባ ተጓዓዝቲ ንምጥማቖምን ኢዩ።

እቲ ዝገርም ምናልባት ውን ዘሕዝን መንግስቲ ኤርትራ በቶም ይትረፍ ክምህረሎም ክጠቕሶም ውን ዘይግባእ ሓረጋትን ቃላትን ጌሩ ጽሑፍ ንምልኣኽ ምድፋሩ ኢዩ።

እቲ ጽሑፍ ብሰንኪ ግሎባላውነት ዘስፋሕፈሐ ‘ስቅያት ስደተኛታት’ ኢሉ’ዩ ዝጅምር። ስቅያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ግን፤ ፈጣሪኡ፤ ዋንኡ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ተሳቒዩ ጥራይ ዘይኮነ፤ ንስቓዩ እንዳተሳቐየ ውን ተጸሚሙ ምንባሩ ምስሰኣነ ኢዩ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ። ስቓይ ናይ ህዝቢ ዘይዓጦ መንግስቲ ኤርትራ፤ ንህዝቢ ኤርትራ ክሳቐ ከሎ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ስቓይ ንኽሃድም ብስቓይ ኣብ ባሕርታት ምስጠሓለ እውን እንተኾነ፤ ‘ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት’ ኢሉ ኢዩ ዝገልጾ። ተሳቒዮም ዝተሰዱን፤ ኣብ ጉዕዞ ስደት ብስቓይ ንዝሞቱን፤ ኣብ ዓዶም ኪቕበሩ ዝኸልአን ምስ ምዉታን ዝበኣስ ስነምግባር ዘይብሉ ስርዓት፤ እታ ባዕሉ ዝፈጥራ ‘ስቓይ’ እትብል ቃል ይትረፍ ከመይ ክትህሉ ከምዘይግባእ ከስተምህረላ ክጠቕሳ ውን ክደፍር ኣይምተገበአን።

እቲ ጽሑፍ ቀጺሉ፤ እቶም ኣህዛብ ንኽስደዱ ደፋእቲ ረቋሒታት ኮይኖም ዘለዉ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ከምዝግባእ ነቶም መራሕቲ ኣስተምህሩኡ ሂቡ ኣሎ። ደፋኢ ረቋሒ ኮይኑ ዘሎ ሓይሊ ብኸመይ መንገዲ ኢዩ ብዛዕባ ደፋእቲ ረቛሒታት ብወድዓውነት ክምድር ዝኽእል። እቶም ደፋእቲ ረቋሒታት ዝበሎም ኣብ ክንዲ ብዱብዱቡ ረቋሒታት ተባሂሎም ዝግለጹ ብዝርዝር ክቕመጡን ብመጎታዊ ሓሳባት ክትንተኑ ዘይከኣሉ ስለምንታይ። ደፋኢ ረቋሒ ንስኻ ኢኻ ንዝብልዎኸ መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ኢዩ መልሱ።

ንህዝቢ ኤርትራ፤ ናይ ስደት ደፋእቲ ረቋሕቲ ኮይኖሞ ዘለዉ ፍሉጣት ኢዮም። ናብ ስደት ዝደፍኦም ዘሎ ምኹናን ኩሉመዳያዊ ሓርነቶም ኢዩ። ደፋእቲ ረቓሒታት ክእለዩ፤ እቲ ከምኡ ዝገብር ዘሎ ስርዓት እንተስ ክእረም እንተስ ክእለ ኣለዎ።

ደፋእቲ ረቓሒታት ማለት ብዘይፍርድን ሕግን ምእሳር፥ ምጭፍጫፍ፤ ምቕታል፤ ምስዋር ማለትዩ። እዚ ዝገብር ዘሎ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ። ደፋእቲ ረቓሒታት ማለት ብዓመጽ፤ ብዘይ ምርጫ ንህዝቢ ኣነ ኢየ ገዛኢኻ ኢልካ ኣብ ስልጣን ኮፍ ምባል፤ ኣብ ክንዲ ብሕግን ቅዋምን ብዓመጽን ሓይልን ምግዛእ ማለት ኢዩ። ደፋእቲ ረቋሒታት ማለት ሰባት ኣብታ ሃገርና ዝብልዋ ብሰላም ክወፍሩን ክሰርሑን ብሰላም ድማ ናብ ቤቶም ክምለሱን ብቕሳነት ክሓድሩን ዘይምኽኣል ማለት ኢዩ።ደፋእቲ ረቋሒታት ማለት ዜጋታት ዋናታት ህይወቶምን ደቆምን ምዃን ስኢኖ፤ ደቆም ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን በረኻታትን ምኽርታት ማለት ኢዩ። ከምኡ ዝገብር ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኮነ፤ እቲ ከምኡ ዝገብር ዘሎ በየናይ መለክዒ ኢዩ ከምኡ ከይግበር ዝመክር?

እቲ መልእኽቲ ብምቕጻል ‘ገለ ሓይልታት ነቶም ዝተቓወሙ ኣፎም ንምዕባስ ዘካይድዎ ናይ ምስይጣንን ዘይፍትሓዊ ስጉምታትን ተግባራት ደው ከብልዎ’ ከምዘለዎም ይጽውዕ። መራሒ ኤርትራ ንሓንቲ ሰከንድ ንነብሱ ኣብ ቅድሚ መስትያት ጌሩ ነዛ ዘረባ እንተዝዛረባ፤ ባዕሉ ምንቅስቓስ ነብሱን እቲ ቆሪሩ ፈለኽለኽ ዝብል ውስጠ ሕልንኡን ዓገብ ምበሎ።

ንዝተቓወሙን ኣይፋል ነውሪ ኢዩ ንዝበሉን ዘሰይጥን ጥራይ ዘይኮነ ናብ ሰፈር ሰይጣናት ዝመሰሉ ጎዳጉድን ምቕጥቃጥን ዝልእኽ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ። ይትረፍ ንበጽሕታት፤ ንህጻናትን ደቀንስትዮን ሽማግለን ዝኣስርን ዘሳቕን፥ ዝኾነ ምስ ሓሳቡ ዘይሰማማዕ ከም ጸላኢ ኣዊጁ ዝቐትልን ዘጥፍእን መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት ብዛዕባ ኣፍ ምዕባስን መሰላት ኣህዛብን ክዛረብ ምስማዕ ዘስደምም ነገር ኢዩ።

እቲ ጽሑፍ ኣብ ዳሕረዋይ ገጹ ‘ዓለማዊ ጊልያነት መበል 21 ክፍለ ዘመን ክበሃል ዝከኣል ስደት ደው ክብል ኣለዎ’ ክብል ገሊጹ ኣሎ። እዚ ክፋል እዚ እቲ ዝኸበደ ዘሰንብድ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ኢዩ ተባሂሉ ክግለጽ ዝከኣል ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብስም መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት ንመንእሰያት ኤርትራ ናብ ገላዩ ቀይሩ ናብ ዘስካሕክሕ ህይወት ደርቢዩ ከሎ፤ ዓለም ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት፤ ‘እቲ ዝኸፍአ ዘመናዊ ባርነት ዘካይድ ስርዓት’ ኢላ ሰይማቶ ክንሳ፤ ባርነት ትብል ቃል ደፊሩ ከድምጻን ክጽሕፋን ምርኣይ እቲ ስርዓት ክሳብ ክንደይ ካብ መሬትን ክውንነትን ተገሊሉ ኣብ ሃዋህው ይሰፍር ምህላዉ ዝሕብር ኢዩ።

እቲ ጽሑፍ ኣብ መወዳእትኡ፤ ብዛዕባ ስደተኛታት ‘ነጻ፤ ሕጋዊን ግሉጽነትን’ ዘለዎ መስርሕ ክካየድ እውን ጸዊዑ ኣሎ። ሕጋዊ?ግሉጽነት?ነጻ? ንምስሉዩነት ናይዚ ክፋል በየናይ ቃላት ክግለጽ ከምዝከኣል ንምርድኡ ኣዚዩ ከቢድ ኢዩ። እቲ ንሕጊ ዓምጺጹ፤ ቀጥቂጡ፤ ረጊጹ ናብ ጋህሲ ዝደርበየ ስርዓት፤ እቲ ንፍትሒ ከም ዓረር ዝፈርህ ጉጅለ፤ ብዛዕባ ሕጊ ክዛረብ ዝሰምዖ ሰብ ክሓዝን ዲዩ ዝግበኦ ወይስ ኣምሪሩ ክበኪ ወይ ውን ጓሂ ዘንቀሎ ሰሓቕ ኢዩ ክስሕቕ ዘለዎ ቀሊል ምርጫ ኣይኮነን። ‘ግሉጽነት’ ዝብል ኣምር ኣብ መዝገበ ቃላቱ ኣካቲቱ ዘየሎ፥ ሉዓላዊ ጉዳያቱ እንተላይ ናይ ውግእን ሰላምን መደባቱ ፤ብናይ ሓደ ሰብ ውሳነ ብዘይ ዝረአ ይኹን ዘይረአ መስርሕ ኣብ ጸልማት ዝውስን ጉጅለ፤ ግሉጽነት ክጽውዕ ዘደንጹ ተርእዮ ኢዩ።

ብሓፈሻ ክግምገም ከሎ፤ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ዘይኮነ፤ እቲ ነቲ ትሕዝቶ ንምጽሓፍ ዝተራእየ ድርቅና ኢዩ ዝገርም። ንመላእ ህዝቡ ናብ ሕሰም ማእሰርቲ፥ ስደትን ሕሰምን ዝፈረደ ስርዓት ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ፤ ምሉእ ህይወት ናይ ሰባት ሓርነት ሓሪሙ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ፤ ኣብ ጸልማት ዝነብር ካብ ዓለምን ህዝቡን ዝተነጸለ መራሒ፤ ዋና ምንጭን ኣፍራዩን ስደትን ስቅያቱን ሙኻኑ እንዳፈለጠ፥  ደፊሩ ብዛዕባ ስደትን ስቅያትን፥ ብዛዕባ ሕግን ፍትሕን፥ ብዛዕባ ባርነትን ዘይፍትሓውነቱን ክዛረብ ካብ ምስማዕ ንላዕሊ ዘሕዝን ነገር የልቦን። ኤርትራ መወዳእትኡ ናብዚ ጽፍሒ ምንቁልቋላ ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መልእኽታት ግን ዘሕዝኑ ጥራይ ኮይኖም ክተርፉ የብሎምን፥ ብኣንጻሩ እዚ ሰቡ በሊዑ ዝወደአ ስርዓት ባዕሉ ክመሓየሽ ከምዘይክእል ነጺሩ ስለዘሎ፤ እቲ ለውጢ ሕጂ ክትግበር ከምዘለዎ ምእማን ኢዩ። እቲ ለውጢ ተተፈጺሙ ስደት ከብቅዕ ኢዩ። ለውጢ ምስተፈጸመ መንእሰያትና ኣብ በረኻታት ሲናይን ሊብያን ኣይክድርበዩን ኢዮም። ዜጋ መንኢኻ ከይተባህለ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ኢዩ። ወላዲ ውልዱ ኪሓቁፍ ኢዩ። ኪገይሽ ዝደሊ ክገይሽ፤ ክወፍር ዝደለየ ክወፍር፤ ክነግድ ዝደለየ ብነጻ ክነግድ ኢዩ። ስለዚ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዘሎ። መዋእሉ ኣብ ትሕቲ ደቁ ዝበልዕ ዓመጸኛ ካብ ምንባር ክገላገል ተኾይኑ ድማ ለውጢ ከምጽእ ክጽዕርን ክቀላጠፍን ይግባእ። ሽዑ ጥራዩ ስቅያቱ ዘብቅዕ።

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →